ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጕጅለ ኣብ ሮማ ዘይቅመጡ ኣምባሳደራት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቀቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጕጅለ ኣብ ሮማ ዘይቅመጡ ኣምባሳደራት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቀቢሎም   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ንሓደስቲ ኣምባሳደራት 'ምእንቲ ሰላም' ኣበርክቶ ክገብሩ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጕጅለ ኣብ ሮማ ዘይቅመጡ ኣምባሳደራት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም። እቲ ተልእኾኦም ድማ "ዘተ ዘደልድልን፡ ሓባራዊ ምርድዳእ ዘዕምቝን፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ኣድላዪ ኰይኑ ዘሎ ሰላም ኣበርክቶ ዝገብርን ምእንቲ ክኸውን" ሠናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ዝዀነት ትዅን ሃገር ወይ ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ ወይ ዝዀነ ኣህጉራዊ ስርዓት፡ ነቶም ኣብ ሓዲግ ዚነብሩ ሰባት ዕሽሽ እናበለ፡ ዓወታቱ ብሓይሊ ወይ ብብልጽግና ጥራይ ብምልካዕ፡ ንገዛእ ርእሱ ፍትሓውን ሰብኣውን ኢሉ ኺጽውዓ ኣይክእልን ኢዩ። ብሓቂ ከኣ፡ ንድኻታትን፡ ነቶም ከይ ተራእዩ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝነብሩን ንድሕሪት ዝገድፍ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስስዔ ንኽንነጽጎ፡ እቲ ክርስቶስ ንንኣሽቱን ንዝተረስዑን ዘለዎ ፍቕሪ ይግድደና ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓሙስ ንግሆ ኣብ ቫቲካን ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ዝረኸቡ፡ ኣብ ሮማ ዘይቕመጡ ሓደስቲ ኣምባሳደራት፡ ሃገረ ሰራ ልዮን፡ ባንግላደሽ፡ የመን፡ ሩዋንዳ፡ ናሚብያ፡ ማውሪሽየስ፡ ቻድ ከምኡውን ስሪ ላንካ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ከም ሓደስቲ ኣምባሳደራት ወረቐት ስርሖም ኣብ ዘቅረቡሉ እዋን ዝሃብዎ መግለጺ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምሉእ መልእኽቲ ኣንብብ

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና፡ ንመራሕቲ ሃገራቶም ናይ ኣኽብሮት ሰላምታኦም ከመሓላልፉን፡ ንዕኦምን፡ ንዜጋታቶምን ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም መልእኽቶም ከመሓላልፉሎም ሓቲቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መግለጺ እና ሃቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መግለጺ እና ሃቡ   (@Vatican Media)

ራእይ ንዲፕሎማስያዊ ሓድነት

ከምኡ ውን ቅስዱ ኣቦና፡ ቤተ-ክርስትያን ናብ በዓለ ጴራቕሊጦስ ትቐራረበሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ከም ዝወረደን፡ ብቛንቋታት ኵሎም ሕዝብታት ንኽዛረቡ ብምኽኣሎምን፡ ንፍርሂ ናብ ትብዓት፡ ንምክፍፋል ከኣ ናብ ሓድነት ከም ዝቐየረ ብምዝካር፡ ኣብዚ ህሞት እዚ ተቐቢሎም ከዘራርብዎም ብምኽኣሎም ከም ዝተሓጐሱ ገሊጾም።

እቲ "ተመሳሳሊ ናይ ሓድነት ራእይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ሃናጺ ርክብ ብምዕባይ፡ ሓቀይና ግሉጽነትን፡ ሓባራዊ ምክብባርን፡ ሓባራዊ ሓላፍነትን፡ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዲፕሎማሲ ዓለምን ኬለዓዕል ተስፋ እገብር" ኢሎም።

ዘይምርድዳእ ንምውጋድን ምትእምማን ንምምላስን ዘኽእል መፍትሕ

ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ  መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ንኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣካላት  ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ከሐድስዎ ከም ዝደልዩ ገሊጾም።

"ኣብዚ 'ንሰላም ብኣጽዋር ምድላይ ከም ቅድመ ኩነት ናይ ገዛእ ርእስኻ ግዝኣት ንምርግጋጽ ኣብ ዝደልየሉ ዘሎ እዋን' ናብ 'ዝርርብ ዘተባብዕን፡ ሓባራዊ ስምምዕ ዝደሊን' ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ምንጎ ክልቲኡ ወገናትን፡ ዞባውን፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ወገናትን ብህጹጽ ምምላስ ኣድላዪ ኢዩ።"

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘተ “ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ብቕንዕና ብምድላይ” ብዘይ ምድንጋርን ጽልእን፡ ንጹር ክውንነት ዝገልጹ ቃላት ይሓትት።

በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢዩ እቲ ግጉይ ርድኢት ክሰግርን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ርክባት ምትእምማን ክህነጽን ዝኽእል።

ዘተ ናይ ልቢ ለውጢ የድልዮ

ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፡ እሩምን፡ ንጹርን ዘተ ኣድላዪ እኳ እንተ ዀነ "ብዕምቈት ዝተለወጠ ልቢ፡ ማለት ንረብሓታት ናይ ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓታት ንምሕዳግ ፍቓደኛ ምዃን ከሰንዮ" ይግባእ።

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14: ዓወት ብስልጣንን ብልጽግናን ጥራይ ዝልካዕ እንተ ዀይኑ፡ ነቶም ኣብ ዕድላት ዘይረኸቡ ዕሽሽ እናበልካ፡ ዝኾነት ትኹን ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ወይ ኣህጕራዊ ስርዓት፡ ንገዛእ ርእሱ ፍትሓውን ሰብኣውን ኢሉ ኺጽውዓ ከም ዘይክእል ኣጠንቂቖም።

ክርስቶስ በቲ ነቶም ዝተረስዑ ወገናት ዘለዎ ፍቕሪ ገይሩ፡ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝነብሩን፡ ዘይረኣዩ ድኻታትን ዝግልል፡ ኵሉ ዓይነት ስስዔ ኽንነጽጎ ከም ዚጽውዓና ኣጕሊሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደስቲ ኣምባሳደራት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደስቲ ኣምባሳደራት   (@Vatican Media)

ኣህጉራውያን ውድባት ምምሕያሽ

ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም፡ እዚ መንፈስ እዚ፡ ንዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎታት ዘነቓቕሕን፡ ኣህጉራውያን ውድባት ዘደልድልን፡ ንርክባት ማእከላይን ቦታ ንምፍጣር ዝሕግዝን ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣስዒቦም ድማ፡ "እዘን ትካላት እዚኣተን ግጭታት ንምፍታሕ ኣድላዪ መሳርሒታት ኰይነን ኣለዋ።” ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት ንዓለምና ብዝያዳ እና ከፋፈለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብመገድታተን ዝያዳ ብምስራሕ፡ ውጽኢታውን፡ ናብ ሓድነት ሰብኣዊ ስድራቤት ዘተኰረን ኽንገብሮ ኣሎና" ክብሉ ገሊጾም።

ናይ ምትእምማንን ምትሕብባርን ድልድል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣምባሳደራት ስለቲ ዝገበርዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሃገሮምን፡ ቅድስቲ መንበርን"ጠቓሚ ድልድል ምትእምማንን ምትሕብባርን" ምዃኑ ኣጕሊሖም።

"ሓባራዊ ጻዕርታቶም ኣብ ክልቲኡ ወገናትን፡ ብብዙሕነት ዝግበር ተሳትፎን ንምሕዳስ ኣበርክቶ ክገብርን፡ ነቶም ኣብ ሕብረተሰብና ተገሊሎም ዝርከቡ ዝያዳ ኣቓልቦ ንምሃብ ዝሕግዝን ክኸውን፡ በዚ ከኣ ናይ ፍትሕን፡ ሕውነትን፡ ሰለማዊት ዓለምን ንምሕናጽ ድልዱል መሰረት ንኸንብሩ ከም ዝጽልዩ ኣፍሊጦም።

ኣዝዩ ኣድላዪ ሰላም ንምምጻእ ኣበርክቶ ምግባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ሓደስቲ ኣምባሳደራት ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ነቲ ሓድሽ ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ንምሕጋዝ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾምሎም።

"ተልእኾኹም ንዘተ ዘደልድልን፡ ሓባራዊ ርድኢት ዘዕምቝን፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ኣድላዪ ኰይኑ ዘሎ ሰላም ኣበርክቶ ዝገብርን ይኹን" ብምባል ሠናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

22 May 2026, 12:21