ድለ

2026.05.19 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ቫቲካን ማእከል ትዕዝብቲ ስነ ከዋኽብቲ ዑደት ኣካይዶም 2026.05.19 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ቫቲካን ማእከል ትዕዝብቲ ስነ ከዋኽብቲ ዑደት ኣካይዶም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ቫቲካን ማእከል ትዕዝብቲ ስነ ከዋኽብቲ ዑደት ኣካይዶም

ዕለት 19 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ናይ ቫቲካን ማእከል ትዕዝብቲ ስነ ከዋክብቲ - ህዋ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ኣብቲ ማእከል ስነ ምርምር ዝሰርሑ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን ተመራመርትን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 19 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሮማ ወጻኢ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ማእከል ትዕዝብቲ ስነ ከዋኽብት - ህዋ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ኣብቲ ማእከል ስነ ምርምር ዝሰርሑ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን ተመራመርትን ከምተራከኸቡን ቅዱስነቶም ኣብቲ ማእከል ስነ ምርምር ምስ በጽሑ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣደ መንበር እናቴ ራፋኤላ ፐትሪኒን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍቲ ጳጳስ ኤሚሊዮ ናፓን ጁዜፐ ፑሊየሲ ኣሊብራንዲን ናይቲ ማእከል ስነ ምርምር ስነ ከዋኽብቲ ዋና ሃላፊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሪቻርድ ኣንቶኒ ዲሶዛን ናይቲ ማእከል ነበር ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ሓው ጉይ ኮንሶላይኖ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብቲ እቲ ማእከል ስነ ምርምር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጽሎት ምስቶም ናይቲ ስነ ምርምር ማእከል ሓላፍትን ኣባላትን ብሓባር ከም ዝጸለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ቫቲካን ማእከል ትዕዝብቲ ስነ ከዋኽብቲ ዑደት ኣካይዶም
21 May 2026, 15:28