ድለ

2026.05.11 ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቫቲካን ትዕዝብቲ ህዋ፦ ቤተ-ክርስትያን ንኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ንምርካብ ስነ-ፍልጠት ትቕበል 2026.05.11 ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቫቲካን ትዕዝብቲ ህዋ፦ ቤተ-ክርስትያን ንኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ንምርካብ ስነ-ፍልጠት ትቕበል  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ቤተ-ክርስትያን ንኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ንምርካብ ስነ-ፍልጠት ትቕበል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ትካል መካነ ትዕዝብቲ ህዋ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብጽኑዕን ቅኑዕን ስነ - ፍልጠት ኣቢላ ንኣምላኽ ኣብ ፍጥረቱ ክትደልዮ ዘለዋ ድሌት ኣበርቲዖም ብምጒላሕ ደገፎም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰኑይ ዕለት 11 ግንቦት ምስ ኣካላት ኣካየድቲ ዕዮ ናይ ቫቲካን መካነ ትዕዝብቲ ህዋ ትካል ተራኺቦም ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ኣብ 1891 ስነ - ፍልጠት ተቐናቐንቲ ዘይኮኑስ ከም ምንጪ ሓቂ ሃይማኖት ኰይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ እዋን ንናይ ሃገረ ቫቲካን መካነ ትዕዝብቲ ህዋ ከም ብሓድሽ ከም ዝመስረትዎ ዘኪሮም፡ እቶም ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ-ክርስትያንን ጓሶትን ኵሉ ሰብ ብንጹር ምእንቲ ኺግንዘብ" ንሓቅን ጽኑዕን ስነ-ፍልጠት ሰብኣውን መለኮታዊ ስነ-ፍልጠት ከም ዘይጻረሩን የግዳስ ብዓብዪ ወፈያ ከም ዚቕበሉን ኬተባብዕዎን ከስፍሕዎን ከም ዘተሓሳሰቡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ መደረኦም ብምዝኽካር፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ግዜና እምነትን ስነ-ፍልጠትን ካብቶም ንህላወ ጭቡጥ ሓቂ ዚኽሕዱ ሰባት ዝያዳ ስዉር ስግኣት ከም ዘጋጥሞም ገሊጾም፡ "ኣብ ዓለምና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነቲ ስነ-ፍልጠትን ቤተ-ክርስትያንን ብንጹር ዚምህርዎ ኣፍልጦ ምሃብ ኣይደልዩን እዮም፣ ንድሕንነት እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሸለልትነት ኣብ ልዕሊ ሰባትን ተፈጥሮኣዊ ዓለምን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እዩ - ቢሎም - ቤተ-ክርስትያን ንሰማይ ብስነ - ከዋኽብቲ ከተጽንዕ ዘለዋ ባህጊ "ጽኑዕን ሓቀይናን ስነ - ፍልጠት" ከም ኣገዳሲ መዳይ መንነታ ኸም እትቕበል ዘርእይ እዩ። ደቂ ሰብ ንጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ብዜደንቕ መገዲ ክጥምቱ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት የስተማቕሩ እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንሰማይ ለይቲ ክንጥምት እንኮለና፡ ንሃብታማትን ድኻታትን ክፉት ዝኾነ መዝገብ ጽባቐ ነስተማቕር፡ እዚ መዝገብ እዚ ድማ ኣብታ እተኸፋፈለት ዓለምና ሓደ ኻብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ሓቂ ኣድማሳዊ ምንጪ ሓጐስ ምዃኑ ገሊጾም፡ "ንሰማያት ምስትንታን ፍርሃትናን ጕድለታትናን ኣብ ብርሃን ዓብዪ ኣምላኽ ክንርኢ ይዕድመና። ንሰማያት ምሕሳብ፡ ፍርሕናን ውድቀትናን ብመንጽር ዕብየት ኣምላኽ ክንርእዮ ይዕድመና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሰብ ዝሰርሖ ብርሃን ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት ዘቐመጦ መብራህቲ ከይንርእይ ኣዕዊሩና ይኸውን፡ እዚ ድማ ንስራሕ መካነ ትዕዝብቲ ህዋ ቫቲካን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ይገብሮ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ቫቲካን ትካል መካነ ትዕዝብቲ ህይዋ ዕዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንተመሃሮ ኣብ ናይ ክረምቲ እዋን ዘቕርቦ መደብ ሕንጸትን ዓውደ መጽናዕትን ኣቢሎም ስነ - ከዋኽብቲ ንኼጽንዑ ኸም ዚሕግዞም ኣስተብሂሎም፡ በዚ ኸምዚ እቲ ትካል ነቲ ናይ ቫቲካን መካነ ትዕዝብቲ "ክብሪ ፍጥረት ኣምላኽ ብኣኽብሮትን ዕምቈትን ሓጐስን ዚርከበሉ ቦታታት" ኰይኑ ንኺቕጽል የኽእሎ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣምላኽ ብፍጥረቱ ኣቢሉ ርእሱ ስለ ዝገለጸን ነቲ ሓደ ወዱ ንኺብጀዎ ስለ ዝለኣኾን፡ ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ትስብእቲ እተመስረተ ምዃኑ ፈጺሞም ከይርስዑ ተማሕጺኖም፦ "ንፍጥረት ምሉእ ብምሉእ ንምርዳኡ ዘሎና ጥሜት ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ህድኣት ዘይብሉ ናፍቖት ኣምላኽ ጥራይ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 May 2026, 16:21