ድለ

2026.05.13 Udienza Generale 2026.05.13 Udienza Generale  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ማርያም ከም ኣርኣያን ኣደን ቤተ-ክርስትያን

ኣብ ዕለተ ዝኽረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘፋጢማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተፈጸመ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓስን ጳውሎስ ዳግማዊ ግዳይ ናይ ፈተነ ቅትለት ዝግበረ ኩነት ኣዘኻኸሮም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ንእኖና ቅድስቲ ድግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ፣ ከም ብልጽቲ ኣብነትን ኣደ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ገይሮም ብምቕራብ ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝንበሩ ፖላንዳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘጋጠመ ናይ ፈተነ ቅትለት መጥቃዕቲ፣ ካብ ዝወረዶም ጉድኣት ደሓኑ። ሎሚ ሮቡዕ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ነዚ ፍጻመ እዚ ዘኻኸሩ። ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ መንጐ ሕዝቢ ድማ፣ ኣብቲ ብ1981 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብጥይት እተሃርሙሉ ስፍራ ደው ብምባል፣ ኣብቲ ኣብቲ ስፍራ ንዝኽሮም ኣብ ዝተነብረ ጽላት እምኒ ተምበርኪኾም ጸሎት ኣዕረጉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስፍራ ፈተነ ቅትለት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስፍራ ፈተነ ቅትለት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ   (@Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ፣ ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ብሉጽ ኣብነታዊ መንነትን ኣደነት ሕዝቢ ኣምላኽን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተኮረ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ብዛዕባ ቤተክርስቲያን ዘስተምህር ብርሃን ኣሕዛብ እተሰምየ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምርኩስ ብምግባር ኣስተምሂሮም።

 ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም። ሰናይ ምክትታል

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣

ሎሚ ዕለት 13 ግንቦት ዝኽሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ እዩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ቅድሚ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመታት፣ ኣብዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣብ እዋን ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ግዳይ ፈተነ ቅትለት ዝኾኑሉ ዕለት እዩ ዝነብረ፣ እዚ ፈተነ እዚ ድማ ሳላ ዕቝባ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናብ ሞት ኣየብጽሖምን፣ ንሶም ባዕሎም እውን ብብዙሕ መገድታት ነዚ [ተኣምር] ኣረጋጊጾም ኢዮም። ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ትምህርተ-ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ "ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣርኣያ ቤተ-ክርስትያን ኢያ" ብብዝብል ኣርእስቲ፣ በቲ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኩሉ ናቲኩ ኢዩ" (Totus tuus) ዝብል ጭርሖ ከወፍዮ እደሊ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ዶግማዊ ቅዋም ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ ሰነዱ እውን ንድንግል ማርያም ኪውፊ መረጸ (cf. Lumen gentium 52-69)። ንሳ "ከም ብልጽጥን ንጽልን ኣባል ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ እምነትን ልግስን ከኣ ከም ዓይነታዊት ብልጽቲ ኣርኣያን ከም ምዃና እያ እትፍለጥ" (LG 53)። እዘን ቃላት እዚኣተን፣ ኣብ ማርያም ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ተግባር መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብኣ ነቲ ሥጋ ዝለበሰ ወዲ ኣምላኽ ክትቅበልን ክትወልዶን ዕድል ዝረኸበትን ማርያም፣ ከመይ  ጌርና ነቲ ኣርኣያኣን ምርኡይ ዝኾነ ኣባልነታን ከምኡ ውን ናይ መላእ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ኣደነታን ከነለልዮ ኸም እንኽእል ክንርዳእ ይሕግዘና።

ማርያም በቲ ኣብኣ ዝተፈጸመ ዕዮ ናይ ጸጋ፣ ንገዛእ ርእሳ ክትቀርጽ ብምፍቃዳ ከምኡውን ነቲ ናብኣ ዝመጸ ውህበት ናይቲ ልዑል ዝኾነ ኣምላኽ ብእምነታን ብድንግልናዊ ፍቕራን ብምቕባላ፣ ፍጹም ኣርኣያ ናይቲ መላእ ቤተ-ክርስትያን ክትኮነ እተጸውዓቶ ብልጽቲ ኣብነት እያ፣ ንሳ ናይ ቃል እግዚአብሔር ፍጥርቲ ከምኡ ውን ኣደ ናይ ኵሎም ደቂ ኣምላኽን ኮይና፣ ንተግባር መንፈስ ቅዱስ ብተኣዛዝነት እተወልደት ኢያ። ብተወሳኺ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ቅዱሳን ናይ ህዝቢ ኣምላኽ፣ ንመለኮታዊ ምሥጢር ብዘይ ቅድመ ዅነት ክፉታት ክንከውን፣ ፍጹም ኣብነት እትኾነና ብልጽቲ ኣማኒት ስለ ዝዀነት፣ ማርያም ልዕልቲ ኣባል ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን እያ። ኣብ መወዳእታ በቲ ኣብ ማእከልና ዝነብር ዘለኣለማዊ ፍቍር ዝኾነ ፍቕሪ ክንከውን፣ ኣብ ወልደ ኣምላኽ ስለእትወልደና፣ ንሳ ኣደ መላእ ቤተ-ክርስትያን እያ፣ ኣብኣ ድማ ብተኣማንነት ከም እትስማዓናን፡ ከም እትዕቈበናን፡ ከም እተፍቅረናን ርግጸኛ ክንከውን ንኽእል ኢና።

ብብሉጽ ዝኾነ ኣገላልጻ፣ እዚ ባህርያት ድንግል ማርያም ከም ምስሊ ናይታ ምስጢር ዝዀነት ሰበይቲ ምዃና ብምጥቃስ ክገለጽ ይከኣል እዩ። እታ “ሰበይቲ” እትብል ቃል ታሪኻዊ ሓቅነት ናይዛ ንእሽቶ ጓል እስራኤል እተጕልሕ እያ፣ ንሳ ድማ ኣደ እቲ መሲሕ ብምዃን፣ ፍሉይ ተመክሮ ከተሕልፍ እተዋህበታ መንነታ ኢያ። እቲ “ምስሊ” ዝብል መግለጺ ከአ ኣብቲ ክልተ ዓይነት ተግባራት ምውራድን ምዕራግን ከም ዝፍጸም የጕልሕ፣ ኣብኣ ድማ ክልቲኡ እቲ ጸጋዊ ሕርየት ኣምላኽን ከምኡ ውን እቲ ንሳ ዝገብረቶ ናጻ ፍቓድ ናይ እምነት የንጸባረቕ። ስለዚ ማርያም ምስሊ ናይቲ ምስጢር ማለት፣ እቲ ሓደ እዋን ተሰዊሩ ዝነበረ፣ ሕጂ ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ እተገልጸ መለኮታዊ መደብ ድሕነት መርኣያ ዝዀነት ሰበይቲ እያ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ንድንግል ማርያም ኣብ ዕዮ ድሕነት እተሓዝአ ፍሉይ ቦታ፣ ንጹር ትምህርቲ ገዲፉልና ይርከብ (cf. Lumen gentium 60-62)። እቲ እንኮ ማእከላይን ድሕነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ የዘኻኽር (1ጢሞ 2፡5-6) ከምኡ'ውን እታ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኾነት ወላዲቱ፣ "ንምእመና ምስ ክርስቶስ ኣብ ገጥታዊ ሓድነት ከም እተተባብዕ ደአ እምበር ብዝዀነ ይኹን መገዲ እተተዓናቕፍ ኣይኮነትን” (LG 60)። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ "ብምሥጢረ ሥጋዌ ናይ ቃል፣ ኣደ ኣምላኽን ቅድስቲ ድንግልን ክትከውን ዝወሰነ ዘልዓለማዊ ኣዋጅ መለኮታዊ ፍቓድ፣ ... በዚ ፍሉይ መገዲ ... ብተኣዛዝነት እምነትን ተስፋን ከምኡውን በቲ ነዳዲ ዝኾነ ፍቕሪ ኣብ ዕዮ መድሓኒ ንነፍሳት መልዕልተ-ባህርያዊ ዝኾነ ህይወት ንምርካብ ተሓባበረት። ስለዚ ንሳ ብስርዓተ-ጸጋ ኣዴና እያ" (ibid., 61) ።

ምሥጢረ ቤተክርስትያን ኣብ ድንግል ማርያም እውን ተንጸባሪቑ ኣሎ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብኣ ምሳሌ መበቈሎሙን ኣርኣያኦምን ሃገሮምን ይረኽቡ። ኣብ ኣደ ጐይታ ቤተ-ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሳ ምስጢር እያ ተርእየና፣ እዚ ድማ ኣብኣ ኣርኣያ ናይ ድንግል እምነትን፣ ናይ ኣደነት ፍቕርን፣ ናይ መጻምድቲ ኺዳንን ስለ ዝረኸበት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብቲ ንሳ ናይ ገዛእ ርእሳ ብሉጽ ምስሊ ማለት ነቲ ኽትኮኖ እተጸውኣትሉ ጽውዓ ፍጹም ቅርጺ ስለ እተርእኢ እዩ።

ከም እንዕዘቦ ዘሎና፣ እቲ ብዛዕባ ድንግልም ኣደን ኣብ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) እተገልጸ ሓሳባት፣ ንቤተክርስትያን ከነፍቅርን፣ ፍጻሜ እታ እትመጽእን ምሉእ ብምሉእ ብኽብሪ እትፍጸምን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጣ ኸነገልግልን ይምህረና።

እምበኣር ከስ በቲ ማርያም ድንግልን ኣደን ዝሃበትና ብሉጽ ኣርኣያ፣ ንገዛእ ርእስና ክንምርምር ንፍቀደሉ እሞ፣ ብኣማልድነታ ኣቢልና ነቲ ካባና ዝሓተትናዮ መልሲ ንምሃብ ክትሕግዘና ንለምና፦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎና ተሳትፎ ብትሕትናን ብንጡፍ እምነትን ድየ ዝነብር ዘለኹ? ነቲ ኣምላኽ በቲ ደረት ዘይብሉ ፍቕሩ ንዘቕርበለይ ጸዋዕታ ምላሽ ንምሃብ፣ ዝሃበኒ ኪዳናዊ ማሕበረሰብ እፈልጦ ድየ? ነቶም ብኣምላኽ እተዋህቡኒ ካህናት እእዘዝ ድየ? ህያው ክፍሊ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ድዩ? ንማርያም ከም ኣርኣያ ብልጽቲ ኣባል ቤተ-ክርስትያንን ኣደ ቤተ-ክርስትያንን ገይረ ድየ ዝርእያ? እሙን ወደ መዝሙርን ወዳን ክኸውን ክትሕግዘኒ ድማ እልምና ድየ?

ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን እቲ ኣብ ልዕሊ ማርያም ዝወረደ፣ ብትሕትናን ብምተኣማንነትን ዝመርሓና መንፈስ ቅዱስ፣ ነዚ ዘደንቕ ክውንነት ምሉእ ብምሉእ ክንነብር ጸጋ ይሃብና። ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) ኣዕሚቝና ምስ እነስተንትን፣ ንድንግል ማርያም ነዚ ውህበት እዚ ኽትህበና ንለምና፣ ፍቕሪ ቅድስቲ ኣደ ኣብ ኵላትና ምእንቲ ኽዓቢ ድማ እዩ። ከምኡ ይኹነልና!

13 May 2026, 15:23