ር. ሊ. ጳ.፦ “ሰብኣዊ ርክባት ንሓቂ ሰብኣዊ ኣካል ኬኽብር ኣለዎ”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ትማሊ ሰንበት ዕለት 17 ግንቦት መበል 60 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣኽቢራ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ደድሕሪ ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምሕበራዊ ርክባት ብምዝካር፣ ኵሉ ሰብ ወትሩ ንሓቂ ሰብኣዊ ኣካል ዘኽብር ዓይነት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስመራት ክሃንጽ ኣተባቢዖም።
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ተክኖሎጂን ከምኡ ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እተራእየ ሰፊሕ ምዕባለታት ብምጥቃስ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታት ናብ ረብሓ ደቂ ሰብ ክመርሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
"ኵሉ ሰብ ኵሉ ሳዕ ንሓቂ ሰብኣዊ ኣካል ዜኽብር፡ ኵሉ ዓይነት ተክኖሎጅያዊ ምህዞታት ናብዚ ሓቂ እዚ ከምርሕ ዘለዎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ተግባራት ክሕግዝ አተባብዕ ኣሎኹ" በሉ።
መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመበል 60 ዓመት መዓልቲ ማሕበራዊ ርክባት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ውርሒ ጥሪ ኣብ መበል 60 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘመሓላልርፍዎ መልእኽቲ፣ "ድምጽን ገጽን ደቂ ሰብ ምዕቃብ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሓሳባት ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠሮም፣ ገጻትን ድምጽን ናይቲ ቅዱስ ምዃኖም ገሊጾም።
"ነፍሲ ወከፍና ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመክሮ ዝምንጩን፣ ምስ ካልኦት ብዘሎና ርክብ ዝግለጽን መተካእታ ዘይብሉን ዘይነቓነቕን ጸዋዕታ ኣሎና" ድማ በሉ።
ይኹን እምበር ሓደስቲ ዲጂታላዊ ተክኖሎጂታት፣ ድምጽን ገጽን ስምዒታትን ብምቕዳሕ ንፍልይናትና ኣብ ሓደጋ ኸም ዜእትዉ ዘለዉ እውን ገሊጾም።
"ድምጽን ገጽን ደቂ ሰብ ጥበብን ፍልጠትን ሕልናን ሓላፍነትን ድንጋጽን ዕርክነትን ብምቕዳሕ፣ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ተባሂሉ ዝፍለጥ ሥርዓት ኣብ ሥነ ኣከባቢያዊ ኪደት ዝካየድ ሓበሬታ ጣልቃ ይኣቱ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ዓሚቝ ደረጃ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስመራት፣ ማለት ንሰብኣዊ ርክባት እውን ይጥሕሶ ኣሎ" በሉ።
እቲ ንደቂ ሰብ ዘስግእ ዘሎ ናይ ሓቂ ስግኣት፣ ነቲ ንሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን (AI) ከምኡውን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርኣ ዘሎ ቀመራዊ ምዕሪት (social-media algorithms) ናይ ምስማዕን ብሜመያ ናይ ምቕባልን ክእለትና ንምውጋድ ዘሎና ድልውነት ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽተም ኣስፊሖም ገለጹ።
"በዚ ምኽንያት እዚ ወትሩ ካባና እተፈልዩ፣ ምስኦም ክንራኸብ እንኽእልን፣ ካብኣቶም ክንመሃርን ዘሎና ሰባት ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ተዓጢቕና ኣሎና" በሉ። "ንኻልኦት እንተ ተቐበልናዮምን፣ እንተ ዘይሓቖፍናዮምን ርክብን ዕርክነትን ኪህሉ ኣይክእልን እዩ።”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ድማ ንሰባት ምስ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ንሓድሕድናን ኣብ ዘሎና ርክብን ሓላፍነትን ምትሕብባርን ትምህርትን ክቕበሉ ኣተባብዕዎም።
"እዚ ዲጂታላዊ ሰውራ ናይ ቀመራዊ ምዕሪት (social-media algorithms)፣ ብዛዕባ ክውንነት ንዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ከም ዝቐርጾን፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣድልዎ ብኸመይ ከም ዝገርን፣ እንታይ ዓይነት ኣሰራርሓታት ኣብ ምግብና ንምህላው ዝውስን ቍጠባዊ ስርዓታትን ቅድታት ቍጠባን ብኸመይ ኪቕይር ኸም ዚኽእልን ንምርዳእ ዲጂታላዊ መሃዝነት ዚሓትት እዩ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፣ "እንደገና ኣብ ክንዲ ምስ ሰባት ንምዝርራብ፣ ገጽን ድምጽን የድልየና ኣሎ" ክብሉ ደምደሙ። "ንውህበት ሰብኣዊ ርክባት ከም ዓሚቝ ሓቂ ደቂ ሰብ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና፣ ኵሉ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታት እውን ናብኡ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ" ክብሉ ድማ ተላበው።
