ድለ

2026.05.14 Visita pastorale all'Universita' "Sapienza" di Roma 2026.05.14 Visita pastorale all'Universita' "Sapienza" di Roma  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ በጺሖም፣ 'ናይ ሓቀይና ሰላም ሰብ ኢደ ጥበብ ንኹን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ ፍሉይ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ንመንእሰያት ካብ ገለልተይናነት ወጺኦም፣ "ናይ ሓቅይና ሰላም ሰብ ኢደ ጥበብ" ክዀኑ ተማሕጸንዎም፣ ብዛዕባ እቲ እና ዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሓደራዊ ወጻኢታት ኣጠንቒቖም ከምኡ ውን ብዛዕባ ሓደጋታ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ውግእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዝለገስዎ መደረ፣ "ናይ ሓቀይና ሰላም ሰብ ኢደ ጥበበኛታት ኩኑ፦ ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰላም ኣብ ምህናጽ፣ ትሑታትን ጽንዓትን ንኹን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ንምድርን ስኒት ንምፍጣር እውን ንዕየ" ክብሉ ተላብዮም።

ቅዱስ ኣቦና ቀቕድሚ ሓሳባቶም ምክፋሎም፣ ሓጺር ናይ ጸሎት ግዜ ወሲዶም ቀጺሎም ድማ ንኣባላት ማሕበረሰብ እቲ መንበር ጥበብ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘካፈልዎ መደረ ምስ ማሕበረሰብ እዚ መንበረ ጥበብ ንኽራኸቡ ዝቐረበሎም ዕድመ፣ "ብዓብዪ ሓጐስ" ከም እተቐበልዎ ብምግላጽ፣ ነቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብሉጽ ማእከል ከም ዝዀነ ብምምጓስ፣ ነቶም ትሑት ቍጠባዊ ሃብቲ ዘለዎምን፣ ኣካለ ስንክልና ንዘለዎም ሰባትን፣ ንእሱራትን ከምኡ ውን ካብ ዞባታት ኲናት ዝሃድሙ ስደተኛታትን ዕድል ትምህርቲ ንኽረኽቡ ዝገብሮ ዘሎ ቘራጽነት ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ብፍላይ ድማ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ቤተክርስቲያንን መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛን ካብ ቃዛ ንዝመጹ ናይ መንበረ ጥበብ ሰብኣዊ ኮሪደር ንምኽፋት ዝገበርዎ ስምምዕ ምስጋናኦም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ   (@Vatican Media)

ቅዱስነቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ናይ ሮማ ጳጳስ ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋሎም፣ ብፍላይ ምስ ማሕበረሰብ መናብርተ ትበባት ክራኸብ ከም ዝደልዩን፣ "ብናይ ጓሳ ልቢ" ድማ ፈለማ ንተመሃሮ ደሓር ከኣ ንመምህራትን ክዘራረብዎም ከም ዝደልዩ ገሊጾም።

መንእሰያትን ንሓቂ ሃሰስ ምባልን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ዝገበርዎ ምብጻሕ እንከስተንትኑ፣ ብመገድታት እቲ ኮሌድ በብመዓልቱ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝሳገሩን፣ "ንሓድሕዱ ዚጋጮ ስምዒታት" ከም ዘለዎምን ገለጹ።

ገለ ግዲ ዘይብሎምን ዜሐጕስን እዋናት ከም ዜሕልፉ እኳ እንተ ገለጹ፣ በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ዓብዪ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዝጭነቑ ግን ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ኣብ መንጎ እዚ ሓቂ እዚ፣ ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ መጽናዕትን ዕርክነትን ምስ "ክኢላታትን ሊቃውንትን" ብምርኻብን፣ ንሰባት ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዓለም ኩነታቱ ቅድሚ ምቕያሩ እውን ከይተረፈ ናብ ዝሓሸ ኩነት ክቕይርዎ ከም ዝኽእሉ ገለጹ።

ኣስዕብ ኣቢሉውን "ንሓቂ ዘሎና ባህጊ ንምርካብ፣ እቲ ኣብ መጽናዕቲ እንገብሮ ትብዓት ንተስፋ ሓዳስ ዓለም እዩ ዜረጋግጽ" እውን በሉ።

ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከቢድ ጌጋታት እኳ እንተ ገበረ ንጥበብ ዝነበሮ ፍቕሪ ግን ኣየጥፍአን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ተመሃሮ ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ መንፈሳዊ ኣቡኦም ዘለዎም መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣዘኻኸርዎም፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከቢድ ጌጋታት ዝገበረ ግን ከኣ ንጽባቐን ጥበብን ዝነበሮ ፍቕሪ ፈጺሙ ዘየጥፍአ ብምዃኑ፣ ንጥበብን ሓቅን ንምንዳውይ "ዕረፍቲ ዘይነበሮ መንእሰይ" ምንባሩ ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ካብ ተመሃሮ ብኣማኢት ዝቝጸር ሕቶታት ብምቕባል ከም እተሓጐሱ እውን ኣመልከቱሎም። ንዅላቶም ክምልሱሎም ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ ድማ፣ ነቶም ተመሃሮ ህላዌ ናይቲ ኣብቲ መንበረ ጥበብ ዝርከብ ክፍሊ ሓዋርያዊ ጉስነት ነዚ ምኽንያት እዚ ኸም ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም፣ እዚ ኸኣ "እምነት ምስ ሕቶታትኩም ዝጋመሉ ቦታ" ምዃኑ እውን ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ሳፔንዛ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ሳፔንዛ ሮማ   (@Vatican Media)

'ንሕና ቀመራዊ ሚዛን ኣይኰንናን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንብዙሓት መንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ህይወት ቓልሲ ክዛረቡ እንከለዉ፣ "ብዙሓት መንእሰያት ይሳቐዩ ምህላዎም ክንሓብእ የብልናን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ነቲ ናይ መንእሰያት "ትጽቢታት ዜንጸባርቕ" ከምኡውን ንኽንፍጽሞ ዝወርበና ጸቕጢ ብምጥቃስ፣ "ንሰባት ናብ ሚዛናዊ ቀመር ዘውርድ ውድድርን፣ ነዚ ኩነታት ዜጋድድን ናብ ጭንቀት ዝድርብየናን እተዛብዐ ስርዓት ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ ሓሶት" ኢዩ ክብሉ እውን ገለጽዎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፣ "እዚ መንፈሳዊ ሕማም እዚ፣ ድምር ናይቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎና ነገር ከም ዘይኰንና ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ዓባስ ዝኾነ መንበረ ጥበብብ ብሃውሪ እተኣከበ ነገር ከም ዘይኰንና የዘኻኽረና" በሉ።

ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም፣ ነቶም ተመሃሮ ሚዛናዊ ቀመር ከም ዘይኰኑን ፍሉይ ክብሪ ኸም ዘለዎምን ኣረጋገጹሎም።

ገዛእ ርእስና ምዃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመንእሰያት ብቐጥታ እንክዛረብዎም፣ ዘመናዊ ሕማም "ንስኻ መን ኢኻ?" ዝብል ሕቶ ከም ዝሓትት ብምግላጽ፣ እዛ ሕቶ እዚኣ "ስቕ ኢልና ንኣምላኽ እንሓትቶ" ምዃና ገሊጾም።

"ገዛእ ርእስና ምዃን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበይትን መለለዪ ዕማም እዩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ንሕና ባዕልና ጥራይ ክንምልሶ እንኽእል ሕቶ እኳ እንተ ዀነ፣ ንበይንና ኽንምልሶ ዘይንኽእል ሕቶ ከአ እዩ" ብምባል ደቂ ሰብ ብርክባትና ኸም እንቕረጽ ኣጕልሑ።

'እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሒዝና እንሓልፍ ዘሎና?'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቶም ዓበይቲ ወለዶታት ምልስ ብምባል ድማ፣ እቲ ኣብ መንእሰያት ዘሎ ሕማም "እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና እንገድፍ ዘሎና?" ክብሉ ሓተቱ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም፣ እዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም "ብውግእን ብቓላት ውግእን ተበላሽዩ እያ ዘላ" ብምባል ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ንማሕበራዊ ርክባት ካብ ጂኦፖለቲካዊ ደረጃ ናብ ታሕቲ ዝወርድ "ኣመክንዮኣዊ ብከላ" ክብሉ ገልጽዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘካየድዎ ጉስነታዊ ምብጻሕ ናብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘካየድዎ ጉስነታዊ ምብጻሕ ናብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ እቲ "ጸላእቲ ይሃንጽ" ዚብል ተራ ኣዘራርባ ዝመስል፣ ብፍላይ ኣብ መናብርተ ጥበባት "ሕልኽላኻት ብምክንኻንን ጥበባዊ ናይ ምዝካር ልምምድን" ክዕረ ኸም ዘለዎ ኣጠንቂቖም።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ብፍላይ እቲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ኺርሳዕ የብሉን" ክብሉ ኣጠንቀቑ።

ብዛዕባ ወተሃደራዊ ወጻኢታትን ዳግመ ምዕጣቕን ዝሃብዎ መጠንቀቕታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት 'ዳግም ውግእ ኣይሃሉ' ዚብል ጭርሖ ብምድግጋም፣ ኣብ ኣልባብ መንእሰያት ዝነብር ፍትሒ ዘለዎ መንፈሳዊ ኪዳን ንኽንምስርት እዩ ዚደፋፍኣና" በሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት፣ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም።

"'ምክልኻል' ውጥረትን ዘይምርግጋእን ዝውስኽ፣ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዝግበር ወፍሪ ዘዳኽምን፣ ኣብ ዲፕሎማሲ ዘለዎም ምትእምማን ዝቕንስን ከምኡውን ንሓባራዊ ረብሓ ዘይግደስን ነቶም ሃብታማት ጥራይ ዘበልጽግ ዳግመ ምዕጣቕ ኢልና ኢና እንጽውዖ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሕብረተሰብ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ዓውድታት ብዛዕባ ምዕብልናን ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ንቑሓት ክኸውን ከም ዘሎና ኣትሪሮም ተዛረቡ።

"እዚ ብፍላይ ንምርጫታት ደቂ ሰብ ካብ ተሓታትነት ምእንቲ ከየውጽኦም ነቲ ዘሕዝን ግጭታት ምእንቲ ኸይጋድዶን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" በሉ።

ብዛዕባ 'ናይ ጥፍኣት ዕንኪላሎ' ዘቕረብዎ መጠንቀቕታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ዩክረይን ቃዛን ዞባታት ፍልስጥኤምን ሊባኖስን ኢራንን ከም ኣብነት ናይቲ "ኣብ መንጎ ውግእን ሓደስቲ ተክኖሎጅታትን ዘሎ ርክብ ኢሰብኣዊ ፍልቀት" ዝተራእየሉ ኩነት ኢዩ ክብሉ ጠቒሶምዎ ይርከቡ።

ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም፣ "መጽናዕትን ምርምርን ወፍርታትን ብኣንጻራዊ ኣንፈት ይንቀሳቐስ ኣሎ" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

"እወ ንህይወት፣ ብፍላርይ ድማ እወ ንህይወት ንንጹሃት፣ እወ ንህይወት መንእሰያት፣ እወ ንህይወትን ሰላምን ፍትሕን ቢሎም ዚጭድሩ ህዝብታት ንኹን" እውን በሉ።

ጉስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ናብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ
ጉስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ናብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ   (@Vatican Media)

ንፍጥረት ምዕቃብ

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እቲ ኻልኣይ ናይ ሓባር ተጸምዶ ብዛዕባ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቃበ እዩ ዝነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣከባቢ ዘናደውዎ ሰነድ ስቡሕ (Laudato si) ዓዋዲት መልእኽቲ ብምዝካር፣ "ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስርዓት ኣከባቢያዊ ኩነታት ዓየር ቅልውላው ዝፈጥር ዘሎ ሙቐት ንርኢ ኣለና" ዝብል መጠንቀቕታ እውን ጠቒሶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዘመልከትዎ፣ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ "ብዘይካ ጽቡቕ ድራኸን ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ እተገብረ ጻዕርታትን፣ እቲ ዅነታት እተመሓየሸ ኣይመስልን" በሉ።

ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ካብ ገለልተይናነት ክወጹን፣ ኢዶም ከይህቡን ኣብ ክንዳኡስ "ንቅልውላዋት ናብ ትንቢት ክቕይሩ" ኣተባብዕዎም።

ምስትውዓል ናይ ኣመንቲ

ኣስዕብ ኣቢሉውን ቅዱስነቶም፣ "እቶም ዚኣምኑ ሰባት፣ ታሪኽ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ኣብ ኢድ ሞት ከም ዘይወድቕ ብፍሉይ መገዲ ይፈልጡ እዮም" ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ።

ኣብ ክንዳኡስ ታሪኽ ኵሉ ሳዕ በቲ "ንህይወት ካብ ኢምንት ዝፈጥር፣ ከይወሰደ ዚህብ፣ ንርእሱ ከይበለ እውን ብዚካፈል" ኣምላኽ እዩ ዝዕቈብ ክብሉ ኣረጋገጹ።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ "ሎሚ እዚ ናይ ዋንነትን ዓማዊልን ጸቕጥታት፣ ንምብልሻው ናይቲ ድሮ ዝበቍል ዘሎ ሓድሽ ነገር መሰረት ይተክል ኣሎ፦ መጽናዕቲ ምምዕባል ፍትሒ ምሕላው!" ድማ ኣገዳሲ ኢዩ ክብሉ ኣተሓሳሰቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ንተመሃሮን መምህራንን ሰላም ንምስዓብ ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ክሰርሑ ዓደምዎም።

"ንሓቀይና ሰላም ዝዓዩ ሰብ ኢደ ጥበብ ኩኑ፦ ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰላም ንምህናጽ ትሑታትን ጽንዓትን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስኒትን ንምድርን ንምትካል ዝሰርሑ ንኹን" እውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ድማ ነዚ ንምግባር፣ ምስትውዓልን ትብዓትን የድሊ።

ጉስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ናብ መንበር ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ
ጉስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ናብ መንበር ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ   (@Vatican Media)

'ብተመሃሮኹም ተኣማመኑ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብፍላይ ናብ መምህራን እቲ መንበር ጥበብ ምልስ ብምባል፣ እዚ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ንዘመናት ኣብ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ኣእምሮ ዝፈጠረ "መጽናዕትን ማእከል ፈተነንን" ኮይኑ ከም እተረኽበ ገለጹ።

ኣብዚ መዳይ እዚ መምህራን እዚ መንበረ ጥበብ "ምስ ኣእምሮን ልብን መንእሰያት ፍረ ዘለዎ ርክብ" ናይ ምምዕባል ሓላፍነትን መሰልን ከም ዘለዎም ኣዘኻኸርዎም።

"ኣብ ተመሃሮኹም ክትተኣማመኑ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

"እምበኣርከስ ኩሉ ሳዕ ንገዛእ ርእስኹም ሕተቱ፣ ኣነ ንተምሃሮይ እኣምኖም ድየ?" እውን በሉ ብምባል ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ   (@Vatican Media)

ምምህርና ከም ሓደ ዓይነት ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት

ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከተዎ፣ ንትምህርቲ "ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ፍቕሪ ኢዩ" ብምባል ገለጽዎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ሓደ "ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ስደተኛ፣ ኣብ ጐደና ንዘሎ ድኻ ሰብ፣ ወይ ከአ ንተስፋ ዝቘረጸ ሕልና" ምስ ምድሓን ኣመሳሲሎም ገለጹሎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ምምህርና ክበሃል እንከሎ "ንህይወት ደቂ ሰብ ኵሉ ሳዕ ኣብ ኵሉ ዅነታት ምፍቃርን፣ ንተኽእሎታቱ ኣኽቢርካ ምርኣይን ማለት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ትምህርቲ "ንልቢ መንእሰያት" ክዛረብ እምበር፣ ኣብ ኣእምሮኣዊ ፍልጠት ጥራይ ዘተኰረ ክኸውን ከም ዘይብሉ ገሊጾም።

ሓድሽ ትምህርታዊ ኪዳን

"ፍልጠት ናይ ሞያ ሸቶታት ንምውቃዕ ጥራይ ዘይኰነስ፣ መን ምዃና ንምፍላጥ እውን የገልግል ኢዩ" በለ።

ብዝርርባትን ልምምድን ምስ ከተማ ብዘለዎም ርክብን ቴማታትን ከምኡውን ናይ ዝለዓለ ደረጃ መጽናዕትታት ተመሃሮ፣ ብቐጻሊ ሓድሽ ድራኸታት ክረኽቡን "ኣብ መንጎ መጽናዕትን ህይወትን፣ ኣብ መንጎ መገድታትን ሸቶታትን" ስርዓት ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ኣዘኻኸርዎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣  ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣባታዊ ጸሎቶም ቕድሚ ምርግጋጾም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም እውን ቅድሚ ምክፋሎም፣ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብ እዚ መንበረ ጥበብን "ምልክት ሓድሽ ትምህርታዊ ሕብረት" ንምዃን ከም ዝጽዕሩ ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ   (@Vatican Media)
15 May 2026, 15:25