ድለ

206.05.28 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per l'Evagelizzazione 206.05.28 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per l'Evagelizzazione  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ “ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ ዘመን መንፈሳዊ ድኽነት ንመንእሰያት ወንጌል ክሰብኩ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካፈልዎ ቃለ ምዕዳን፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት፣ ነቲ ኣብ መንእሰያት ዘሎ መንፈሳዊ ድኽነትን ቅልውላውን ምላሽ ንምሃብ፣ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕርታት ክሕግዙ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 28 ግንቦት ምስ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር - ክፍሊ መሰረታዊ ሕቶታት ስብከተ ወንጌል ኣብ ዓለም ተራኺቦም።

ኣብ 2025 ዝተኻየደ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፣ 33 ሚልዮን ሰባት ናብ ሮማ ንግደት ከም ዘካየዱ ብምዝካር፣ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት እዚ ንኸምዚ ዝኣመሰለ፣ ብዙሓት ምእመናን ዝገብርዎ ንጥፈታት ንምቕባል ዝገበሮ ጻዕርታት ጠቒሶም ኣመስገንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እዚ ግዜ እዚ "ናይ ጸጋ ግዜ" ኢዩ ዝንበረ ክብሉ ብምጽዋዕ፣ ዓመተ ኢዮቤል ኣብቶም ናይ ሮማ ኣርባዕተ ጳጳሳውያን ባሲሊካታት ከም እተኻየደን፣ ከምኡውን ካቶሊካውያን ምእመናን ዓሚቝ ናይ ተስፋ ባህጊ ከም ዘለና ኣፍልጦ ዝሃቡሉ፣ ኣብ ኩሉ ኣከባቢያዊ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝተጸንበለ ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ስብከተ ወንጌል “ሓደ ምናባዊ ዝኾነ ሥነ ሓሳብ ዘይኰነስ ንኻልኦት ናብ ፍቕርን ሓቅን ብምጽዋዕ ዚስሕብ ምስክርነት ምዃኑ ገሊጾም።

"ወንጌላዊነት ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ናይ ነፍስ ወከፍ ኣከባቢያዊ ማሕበረሰብን መሰረታዊ ድራኸ ክኸውን ዝሓትት ኢዩ" ውን በሉ። "በዚ መገዲ እዚ ጥራይ እዩ እምነት ብጽባቐኣ ብተደጋጋሚ እትርከብን፣ ተኣማንነታ ብዝበለጸ መገዲ ኽትገልጽን እትኽእል።"

ቅዱስነቶም፣ ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ናይ እምነት ቅልውላው፣ ናብ ሃይማኖታዊ ዘይተገዳስነት ከም ዘምርሕ ዘሎ እውን ጠቒሶም።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ሓቀይና ሓደጋ ዘይተገዳስነት፣ ከም ትርጕም ምድላይ ዝኣመሰለ፣ ንህልው ሕቶታት መልሲ ናብ ዘይምድላይ እዩ ዘምርሕ ዘሎ ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ።

"ኣብዚ መዳይ እዚ እውን እንተ ዀነ፣ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ፣ ንህይወት ደቂ ሰባት ምሉእ ትርጕምን ዋጋን ክመልስ ይኽእል እዩ፣ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ነቲ ኻብ ትንሳኤ ጐይታ እተቐበለቶ ትእዛዝ፣ ነባሪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብምስትውዓል፣ ከም ብሓድሽ ኣፍልጦ ሂባትሉ ኣላ" ውን በሉ።

ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንመጻኢና "ብሰላምን ፍትሕን ናጽነትን ሕውነትን" ምእንቲ ኺመልእ፣ ደቂ ሰብ ኣብ ዜተኣማምን መሰረት ንኽሓንጹ ምሕጋዝ ምዃኑ ውን ወሲኾም ኣመልከቱ።

ብዙሓት መንእሰያት ንመንፈሳውነት ዘለዎም ጥሜትን ጽምእን የበራበሩ ኸም ዘለዉ ብምግላጽ ድማ፣ ቤተ-ክርስትያን ወንጌል ንምስባኽ ሓድሽ መገድታት ብምድላይ፣ ነዚ ባህጊ እዚ ምላሽ ክትህበሉ ከም ዘለዋ ተማሕጺኖም።

"እዚ ሓድሽ ወለዶ፣ ንወንጌል እተዓጽወ ኣይኰነን" በሉ ቅዱስነቶም። "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብዙሓት ሰባት ዳግም ምስ ወንጌል ምስ ተራኽቡ፣ ሓቀይና ሓጐስ ናይ ምርካብ ምስጢር ኣብ ውሽጡ ኸም ዘሎ ስለ ዝግንዘቡ ብዝያዳ ኺፈልጥዎ ኢዮም ዝደልዩ፣" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

እኳ ደአ ሜላታት ስብከተ ወንጌል ብቐጻሊ ስለ ዝሕደስ፣ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ንብዙሓት ሰባት ናብ ክርስቶስን፡ ናብ ምድሓንን፡ ፍቕሩን፡ ቃሉን ምእንቲ ኺመርሕዎም፣ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ጽን ክብሉ ኣለዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ከም ዘመልከትዎ፣ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ምትሕልላፍ እምነት ከም ዘቋረጸን፣ እዚ ድማ ናብ መንፈሳዊ "ድኽነት" ከም ዝመርሕ ዘሎ ገሊጾም፣ በዚ ኸምዚ እምበአር ምሉእ ናጽነት እምነት ንምድንፋዕ ዘድሊ ድራኸታትን መሳርሒታት ከም ዘይብሎም ብኣጽንዖት ገሊጾም።

እቲ ብልዑል ምትእትታው ዝካየድን ከምኡ ውን ንኣሕላኺ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብን ግለ ሰባትን ብትዕግስቲ ንኺመሃሩ ወይ ሓቂ ንምርካብ ብብሕታዊ ምድላይ ንኺሳተፉ ዘለዎም ክእለት ከይጥቀሙሉ ከም ዝገብሮም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምትሕልላፍ እምነት ምስ ሓጐስ ወንጌል ዘለዎም ማሕበረሰባትን ግለ ሰባትን ኣብ ምርኻብ እተመርኰሰ ምኹኑ ኣስመሩሉ።

"ስለዚ ቅድስና ህይወት ኵሉ ሳዕ ካብ ግዜ ሓሊፉ፣ ንነፍሲ ወከፍ ባህሊ ዝቐረበ ጽባቐ ክርስትና እዩ ዝኸውን" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ብዛዕባ ጉዳያት ስበክተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሑ ምስጢረ ጥምቀት ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት መልሲ ንምሃብ፣ ነቲ ንትምህርተ ክርስቶስ ዘለዎ ተልእኾ ዳግም ክቕበሎን ብትግሃት ክሰርሓሉን ኣተባብዕዎም።

ሓደስቲ ካቶሊካውያን ኣብ እምነት ናይ መጀመርታ ስጕምትታት ክወስዱ ኸለዉ፣ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዕቤት ንኽገብሩን፣ "ብፍቕርን ሓባራዊ ኣገልግሎትን ዝነብሩ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ርክባት" ቦታ ክህብዎ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ቃለ ምዕዳኖም ደምደሙ።

29 May 2026, 13:51