ድለ

2026.05.11 ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስትያንን ኣስላምን 'ንህያውነት ሰብኣውነት” ብሓባር  ክሰርሑ ኣለዎም 2026.05.11 ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስትያንን ኣስላምን 'ንህያውነት ሰብኣውነት” ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስትያንን ኣስላምን 'ንህያውነት ሰብኣውነት” ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዮርዳኖስ ንጉሳዊ ተቕዋም ውስጠ እምነታት ስነ መጽናዕቲ ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ ዓውደ ጉባኤ ተባእያን ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ክርስትያንን ኣስላምን “ሰብኣውነት ኣብ ኣብ ዘንቆልቁለሉ ቦታ ዳግማይ ህያው ክገብሩን ዘይተገዳስነት ናብ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ክቕይሩ ይጽውዑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰኑይ ዕለት 11 ግንቦት ምስ ኣባላት ናይ ዮርዳኖስ ንጉሳዊ ትካል መጽናዕቲ ውስጠ እምነታትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣባላት ናይቲ ብሓገዝ ልኡል ዮርዳኖስ ሓሰን ቢን ታላል ዝተመስረተ ንጉሳዊ ትካል መጽናዕቲ ውስጠ ሃይማኖታት ኣብቲ፡ “ኣብ ዘመናዊ ግዜ ሰብኣዊ ርህራሄን ተደናጋጽነትን” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ኣብ ዝክየድ ዘሎ እቲ ንጉሳዊ ትካል ምስ ዝተፈላለያ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ከም እተሳተፉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርህራሄ ኣብ ክርስትናን እስልምናን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ርሕራሐን ድንጋጽን "ኣገዳሲ ኣረኣእያ" ክርስትናን እስላምን ምዃኑ ኣጒሊሖም ኣብ ትውፊት ኣስላም ርህራሄ (ራዕፋ - ra’fa)  ኣብ ልቢ ኣመንቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ህያብ ክኸውን ከሎ፡ ኣል-ራዑፍ - al-Ra’uf  ንእግዚኣብሔር ዝውክል ማለት ‘ወትሩ ርህሩህ’ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኣብ መንጎ ተስዓን ትሽዓተን መለኮታዊ ኣስማት ሓደ ኮይኑ እዚ ድማ “ርህራሄ ኩሉ ግዜ መበገሲኡ ካብ ኣምላኽ ባዕሉን ንሱ ንባዕሉን ከም ዝኾነ የዘኻኽረና።

ብኣንጻሩ ኣብ ትውፊት ክርስትና እዚ መለኮታዊ ርህራሄ እዚ ኣብ ስብእና ኢየሱስ “ዝርአን ዝጭበጥን” ይኸውን ዝበሉ ቅዱሰነቶም እግዚኣብሄር ስጋ ሰብ ብምልባስ “ክንየው ምርኣይን ምስማዕን” ስቓይ ደቂ ሰባት ዝኸይድ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡ ድማ ባዕሉ ይምከሮ፣ በዚ ድማ “ህያው ስጋ ርህራሄ” ይኸውን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ንስኡን

ስለዚ ርህራሄን ተደናጋጽነትን ንክርስትያንን ኣስላምን “ተወሳኺ ወይ ኣማራጺ ነገር ኣይኮነን” ብርግጽ ኣብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ንዝርከቡ ኣመንቲ “ማሕበራዊ ትርጉም” ዘለዎ እዩ እንክብሉ ዘስተብሃሉ ቅዱሰንቶም፡ ብዓይኒ ክርስትና “ፍቕሪ ንጽጉማት” – ብሓቂ ድማ ኣብ መከራኦም ምክፋል – መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎም። ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ንግስነት ዮርዳኖስ ንስደተይናታት ንምቕባል ዝነብሮ “ልግሲ ዝመልኦ ጻዕሪ” ዘለዎም ሞሳ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እደ ጥበብን ዘይምግዳስን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ናይ መወዳእታ ክፋል መደረኦም ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ጽልዋ እደ ጥበብ ኣብ ርህራሄን ተደናጋጽነትን ከም ዘስተንተኑን፡ “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ምትእስሳር ኣሎና” ዝብል ኣመለኻኽታ ሓቂ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀጻሊ ዋሕዚ ምስልታትን ምስማዐ ርእየታትን ጸገማት ካልኦት ንልብና ካብ ተሰቋርነት ከደናግሮ ይኽእል’ዩ - ቢሎም - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ “ስቓይ ካልኦት እንለማመዶ ኣይንኹን” “ኣይጸልወኒ፣ ኣይገድሰን፣ ናተይ ጉዳይ ኣይኮነን” ዝብሉ ከይንኸውን ዘቕረብዎ መጠንቀቕታ ኣቃሊሖም፡ በዚ መንጽር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ክርስትያንን ኣስላምን ኣብ “ናይ ሓባር ተልእኾ” ክዋፈሩ፣ “ሰብኣውነት ኣብ ዘንቆልቆለሉ ቦታ ዳግማይ ንምትንሳእ፣ ንዝሳቐዩ ድምጺ ንምሃብን ዘይምግዳስ ናብ ምትሕግጋዝ ንምቕያርን” ካብ ነናይ ንፈሲ ወከፎም “ሃብታም ውርሻ” ልምድታት  ክወስዱ ይጽውዑ።

12 May 2026, 16:18