ድለ

2026.05.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፥ ኣብ ምስጢረ ሜሮን ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ሓይሊ ይህበና 2026.05.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፥ ኣብ ምስጢረ ሜሮን ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ሓይሊ ይህበና  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፥ ኣብ ምስጢረ ሜሮን ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ሓይሊ ይህበና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ኢጣሊያ ርእሰ ሰበኻታት ጀኖቫ ንዝመጹ መንእሰያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ምስጢረ ሜሮን ምስተቐበሉ ንክርስቶስ ዘለዎም ኒሕን ተወፋይነትን ክዕቅቡ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ካብ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻታት ጀኖቫ ዝመጹ ኣስታት 1000 መንእሰያት ካቶሊካውያን ኣብ ሮማ ንግደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ዕለት 16 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንኽርስቶስ ንምስዓብ ዘለዎም ድሌት ንምትብባዕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እቶም መንእሰያት ነቲ ናይ ፈለምቲ ምስጢራት ዝዛዘምን ነቲ ዝተጠመቐ ብውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝሓትምን ምስጢረ ሜሮም ክቕበሉ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር፡ ሓደ ካብቲ ዓቢ ሓጎስ ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳት፡ ምስራዕ ምስጢረ ሜሮን እዩ። ምኽንያቱ "ብሓቂ ውህበት መንፈስ ቅዱስ" ስለ ዝኾነ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“እዚ ምሥጢር እዚ ምቕባል ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፡ ምኽንያቱ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕቦ፣ ኩሉ ግዜ ንጐይታ “እወ” ክንብል ክእለት ስለ ዝህበና፣ ከምኡ’ውን ብትብዓት ክንስዕቦ ዘይንፈርሕ፣ ኣብታ ብዙሕ ግዜ ካብ ኢየሱስ ኣርሒቓ ክትመርሓና እትደሊ ዓለም እምነት ክንነብር መታን።”

ዝቕጽል ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ፍቕሪ ኣምላኽ ክእውጁ ዝጀመሩ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ተመክሮ ከም እትዝክር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣስተብሂሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ንምስጢረ ሜሮን ዝሰናደው  ምእመን ነቲ ቅዱስ ምስጢር ምስ ተቐበሉ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ተሳታፊ ክኾኑ ዝተጸውዑን “ኣባና ዝነብር መንፈስ ቅዱስ” ክምስክሩ ናብ ፈተውቶምን ቤተሰቦምን ዝለኣኹ ምዃኖም ቅዱስነቶም ኣጒሊሖም፡ ከምቲ ንጳጳሳት ምስጢረ ሜሮን ምስራዕ ዓቢ ሓጎስ ዝፈጥረሎም፡ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ክነብሩን ካብ ሰበኻታቶም ስለ ዝጠፍኡ፡ ብዙሕ ግዜ ጓሂ ከም ዝፈጥረሎም እውን ኣመላኺቶም፡ ስለዚ ካቶሊካውያን መንእሰያት ንህያብ ጽንዓት መንፈስ ቅዱስ ፍሉይ ቆላሕታ ክገብሩ እምነቶም ብሓባር ክነብሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ኣብዚ ግዜ እዚ ዝተሰማዕኩምን ዝነበርክምዎን ተመክሮ ኣይትረስዑ፡ ናብ ሮማ ብምምጻእኩም ሓቢርኩም ክትጽንብሉን ብሓንሳብ ክትጽልዩን ዘፈጠረልኩም ሓጐስ ኣብ ልብኹም ይንበር፡ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይንኩም ድማ ኣብ እምነት ጽንዑ። ናብ ሰበኻታትኩም ምስ ተመለስኩም፡ ኣብ ማሕበረሰባት ምእንቲ ክነብሩ፡ ኣብቲ ዝቐርብ ብዙሕ ንጥፈታትን ዕድላትን ክሳተፉ ዓዲሞም፡ “ንእምነት በይንና ኣይንነብሮን ኢና፡ ብሓባር ኢና እንነብሮ። “እዚ ናይ ዕርክነትን ማሕበረሰብን ዝምድናታት ምፍጣር ድማ ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብጽንዓት ንምንባር ዝሕግዝ መንገዲ እዩ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ጀኖቫ ዝመጹ ብሚስጢረ ሜሮም ዝሰናደዉ ዘለዉ መንእሰያት ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክዕቅብዎን ነዚ ናይ ጸጋ ህሞት ከስተማቕሩ ኣተባቢዖም።

“ነፍስወከፍኩም’ውን ብሓቂ ከም ኣዕሩኽቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ልኡካን ኮይንኩም ክትቅጽሉን ኣብ እምነት ክትጸንዑን ከም እትደልዩ ቃል ኪዳን እዚ ንጐይታ ክትኣትዉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 May 2026, 16:25