ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ዝኾነ ሰብ ክብሪ ካልኦት ምግሃስ መሰል ኣሎኒ ክብል ኣይክእልን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ግንቦት ምስቶም እቲ መላእ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ማእከላይ እስያን ዝርከባ 57 ሃገራት ዝሓቁፍ OSCE - ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ኣብ ዘዳለዎ ካልኣይ ጉባኤ ኣንጻር ዕጸፋርስን ዝተወደበ ገበንን ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ "መዓት ዕጸ ፋርስን" ከምኡውን "ንመጻኢ ሕብረተሰብና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ" ናይ ገበነይናታት መራኸቢታት ንምቅላስ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድስቲ መንበር ስርዓተ ሕግን ምክልኻል ገበንን ገበናዊ ጉዳያት ዝከታተል ቤት ፍርድን ብሓድነት ክዓዩ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ኣካፊሎም፡ እዚ ረቛሒታት እዚ ንሓፈሻዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጉልሑን ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ጕጅለ ስልጣን ወይ ደረጃ ብዘየገድስ ክብረትን መሰላትን ካልኦት ወይ ማሕበረሰቦም ኪጥሕስ መሰል ከም ዘለዎ ኪዛረብ ኣይክእልን እዩ - ቢሎም - ሰበ-ስልጣን ሕግን ዝሰፍሐ ሕብረተሰብን ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር ገበናዊ ንጥፈታት ንምክልኻል ክጽዕሩ ከም ዘለዎም ገሊጾም። እቲ ሕጊ - ናይ ውልቀ-ሰባት ፍቓአይና ድሌት ዘይኮነ - ልኡላዊ ኮይኑ እንተዘይቀጺሉ ዝኾነ ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክጻወር ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ስልጣን ወይ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ክብርን መሰልን ካልኦት ወይ ናይ ማሕበረሰቦም ክግህስ መሰል ኣለዎ ክብል ፈጺሙ ኣይክእልን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡
ኣኽበርቲ ሕግን ሰፊሕ ሕብረተሰብን፡ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት እናኽበሩ ገበናዊ ንጥፈታት ንምክልኻል ክሰርሑ ከምዘለዎም ወሲኾም ብምዝኽኻር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፡ ፍትሒ ገበነይናታት ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሶም ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእል ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ፍትሒ ዝጠልቦ እውን እዩ፡ ፍትሒ ጽንዓትን ምሕረትን ስለ ዝሓትት ናይ ሓቂ ፍትሒ ብመቕጻዕቲ ጥራይ ክዓግብ ከም ዘይክእል ኣዘኻኺሮም፡ "ተመሳሳሊ ኣኽብሮት ንባህርያዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ እንኮላይ እቶም ገበን ዝፈጸሙ፡ ንሞት ፍርዲ፡ ስቅያት፡ ከምኡ'ውን ኩሉ ዓይነት ጨካን ወይ ዘዋርድ መቕጻዕቲ ንኸይጥቀሙ ዝኽልክል'ዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወልፊ ንዝወድቁ ሰባት ንምሕጋዝ ኩለመዳያዊ መደባት ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ድማ ሕክምናዊ ክንክን፣ ስነ - ኣእምሮኣዊ ደገፍን ምሕዋይን ይህቦም። ኣስዕብ ኣቢም እቶም ቀደም ውሉፋት ዝነበሩ ሰባት ካብ ጭቈና ዝመልኦ ስጕምትታትን መፍትሒታትን ዝርሕቕ ብዙሕ ስነ - ስርዓት ዘለዎ ኣቀራርባ ብምጥቃም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብረት ከም ብሓድሽ ኪረኽብዎ ይኽእሉ እዮም - ቢሎም - ትምህርቲ ንቘልዑ ሓሽሽ ዜምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ንኺፈልጡ ኸም ዚሕግዞም እውን ኣስተብሂሎም፡ "ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዚ ሓደጋታት እዚ ቐሊል ዝገብሮ ሓደገይና ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ዝዝርግሓሉ እዋን ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ክጅምርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክድልድልን ኣለዎ። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ሓሽሽ ኣብ ሓንጎል ኣካላት ብሕታዊ ኣካይዳ ከምኡውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ማሕበረሰብ ዘስዕቦ ጐዳኢ ሳዕቤን ቅኑዕ ስነ - ፍልጠታዊ ግንዛበ ከመሓላልፍ ኣለዎ እንክብሉ ኣብሪሆም እተወደበ ገበን ምክልኻልን ምቅላስን ድሕንነትን ፍትሓውን ርጉእን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣገዳሲ መዳይ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዕዮ ኣኽበርቲ ሕግን ደያኑን ብምንኣድ፣ ነቶም ብምኽንያት ሓላፍነቶም ህይወቶም መስዋእቲ ዝገበሩ ወይ መጉዳእቲ ዝወረዶም ሰባት ድማ ዘኪሮም፡ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ትካላት ቤተ ክርስቲያንን ምስ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ነቶም ብወልፍታት ዝሳቐዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ጻዕርታት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ብሓባር ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ሓባራዊ ሓላፍነትን ብምዃን ንሓባራዊ ጥቕምን ዘይገሃስ ክብረትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓቂ ዘገልግል ስርዓታት ከነስፋሕፍሕ ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
