ድለ

2026.05.11 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ሱዳን 2026.05.11 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ሱዳን  (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ሱዳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ሱዳን መራሔ መንግስቲ ካሚል ኤል-ታየብ እድሪስ ዓብደልሃፊዝ ሎሚ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ግንቦት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ሱዳን መራሔ መንግስቲ ካሚል ኤል - ጣየብ እድሪስ ዓብደልሃፊዝ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ረፓብሊካዊት ሱዳን መራሔ መንግስቲ ካሚል ኤል - ጣየብ እድሪስ ዓብደልሃፊዝ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበተ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሃይታ ባልጅ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራከቡን እቲ ዳሕረዋይ ልባውን ምዉቕን ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሱዳንን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ኣፍልጦ ዝሃበን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ዘሳቕያ ዘሎ ከቢድ ቅልውላውን ኣብ ዘተኮሩ ኣርእስታት እውን ከም እተመያየጡን ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ንህዝቢ ሓገዝ ምሃብን ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ህዝቢ ሱዳን ቅኑዕን ግሉጽን ዘተ ምጅማርን ነቲ ግጭት ንምውጋን ብሓባር ሰላም ንምህናጽን ህጹጽ ኣድላይነት ምቍራጽ ቶክሲ  ከም እተሰመረሉ የረጋግጽ።

12 May 2026, 16:14