ድለ

1779870668039.JPG

ር. ሊ. ጳ.፦ ሊቱርጊያዊ ትውፊትን ተሓድሶን ንስብከተ ወንጌል የደንፍዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ትምህርቲ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝወጸ ጉባእያዊ ቅዋም ካልኣይ ቫቲካን፣ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝገልስ ሰንድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፣ ኣገዳስነት ሊጡርጊያዊ ተሓድሶን ብዛዕባ እቲ ክዕቅቦ ዘለዎ ትርጉም ዘለዎ ትውፊትን የጕሊሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተኻየደ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንሥርዓተ ሊጡርጊያ ምሕዳን ንቐጻሊ ዕቤት ንኽገብር ምፍቓድን፣ ማለት ትውፊት እናዓቀበ ኽነሱ፣ ቤተ-ክርስትያን ክትዓቢ ሓድነት ንኽትረክብን ከምኡውን ተልእኾኣ ንኽትቅጽልን ዘኽእላ ኢዩ፣ ክብሉ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘካፍልዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝወጸ ጉባእያዊ ቅዋም ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝገልጽ “ቅዱስ ጉባኤ” (SC) ዘርእስቱ ሰነድ ኣስተንቲኖም።

“ቅዱስ ጉባኤ”  ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣወጀ ናይ መጀመርታ ሰነድ እዩ ዝነብረ፣ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ድማ ኣገዳሲ ለውጥታትን ተሓድሶን ዘምጽአ ሰነድ ኢዩ፣ ንኣብነት ሥርዓተ ኣምልኾ ብዝተፈላለዩ ቛንቋታት ክግብር ዘፍቀደን፣ ምእመናን ብንጥፈት ኪሳተፉ ዘተባብዕን ሰንድ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ፣ እቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ "ንዘመናት ንስብከተ ወንጌል ዘንቀሳቐስ ሓይሊ እዩ" ብምባል ድማ ኣጕልሑ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

ኣብታ “ማእከላዊ ዘእግዚአብሔር” (Mediator Dei) እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ፣ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፒዮስ መበል 12 ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ፣ "ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ጥርጥር ህያው ዝኾነት ኣካል እያ፣ ከም ኣካል መጠን ድማ ኣብ ቅዱስ ሥርዓተ ኣምኾ ብዝምልከት እውን፣ ትዓቢ ትበስል ትምዕብል ትስልጥን ከምኡ ውን ምስቲ ግዝያዊ ድሌታትን ኵነታትን ድማ ትለማመድ፣ እዚ ኹሉ ግን ምልኣት ሰረተ-እምነታ ምስ እትዕቅብ ጥራይ ኢያ" (ቁ. 59)።

ምሉእ ብምሉእ ምስዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ኣብ መእተዊ ጉባእያዊ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium)፣ "ብፍላይ ተሓድሶን ዕቤትን ሊቱርጊያ ንምክያድ ዜተኣማምን ምኽንያታት" ኣፍልጦ ሂብዎ ይርከብ (ቁ.1)። እቲ ጉባኤ "ንክርስትያናዊ ህይወት ምእመናን እናዓበየ ዝኸይድ ብርታዐ ንምሃብ፣ ምስ ግድነታት ግዜና ብዝሰማማዕ መገዲ ምትዕርራያት ንምግባር ዘኽእል ተቕዋማት፣ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ሓድነት ኬተባብዕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንምምዕባል፣ ንመላእ ደቂ ሰብ ናብ ስድራቤት ቤት ቤተ-ክርስትያን ንምጽዋዕ ዝሕግዝ ዘበለ ንምድልዳል" (ibid) ከም ዝዓለመ እውን ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን እቲ፣ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ንዘመናት ንኣምላኽ ዘኽበረትሉን፣ ንሕዝበ ክርስትያን እትቕድሰሉን ዝነበረት ሥርዓታት ምሕዳስ ኣድላዪ ምዃኑ ሓያል ስምዒት ነበረ። ሳላ ሊጡርጊያዊ ምንቅስቓሳት፣ እቲ ጸኒሑ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተገልጸ፣ "ኣብ መንጎ ተሓድሶ ሥርዓተ ሊጡርጊያን፣ ምላእ ህይወት ቤተ-ክርስትያንን ኣዝዩ ጥብቅን ህያውን ዝኾነ ምትእስሳር ኣሎ። ቤተክርስትያን ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ትዓዪ ጥራይ ዘይኰነትስ፣ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ገዛእ ርእሳ ኢያ እትገልጽ፣ ብሊጡርጊያ ትነብር፣ ካብ ሊጡርጊያ ድማ ንህይወን ብርታዐን ትረክብ" (መልእኽቲ Dominicae Cenae 13)።

ምእመናን ናብቲ ብቅዱስ ሊጡርጊያ ኣቢሉ ዝወሃብ ሃብታም ውህበት ጸጋ ንኽረኽቡ ንምትብባዕ እዚ ጉባእያዊ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤ” (SC) ብኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝኾነ ሓረግ የቕርብ፣ "እዚ ትርጉም ዘለዎ ትውፊት ክዕቀብ ይከኣል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን እዚ መገዲ ንሕጋዊ ዝኾነ ምዕባለታት ክፉት ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ" (SC 23) ብምባል ሓደ መምርሒ ይህብ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ ናይዚ ዕላማ ኣዋጅ እዚ፣ ነቲ "ናይ ተሓድሶ ውጥናት" ኣበው እዚ ጉባኤ፣ "ኣብ መንጎ እቲ ኣቐዲሙ ዝንበረ ዓብዪ ሊጡርጊያዊ ትውፊትን ምስቲ ናይ መጻእን ዘሎ ሚዛን" ኣጸቢቖም ስለ እተረድእዎ፣ "ትውፊትን ምዕብልናን መብዛሕትኡ ግዜ ብመሰረቱ ተጻረቲ ኢዮም"፣ ይኹን እምበር፣ "ብሓቂ ክልቲኡ ሓሳባት ተመላላኢ ኢዩ፣ ትውፊት ህያው ዝኾነ ክውንነት እዩ፣ ስለዚ ድማ ንባዕሉ መሰረታዊ ምዕባለ ናይ ቀጻልነት ዘካተተ ኢዩ። ስለዚ እዚ ፈለግ ናይ ትውፊት፣ ነቲ ምንጩ ብባዕሉ ብምሓዝ ናብ መውጽኢ ግጹ ዝውሕዝ እዩ ከም ምባል እዩ ዝመስል" (ኣብ መበል 50 ዓመት ምምስራት ብጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቴናዩም ዘቅዱስ ኣንሰልም ኣብ እኻየደ ጉባኤ፣ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ብዕለት 6 ግንቦት 2011 ዝቐረበ መደረ)።

እቲ ዋዕላ ንሕጋውነት ናይዚ ምዕባለ እዚ፣ ኣብ ሓቀኛ ትውፊት እተመስረተ ምዃኑ የረጋግጽ፣ ኣብ ውሽጢ ሊቱርጊያ፣ "እቲ ብመለኮታዊ መገዲ እተመስረተ ዘይቀያየር ባእታታት"፣ ካብቲ "ምስ ውሽጣዊ ባህርይ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ተተንኪፉ ወይ ከኣ ንዓዑ ዘይበቅዑ እንተ ዀይኖም፣ ምስ ግዜ ክቕየሩ ንዝኽእሉ ባእታታት" ይፈልዮም ኢዩ (SC, 21)። ምእመናን ኣብቲ መሰረት እምነት ክርስትና ዝዀነ ምስጢር ፋሲካ ፍረ ብዘለዎ መንገዲ ምእንቲ ኺሳተፉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ብቐጻሊ ተገይሩ እዩ። ስለዚ ሥርዓተ ኣምልኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ባህላዊ ቅርጺ ነፍሲ ወከፍ መዋእል "ተመስሪቱ"፣ ጽልዋ ኺገብረሎምን ኪልውጦምን ዝኸኣለ። ስለዚ ሊጡርጊያ ንዘመናት ዝኣክል ንስብከተ ወንጌል ዝድርኽ ሓይሊ ዀይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ሎሚ እዚ ሓይሊ እዚ ምስቲ ሓቅን ህያውን ዝኾነ ትውፊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብቐጻሊ ክሕደስ ኣለዎ፣ እዚ ማለት ከኣ ንኣመንቲ ናብ ምልኣት ሓቂ ንምእታው ተባሂሉ እተዳለወ ገላሲ ብዝኾነ መንብገዲ ብምስምማዕ ኪሕደስ ኣለዎ።

ስለዚ እዞም ኣበው እዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ነዚ ተሓድሶ እዚ "ንሰናይ ቤተ-ክርስትያን ብሓቅን ብርግጽነትን ዝሓተቱ"፣ እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ፣ "ዝዀነ ይኹን ተቐባልነት ዝረኸበ ሓድሽ ኣገባብ፣ ብገለ መገዲ ካብቲ ድሮ ዝነበረ ኣገባብ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ዝማዕበለ ክኸውን ኣለዎ" (SC, 23) ብምባል ኪመሓየሽ ሓሳባቶም ዘካፈሉ። ንረብሓ መላእ ቤተ-ክርስትያን፣ ነፍሲ ወከፍ ተሓድሶ ወትሩ ብጥንቃቐ "ስነ-መለኮታውን፡ ታሪኻውን፡ ጉስነታውን" ምርምር ክግበር ኣለዎ (ibid)። በዚ መገዲ እዚ ሥልጣነ ኣስተምህሮ ናይዚ ጉባኤ እዚ፣ ኣብ መንጎ ምእመናን ምድንጋራት ክውገድ ይሓትት፣ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ጕዳያት ሥርዓተ ሊጡርጊያ፣ ዝዀነ ይኹን ነገር ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ኸይውስኽ ከየጉድል ወይ ከይቅይር የጠንቅቕ (ኤስ. ኤስ. 22)። እቲ ኣብ ጉባእያዊ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤ” እተላዕለ ምዕባለ፣ ንናይ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይለማለምዎን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንምርግጋጽን ንምድንፋዕን ሓድነትን ሕብረትን እዩ ዝጽዕር።

ስለዚ ንዅሎም እቶም ንሥርዓታት መለኮታዊ ምስጢራት ከዳልዉ እተጸውዑ፣ ብፍላይ ከኣ እቶም ናይ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ቅድምና ዘለዎም፣ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ካህናት፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ እዚ ዕቢት እዚ ትሕትና ከርእዩን፣ ንቤተ ክርስትያን ልባዊ ተኣማንነት ብምግላጽ፣ ካብ ውሽጣዊ ግልጽነትን ምትእምማንን ዝምንጩ ጽሑፋትን መምርሒታትን ሥርአተ ሊጡርጊያ ወትሩ ከተደንፍዑ እምሕጸነኩም ኣሎኹ።

27 May 2026, 11:05