ካርዲናል ኩቫካድ፦ ሕውነት ጭቡጥ ክውንነት ኢዩ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ዘተን ምርድዳእን፡ ተመክሮታት ምልውዋጥን፡ ናብ ሓደ ሸቶ ምስጓምን፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ማእሰር ሕውነት ምህናጽን ምድልዳልን ማለት እዩ።
ካብ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ ጀሚሩ ሎሚ ዕለት 24 ሰነ እውን ዝቕጽል ዘሎ፡ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ቆማስ ዘኣኵኖ፡ “ቡድሂስትን፡ ክርስትያንን፡ ሂንዱን፡ ጃይንን፡ ሲክን ኣብ ኣውሮጳ፡ ብዘተን፡ ብምትሕብባርን ሕውነት ምህናጽ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣኼባ ይካየድ ኣሎ።
ሓደ ኻብቶም ኣዳለውቲ እቲ ተበግሶ፡ ብዛዕባ ርክባት ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበር ህየንተ ዝኾኑ፡ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ያዕቆብ ኩቫካድ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረብዎ ሰላምታ፡ "ሕውነት ዝብል ኣምር መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘይጭበጥ ሓሳብ ኢዩ ዝቝጸር" ብፍላይ ከኣ "ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ብዝፍጸም ገበናትን፡ ውግኣትን፡ ዓመጽን ግጭታትን፡ ምክፍፋልን፡ ኣድልዎን፡ ጽልእን፡ ሕውነት ኣጸቢቑ ትሑት ግምት ከም ዝወሃቦ” ገሊጾም።
ብፁዕ ካርዲናል ኩቫካድ፡ ነቲ መበል 40 ዓመት ዝኽሪ እቲ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1986 ዝተጸውዐ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላምን፡ ንመበል 800 ዓመት ሞት ቅዱስ ፍራንቸስኮ “ሓዋርያ ኣድማሳዊ ሕውነት” ዝተሰምየን፡ ነታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት እትገልጽ አኀው ኵልነ እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ መንቀሊ ንዝኾነን ኣዘኻኺሮም።
ድልድላት ምህናጽ
ካርዲናል ኩቫካድ ብዛዕባ እቲ "ብዘተን ምትሕብባርን" ኣብ መንጎ ኣመንትን፡ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ድልድል ምህናጽ ዝብል ሓሳብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ኣስተንቲኖም።
ከም ሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሕውነት ማለት "ንባህልታትን፡ ተነቃፊነትን፡ ልምድታትን ናብ ሓባራዊ ዕብየት ዝቕይር፡ ካብ ግጭትን፡ ፍልልያትን፡ ውጥረትን ዝሓየለ ሕያው ክውንነት" ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ንረብሓ ሓባራዊ ረብሓ ምዕያይ
ብፁዕ ካርዲናል ኩቫካድ፡ ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ዚነብሩን መንበሪኦም ዝገበሩን "ባህላውን፡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ብዙሕነት፡ ሰብኣዊ ሃብቲ ደኣ እምበር ስግኣት ከም ዘይኰነ ብምእማን" ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ኪዓዩ ተማሕጸኖም።
ቀጺሎም ብፁዕ ካርዲናል ኩቫካድ “ንሕና ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘለና ሰባት ተራኺብና፡ ብዛዕባ ዘለና ፍሉይነትን፡ ልምድታትን፡ ሃይማኖትን ንሓድሕድና ብምኽባር ብዝተዘራረብናሉ መጠን፡ ኣብ ሕውነታዊ ፍቕርን፡ ሓባራዊ ኣኽብሮትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንረብሓ ኵሎም ኣባላት ሕብረተሰብ ብሓባር ንምዕያይን፡ ኣበርክቶ ንኽንገብር ዘሎና ተወፋይነትን ብመጠኑ እናዓበየ ከምዝኸይድ” ገሊጾም።
ሰላም ንምድንፋዕ
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ኩቫካድ ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምድጋም፡ “ብዘተን፡ ምትሕብባርን፡ ማሕበራዊ ዕርክነትን ኣቢልካ፡ ሰላምን፡ ፍትሕን ፡ሰብኣዊ ሕውነትን ንምክልኻልን፡ ንምድንፋዕን” ኵሎም ክሓብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
እዚ ረቛሒታት እዚ "ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዝተኸፋፈለትን፡ ዝተገለለትን ኰይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኣብ ግዜና ሰብኣዊ ሕውነት ንምህናጽ መሰረታዊ ረቛሒታት" ምዃኑ ኣጕሊሖም።
ብፁዕ ካርዲናል ኩቫካድ፡ እዚ ናይ ምስትንታንን፡ ሓሳባት ናይ ምልውዋጥን መዓልትታት፡ ንተሳተፍቲ “ኣብ ኣኽብሮትን፡ ሕውነት፡ ሓድነትን፡ ምትእምማንን ዝተመስረተ ሓባራዊ ርክብ ንምድልዳል መገድታትን፡ መሳርሒታትን ንክረኽቡ" ክሕግዞም ተስፋ ከም ዝገበሩ ገሊጾም።
