ድለ

2026.05.18 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ፡ ምእንቲ ህዝቢ ሊባኖስ መዓልታዊ ጸሎቶም የረጋግጹ 2026.05.18 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ፡ ምእንቲ ህዝቢ ሊባኖስ መዓልታዊ ጸሎቶም የረጋግጹ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ፡ ምእንቲ ህዝቢ ሊባኖስ መዓልታዊ ጸሎቶም የረጋግጹ

ብጹእ ወቅዱስ ኣራም ቀዳማዊ ናይ ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊኮስ – መንበረ ጵጵስና ቂልቅያ ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ንፈለማ እዋን ከም ኣተራኸቡን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ንህዝቢ ሊባኖስ መዓልታዊ ጸሎቶምን ብዛዕባኦምን ንቤተ ክርስቲያናት ማእከላይ ምብራቕን ዘለዎም ‘ዓሚቕ ሓልዮት’ ከም ዘረጋገጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣራም ቀዳማዊ ካቶሊኮስ ናይ ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን – መንበረ ጵጵስና ኪልቅያ ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም እተራኸቡን ኣብዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዝተኻየደ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ ጸሎት ኡርባኑስ ሻምናይ ናይ ሓባር ጸሎት ከም ዝደገሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ሓዋርያዊ ስልጣን ካቶሊኮስ ኪልቅያ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ቆጵሮስ፡ ኩዌት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዞባ ወሽመጥ፡ ኢራን፡ ግሪኽን ኣመሪካን ዝሽፍን ኮይኑ ካብ 1930 ጀሚሩ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ካቶሊኮስ ኣብ ሃገረ ሊባኖስ ዞባ ቂልቅያ ከተማ ኣንጢሊያስ ከም ዝኽነን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንካቶሊኮስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ኣገዳስነት እምነትን ኣብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ናይ ሓባር ምትእስሳርን ሰዓብቲ ክርስቶስ ሓድነት ብሓባር ክምስክሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ንምምላስ ዘድሊ ሓድነት ኣብ እምነት

ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊኮስ ኪልቅያ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምድና ንምዕባይ ንዝገብርዎ ጻዕርን ምስ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ንዘለዎም ቅርበትን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያንን ዘካይዶ ምይይጥ ኣመስጊኖም፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ጸገማት እኳ እንተሃለወ እዚ ዘተ ብሓድሽ ብርታዐ ክቕጽል" ልባዊ ተስፋ ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ "ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያናትና ብዘይ ሓድነት እምነት ሕብረት ምምላስ ዘይከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንህዝቢ ሊባኖስን ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕን 'ዓሚቕ ሓልዮት' ር.ሊ.ጳ. ልዮን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ህላወ ካቶሊኮስ ‘ንፍቕርቲ" ሊባኖስ ኣብ ኣእምሮኦም ከምዘቕርበሎምን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሊባኖስ ዘካየድዎ ዑደት ብዓሚቝ ፍቕሪ ዘኪሮም፡ ንነዊሕ እዋን እታ ሃገር "ዝተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘለዎም ሰባት ከም ሓደ ህዝቢ ብሓባር ምንባር ተኻኣልነት ንዓለም ኣርእያ እያ" እንተኾነ ግን፡ ዘጋጥማ ዘሎ ከቢድ ፈተናታት ገና ይቕጽሉ ኣሎ። ሓድነትን ቅንዕናን ሃገርኩም መሊሱ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን፡ ኣብያተ ክርስቲያናትና ነቲ ንክርስትያን ኣብ መንጎኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቶም ካብ ካልእ ማሕበረሰባት ዝመጹ ኣሕዋተን ኣሓተን ኣብ ሓባራዊ ዓዶም ዘጣምር ሕውነታዊ ምትእስሳር ከሐይላ ዝተጸውዓ እያተን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ “መዓልታዊ ንህዝቢ ሊባኖስን ንቤተ ክርስቲያናት ማእከላይ ምብራቕን ጸሎተይን ዝስምዓኒ ዓሚቕ ሓልዮትን ከረጋግጸልኩም እፈትው” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ። ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ቅድሚ በዓለ ጰራቅሊጦስ ንሶምን ካቶሊኮስን ንሓድነትን ነባሪ ሰላምን እዛ እንነብረላ ዓለም ንምሕዳስ ብሓባር ክጽልዩ ብምኽኣሎም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ ካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘተባብዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ካልኦት ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኵርያ ሮማና ምብጻሕ ካይዱ ከም ዝኾኑን ዕለት 19 ግንቦት ካቶሊኮስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ዘጋጥመን ብድሆታት ኣማእኪሎም ሰፊህ መብርሂ ከም ዝሃቡ የመላኽት።

19 May 2026, 16:41