ድለ

2026.05.18 ር.ሊ.ጳ. ማሕበረሰብ ምስፋሕ ካቶሊካዊ እምነት ንክርስቶስ ናብ ርሑቕ ማሕበረሰባት ስለ ዘብጽሑ ይንእዱ 2026.05.18 ር.ሊ.ጳ. ማሕበረሰብ ምስፋሕ ካቶሊካዊ እምነት ንክርስቶስ ናብ ርሑቕ ማሕበረሰባት ስለ ዘብጽሑ ይንእዱ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ማሕበረሰብ ምስፋሕ ካቶሊካዊ እምነት ንክርስቶስ ናብ ርሑቕ ማሕበረሰባት ስለ ዘብጽሑ ይንእዱ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሓደርቲ ማሕበረሰብ ንምስፋሕ ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ኣመሪካን ኩባን ፖርቶሪኮን ንዝርከቡ ድኻታት ካቶሊካዊ ማሕበረሰባት ንልዕሊ ሓደ ዘመን ንዘቕርቦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ዕለት 18  ግንቦት ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሓደርቲ ማሕበረሰብ ንምስፋሕ ካቶሊካዊ እምነትን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ሮማ ዘካይድዎ ንግደትን ጸሎቶምን ኣብ ካቶሊካዊ እምነቶምን መንፍሳውነቶምን ከዕምቖምን ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘለዎም ርክብ ከሐይልን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ “እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብፍላይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብ ብምዃንኩም ንዓኹም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ እምነት ቀዳሞት ክርስትያን ዝተደፋፍአ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብዛዕባ ግብሪ ሓዋርያት ከስተንትኑ እንከለዉ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ደልዲሎም፡ ከመይ ጌሮም ንክርስቶስ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ህዝብታት” ክእውጁ ከም ዝጀመሩን፡ ኣብ ሕውነትን ጸሎትን ቅዱስ ቁርባንን ሱር ዝሰደደ ማሕበረሰባት ከም ዝፈጠሩ ዘኪሮም፡ ቅድሚ ንልዕሊ 120 ዓመት ብኣባ ፍራንሲስ ክሌመንት ኬሊ ወንጌላዊ ልኡክነት መንፈስ ዝተነቓቐሐ፡ እምነትን ምስጢራትን ደገፍን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ናብ ዝተነጸሉ ማሕበረሰባት ኣመሪካ ኣብ ምቕራብ ዝህቦ ኣገልግሎት ከም ዝነኣዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ኣብ 1905 ብኣባ ፍራንሲስ ክሌመንት ኬሊ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ንምስፋሕ ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ኣሜሪካ ድኻታትን ርሑቕ ከባቢታትን ንዝነብሩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ብንዋታውን መንፍሳውን መዳይ ንምድጋፍ ዝተመስረተት ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ትካል ኣብተን ትሑት ኣገልግሎት ዝረኽባ ሰበኻታት ንዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፡ ኣብያተ ትምህርትን መደባት ጉስነትን ዝምውልን፡ ኣብ ከም በዓል ኩባን ፖርቶሪኮን ዝኣመሰሉ ቦታታት ንዝግበር ኣገልግሎት ወንጌላውነት እውን ከም ዝድግፍን። ናብ ደረጃ ጳጳሳዊ ማሕበር ልዕል ቢሉ ኣብ ምሕያል ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን መብዛሕትኡ ግዜ ጸጋታትን ጉስነታዊ ደገፍን ብዝጎድሎም ማሕበረሰባት ኣብ ኵለ መዳያዊ ኣገልግሎት ምስናይ ትኹረት ብምግባር ይቕጽል ምህላዉ ኣመላኺቱ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ “እቲ ናይ ወንጌላውነት ኒሕ ሎሚ እውን የድሊ እዩ። እቲ ማሕበር ኣብ ኣመሪካን ወጻእን ንዝርከቡ ድኻታት ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ንዝገበሮ ቀጻሊ ተወፋይነት ከም ዘመስገኑ ይሕብር።

ንኩባ፡ ፖርቶሪኮን ስደተይናታትን ኣባይቲ ስድራን ምግልጋል

ነቲ ትካል ኣብ ኩባን ፖርቶሪኮን ዘሳልጦ ዕዮ ብፍሉይ ንኢዶም፡ ነዞም ማሕበረሰባት ዝገብርዎ ደገፍ “ጽቡቕ መግለጺ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ብምግላጽ፡ ‘Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ’  ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፡ “ንብጻይና ምፍቃር ንሓቅነት ናይቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዝጭበጥ መርትዖ ምዃኑ” ኣዘኻኺሮም። እቲ ማሕበር ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ድኻታትን ስደተይናታት ኣባይቲ ስድራን ንዝገብሮ ምብጻሕን ንዘቕርቦ ቅርበትን ኣተባቢዖም፣ “ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ሓደ ብህላወ ክርስቶስ ዝተለለየ ማሕበረሰባዊ ሓልዮት ክረኽቡ ግድን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ መለለዪ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብዛዕባ ምስክርነት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ደጊሞም ብምስትንታን፡ ሓቀይና ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ብተፈጥሮኦም ነቶም ዝሳቐዩን ኣዝዮም ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝርከቡን ብኸመይ ከም ዝከናኸኑ ኣስሚሮም፡ “ፍቕሪ ንድኻታት እምበኣር ከም ወንጌላዊ መለለዪ ናይ ሓንቲ ንልቢ እግዚኣብሔር እምንቲ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ተልእኾ እቲ ማሕበረሰብ ካብ ንዋታዊ ጸገማት ምላሽ ምሃብ ዝሓልፍ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ንጡፋት ማሕበረሰባት እምነት ንምህናጽ ብምሕጋዝ፡ ሰባት ንብድሆታት ህይወት ብተስፋ ንምግጣም ዘድሊ ደገፍን መንፈሳዊ ሓይልን ዘቕርብ እንክብሉ ገሊጾም፡ ንመጻኢ ጸዋዕታ ክህነትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን እውን ልሙዕ መሬት ኮይኑ፡ ‘ኣብ ግራት ኣምላኽ ዝዋፈሩ ዝሕብሕብ” እውን ምዃኑ ይገልጹ።

ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ኣገልግልዎ

ቅዱስነቶም መደረኦም ነቶም ኣብቲ ርክብ ንሓበሩ “ብፍቕሪ እግዚኣብሔርን ብጻይን” ተደሪኾም ንጐይታ ኣብ ምግልጋል “ብሓጐስን ልግስን” ክጸንዑ ኣተባቢዖም፣ “ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦ ጻማኹም ድማ ክህበኩም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 May 2026, 16:37