ድለ

2026.05.22 ር.ሊ.ጳ.፡ ቤተ-ክርስትያን 'ኣብ እደ ጥበብ ትውክልቲ' ክትመልስን ንሰባት ናብ ክርስቶስ ትመርሕን' 2026.05.22 ር.ሊ.ጳ.፡ ቤተ-ክርስትያን 'ኣብ እደ ጥበብ ትውክልቲ' ክትመልስን ንሰባት ናብ ክርስቶስ ትመርሕን'  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፡ ቤተ-ክርስትያን 'ኣብ እደ ጥበብ ትውክልቲ' ክትመልስን ንሰባት ናብ ክርስቶስ ትመርሕን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ግንቦት ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተግባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ንሰባት ናብ ክርስቶስን ናብ "ኣብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ግቡእ ምትእምማን ክህሉን" እናመርሐት ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ንዝቐርብ ናይ ሕንጸት ጻዕርታት ከተባብዑ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ተቕዋም ዮሓንስ መበል 23 ብምትሕብባር ኣብ ዝተኻየደ ክኢላታት ዓውድታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ስነ ትምህርትን ቲዮሎጊያን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን “ምዕቃብ ገጽን ድምጽን ደቂ ሰባት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድሕረ ባይታን መርሕ ቃልን ገይሩ ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ኣማእኪሉ ኣብ ዘተኻየደ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዕለት 22 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ንሰባት ብጥበብ ንኽጥቀሙሉ ኣብ ምምሃር እናሓገዙ፡ ንገስጋስ እደ ጥበባዊ ስነ ኣሃዛዊ ምዓባለ ኣብ ምቕራጽ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ተሳትፎ ደጊፎም፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ድሕነት ንምምጻእ ብኽርስቶስ ዝተመስረተት ምዃና ዘዘኻኽር እዩ - ቢሎም - “እዚ ኩሉ ሰብ ‘ክድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጽእን’ ዝብል ድሌት እምበኣር፡ እዞም መጋበርያታት ሓቀይና ኣገልግሎት ሰብኣውነት ክቐርቡ ምእንቲ፡ ንውሳኔታትናን ተግባራትናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመራኸቢ ብዙሓን፡ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ እደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ብልሕን ዘቕርቦ ኣጠቓቕማን ኣንፈትን’ውን ክሕብር ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ልጓም ዘይብሉ ኣተገባብራ እደ ጥበብ ብዋጋ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ንኣድላይነት ሰብኣዊ ዝምድናታትና ዝምዝምዙ መጋበርያ ናብ ምዃን ከም ዝመርሕ የጠንቅቑ።

ስለዚ ቅዱስነቶም ንቤተ-ክርስትያን ሰባት "ከምቲ ኣምላኽ ዝሓሰቦ ናይ ሓቂ ትርጕምን ዕቤትን ሰብኣውነት" እንደገና ንኽረኽቡ ክትሕግዞም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ወሲኾም ድማ እቲ ንደቂ ሰብ ዘጋጥሞም ብድሆ እደ ጥበባዊ ዘይኰነስ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ ሕመርት ዝበትኽ ብምዃኑ ሰነ ሰብእናዊ እዩ።

ነቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ክርስቶስ ብምስትንታን ገዛእ ርእስና ኣጸቢቕና ከም ዘይንፈልጥ ካብ ልቢ ክርስቶስ ተፈሊና ልብና ኽንርድኦ ኣይንኽእልን፡ ቤተ ክርስቲያንን መራሕታን ምስ ስርዓተ ትምህርቲ ክሰርሑ ብምዕዳም ኣብ መንእሰያት ብነቐፌታዊ ኣገባብ ምሕሳብ ክመሃሩ መታን ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ትምህርቲ ከዕብዩ ዓዲሞም፣ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ሰናይ ሂወት መንእሰያት ኣብ እትደልየሉ እዋን፡ “ኣብ ኣጠቓቕማኡን ምዕሩይነትን ስነ-ስርዓትን” እደ ጥበብ ክንሕግዞም፡ ብፍላይ መንእሰያት ነዚ ሓቂ እዚ ክፉታት እዮም፡ ትርጉም ህይወት ክረኽቡ ድማ ሃረርታ ኣለዎም። ስለዚ ምስቲ ህያው ክርስቶስ ክራኸቡ ክንሕግዞምን ኣጠቓቕማ እደ ጥበብ ኣብ ውሽጢ ኩለንተናዊ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ከወሃሃዱ ክንሓንጾምን ይግባእ።”

ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዕኡ እንህቦ ምላሽን ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ቅዉም ነገር ምዃኑ ብምጥቃስ ንኹሉ ሰብ ናብ ምሉእ ብስለት ክዓቢ ክትሕግዝ ስለ እትጽዕር - ቢሎም - “እዚ ኣስተንትኖታት እዚ ምስ ፈጠራዊ ንድፊ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ፍረ ብልሒ ሰብኣውነት ሰብ ምዃኑ ኣብ እደ ጥበብ ናብ ንቡር ምትእምማን ክመርሕ ተስፋይ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 May 2026, 16:25