ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንፓትርያርክ ታዋድሮስ፥ ኣብዛ ግጭት ዝመልኣ ዓለም ክርስቲያን መስከርቲ ሓድነት ይዅኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 "ምሉእ ሓድነት" ክርስትያን ርሑቕ ሸቶ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዚ ነቲ ንዓለም ዜሳቕያ ዘሎ ግጭታት ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዝበታትን ግጭታት ኣብ ግምት ብምእታው ህጹጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ ውግእን ምግምማዕን ዝመልኦ መዋእል ዝያዳ ጽኑዕ ኤቁመናዊ ተወፋይነት ኣድላዪ ምዃኑ ንናይ ምስሪ ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ መዓልቲ ጽምብል መንበር ፓትሪያርክ ምስሪ ቅዱስ ማርቆስ ተተሓሒዙ ዝዝከር መዓልቲ ምሕዝነት ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምምልካት፡ እቲ ናይተን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ "ኣብ እምነትን ልግስን እተመስረተ ምይይጥ ንምስጋር ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋታት ንምስጋር ኣብ መንጎ ቅብጣዊትን ካቶሊካዊትን ኣቢያተ ክርስትያን መዓልቲ ዕርክነት ንምብዓል ሓድሽ ድራኸ ንምሃብ ኣብ ዚግበር ድሌት" ዘተኮረ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እቲ ምይይጥ "ብፍላይ ኣብቲ ኣዝዩ ሽግር ዝመልኦ ማእከላይ ምብራቕ ወንጌል ንምእዋጅን ሰላምን ዕርቅን ንምድንፋዕ ሓባራዊ ሓላፍነት ምህላዉ ዝሕብር እዩ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ “ክቡር ትውፊት”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ናይ ካቶሊካዊትን ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ መዓልቲ ምሕዝነት ካብታ ናይ ምስሪ ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ዝተበገሰን ጸኒሑ ድማ ዕለት 13 ግንቦት 2013 ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዚምረጹ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ተቐባልነት ረኺቡ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ሓሳብ ድሕሪ እቲ ኣብ 1973 ኣብ መንጎ ጳውሎስ ሻድሻይን ሸኖዳ ሳልሳይን ዝተኻየደ ብናይ ሓባር ኣዋጅ ስነ ክርስቶስ ስምምዕ ዝተዛዘመ ታሪኻዊ ርክብ መበል ኣርብዓ ዓመት ንምዝካር ዝኣመተ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ብምዝኽካር፡ ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2023 እንደገና ከም እተራኸቡን ፈለማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስን ንጽብሒቱ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዝተኻየደ ነቲ ናይ ቅዱስ ቁርባናዊ ሓድነት ተስፋ ንምርግጋጽን ነቶም ኣብ 2015 ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ብዳዒሽ ዝተሰየፉ 21 ሰማእታት ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንምዝካር ከም እተራኸቡን፡ ሕጂ እቶም 21 ሰማእታት ክርስቲያን ኣብ መንጎ መንበረ ቅዱስ ጵጥሮስን መንበረ ቅዱስ ማርቆስን “ከም ምልክት መንፈሳዊ ሕብረት” ኣብ ሮማዊ ሰነድ ሰማእታት ኣስማቶም ሰፊሩ ይርከብ።
በዚ ኸምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ “ብፍቑር ቅድሚኦም ዝነበረ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ “ክቡር ትውፊት” መዓልቲ ምሕዝነት ቅብጣውያንን ካቶሊካውያንን ምጽምባል ክቕጽልን እዚ በዓል እዚ ነቲ ብሕሉፍ ምፍልላይን “ዘይምርድዳእን” ብሓድሽ ዕርቂ ዝተለለየ ናይ ሓባር ጉዕዞ ሓድሽ ድርኺት ክህቦ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተላብዮም፡ "ዓለምና ብብዙሕ ግጭታት ብፍላይ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እትሳቐየሉ ዘላ እዋን፡ ክርስትያን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ምሉእ ሓድነት ንኽህልዎም ክጽዕሩ ኣለዎም፡ ምእንቲ መስፍን ሰላም ብሓባር ክንምስክር። ከምኡ ብምግባርና፡ ኣብ ሓያል ኣማላድነትን ኣብነትን ናይቶም ብስም ክርስቶስ ዝተሳቐዩ ማእለያ ዘይብሎም ሰማእታት ክንተኣማመን ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰናይነት ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ምምስካር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሰንበት ዕለት 10 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ "ንናይ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ ምሕዝነት" ኣፍልጦ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ነቲ ቕድሚኦም ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨነዚያ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ማርቆስ ምስ ብዙሓት ቅብጣውያን ጳጳሳትን ካህናትን መስዋዕተ ቅዳሴ ንዘዕረጉ ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ "ሕውነታዊ ሰላምታ" ከም ዘመሓላለፉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብኣካል ገና ዘይተራኸቡ እውን እንተኾኑ፡ ናይ ምስሪ ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ 2025 ድሕሪ ምምራጾም ናይ ሓጎስ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ከም ዝነበሩን ብስልኪ እውን ከም ተራኸቡን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "እቲ ናይ ዕርክነት ጕዕዞና ናብ ፍጹም ሓድነት ክርስቶስ ክመርሓና ተስፋ ብምግባር ምእመና ምእንቲ እታ "ፍቕርቲ" ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክጽልዩ ዓዲሞም እውን ከም ዝነበሩን፡ ኣብቲ ዕለት 4 ግንቦት ዝኸተምዎ ዓርቢ ዕለት 15 ግንቦት ወግዓዊ ዝኾነ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብቲ "ዕርክነት" ዚብል ኣምር ብምትኳር ነዚ ተስፋ እዚ ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንክርስትያን እዚ "ዘይንጹር ስምዒት ኣይኰነን፡” እዚ ድማ ኣብ ማእከል ህይወትናን እምነትናን እዩ። ጐይታና ባዕሉ ኣዕሩኹ ኢሉ ይጽውዓና፡ "ምእንቲ ብጻይካ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን እንክብል ይምህረና። ስለዚ ነቲ ክርስቶስ ምሳና ዘለዎ ዕርክነት ብምውሳድ ነቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያንን ዘሎ ዕርክነት ከነደልድሎን፣ ብዛዕባ መለኮታዊ ፍቕር ንኹሉ ፍጥረት ሰብ ብሓባር ክንምስክር ክንቅጽልን እንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘተን ሓድነትን
በዚ መንፈስ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ካብ 2003 ኣትሒዙ "ኣዝዩ ፍረ ዘለዎ" ቲዮሎጊያዊ ምይይጥ ዘዳለወ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያ ዘተ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን "እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቲዮሎጊያዊ ምርድዳእ" ዘንጸባርቕ ሰለስተ ሰነዳት "ምስ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤት ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ነቲ "ኲላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ" ዝብል ክርስቶስ ዝጸለዮ ጸሎት ምላሽ ንምሃብ ዕዮኡ ክጅምር ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ገዳም ቅዱስ ቢሾይ ዋዲ ዔል ናጥሩን ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ ዓለማዊ ጉባኤ “እምነትን ስርዓትን” ሓያሎ ካቶሊካውያን ልኡኻት ሓዊሱ ተሳተፍቲ ብምእንጋዳ ንቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣመስጊኖም፡
ከምኡ እውን ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ዝግበር ኣስተንትኖ “ናብቲ ጭቡጥ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንምብጻሕ ዘለና ድሌት ከም ብሓድሽ ከበራብር እዩ - እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ እምነት ኒቅያ እንእመነሉ ሓደ ጥምቀት ዝተሰረተ ሓድነት ክንበጽሖ ኢና ዝብል እምነት ኣሎና፡ ምእቲዚ ካብ ልቢ እጽሊ” ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶ ንበዓል ጴንጠቆስጠ እናጠመቱ “ንቅብጣውያንን ካቶሊካውያንን ኣብ ናይ ሓባር ንግደትና ብሓቅን ፍቕርን ናብ ምሉእ ሓድነት ክመርሖም” ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዘማዕቈቡ ይሕብር።
