ድለ

ጉባኤ ካርዲናላት፡ 178 ካርዲናላት ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ጉባኤ ካርዲናላት፡ 178 ካርዲናላት ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን   (@Vatican Media)

ጉባኤ ካርዲናላት፡ 178 ካርዲናላት ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን

ቀዳማይ ውዕሎ ዕለት 26 ሰነ ዝተኻየደ ናይቲ ክሳዕ ዕለት 27 ሰነ ዝቕጽል ብርእሰ ብር.ሊ.ጳ. ልዮም መበል 14 ዝተጸወዐ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት 178 ካርዲናላት ዘራኸበ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን መንፈሳውን ብድሆታት ኣስተንቲኖም፡ ቤተ ክርስቲያን ሕብረትን ሰላምን ተስፋን ንምዕባይ ዘለዋ ተልእኾ ደጊሙ ዘረጋገጸ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓርቢ ዕለት 26 ሰነ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብቲ ክሳዕ ዕለት 27 ሰነ ዝቕጽል ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝተጸወዐ ፍሉይ ኣኼባ ጉባኤ ካርዲናላት ብድምር 178 ካርዲናላት ከም እተሳተፉን፡ እቶም ካርዲናላት ሰዓት 09፡30 ናይ ንግሆ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓቢሮም፡ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ብምኻድ ቀዳማይ ውዕሎ ጉባኤ ካርዲናላት ብጉጅለ ተመዳዲቦም ናይ ክቢ ጠረጴዛ ናይ ዕዮ ዘተ ከም ዘካየዱን እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሸሞንተ ጕጅለታት ተወዲቦም ዘካየድዎ ናይ ዕዮ ዘተ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ነቲ ናይ መጀመርታ ኦ ፈጣሬ ዓለም ነዓ ዝብል ጸሎት ምስ ቀረበ ዝተኻየደ ውዕሎ ዘወሃሃዱ ድማ ካርዲናል ሉዊስ ኾሴሩዳ ኣፓሪሲዮ ከም ዝነበሩን ቅድሚ እዚ ውዕሎ እዚ ብመልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምጋሱ ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ቃል ሰላምታ ከቕርቡ ድማ ከም ዝዓደምዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ሪሽ ዘቕረብዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣስተንትኖ

ኣብ መደምደምታ መደረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሩኤዳ ኣፓሪስዮ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣገልግሎቶም ካርዲናላት ክድግፍዎም ዘቕረብዎ ሕቶ ኣስሚሮ እዚ ድማ እምነቶምን ሓጎሶም ምኻኑ ብምምልከት ንኽሕግዝዎም ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም እቲ ቀዳማይ ዋዕላ "ኣብ ከመይ ዝበለት ዓለም ኢና ወንጌል ክንእውጅ ዝተጸዋዕና?" ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩ እውን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም ፖላንዳዊ ካርዲናል፡ እቲ ጉጅለ ብዛዕባ "ኣብ ናይ ሎሚ ህዝብታትን ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባትን ብቐጻሊ ዝረአ ዘሎ መከራን ወጥሪን ሕቶታትን" ከምኡ'ውን "ምልክታት ተስፋ፡ ተኣማንነት ንወንጌልን ክኸውን ዝኽእል ዕርቅን" ናብቲ ናይ ሓባር መመያ ክኣቱ ከም ዘለዎ የስተብህሉ።

ናይ ጉጅለ ዘተ

ድሕሪ ናይ ኣስንትኖን ጽምዋን ጸሎት፡ እቶም ካርዲናላት ኣብ በብጉጅለኦም ተኣኪቦም ኣስተንትኖኦም ከም እተኻፈሉን ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ቅድሚ ኣብ ምሉእ ኣኼባ ሰዓት 12፡10 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ቕድሚ ምእካቡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓጺር ዕረፍቲ ዚግበረሉ ግዜ ወሲኑ ካብ ሸሞንተ ጕጅለታት ቀዳማይ ክፍልን ኣርባዕተ ጕጅለታት ካልኣይን ጸሓፍቲ ብዛዕባ ዘካየድዎ ዘተ ጸብጻብ ከም ዘቕረቡን፡ ኣብ ኩሎም ጕጅለታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓሚቝ ማሕበራዊ ለውጢ ዝነብሩ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሕልፍዎ ስቓይ ዓሚቝ ፍልጠት ከም ዘሎን። ካብቶም ቀንዲ ስክፍታታት መልሲ ናይቲ ቀዳማይ ሕቶ ዝተለለዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባትን ማሕበረሰባትን ምውሳኽ ውልትውና፡ ፖለቲካዊ ወጥሪን ዓመጽን ምፍጣርን ብማሕበራዊ ምግምማዕን፡ ግጉይ ሓበሬታን ርክብ ከዕብዩ ዘይክእሉ መልክዓት ርክብን ዝጎሃህሩ እዮም። ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ውልትውና ንምምሕዳርን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ዝያዳ ኣጸጋሚ ክገብሮ እንከሎ፡ ዓመጽ ድማ ከም መጋበርያ ምፍታሕ ዘይምርድዳእ ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን፡ ናብ ውልቃዊ ተጻብኦ፡ ምጥቃዕ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ናብ ውግኣትን ግጭታትን ከም ዘምርሕ ተሳተፍቲ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሓያሎ ጉጅለታት’ውን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ንውሑዳት ሃይማኖታትን ብሄራትን ኣኽብሮት ዘይምህላዉ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብምድኻምን ጽልኢ ብምፍጣርን፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዓመጽ ምፍጻም ዘስዕቦ መከራ ኣጉሊሖም። ገለ ጉጅለታት እውን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ ጸረ - ሴማውነት ከም ዘጒልሑን፡ ብዙሓት ጉጅለታት፡ ብዛዕባ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሰፍሕ ዘሎ ውልቃውነት፡ ቅልውላው ስድራ ቤት፡ ከምኡ’ውን ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘጋጥሞም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽምዋ ከም ዘስተንተኑን፡ እዚኦም ድማ ንዝዓበየ ጸገም ኣበርክቶ ዝገብሩ ረቛሒታት ምዃኖም ኣለልዮም፡ እንኮላይ ምውሳኽ መጠን ነብሰ ቅትለትን ኣጠቓቕማ ዕጸ ፋርስን። ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ኣብ ዘሎ ቁጠባውን ገንዘባውን ቅልውላዋትን ጸገማትን መንእሰያት ዘጋጥሞም ብድሆታት እውን ብዙሕ ኣቓልቦ ከም እትወሃበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ውድባት ገበን መንእሰያትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን እውን ዝተኣሳሰር ሰፊሕ ስምዒት ዘይምትእምማን፡ ጽሕፍቶነትን ሓይሊ ኣልቦነትን ዝብሉ ጉዳያት እውን ኣስተብሂሎም። ሓያሎ ጉጅለታት ተራ ዓለማውነት ምጥፋእ ሰገርነትን መንፈሳውን ክብርታት፡ ከምኡ’ውን እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ስምዒት ትርጉም ህይወት፡ ምስቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኻምን ሓባራዊ ርድኢት ሓቂ ዘይምህላውን ፡ ነቲ ካልእ ንምልላይን ዘድሊ ሓቀይና ዝምድናታት ንምህናጽን ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ምዃኑ እውን ከም ዘስመሩሉን፡ ተሳተፍቲ ብተወሳኺ ስደት ብሰብኣውን ክርስትያናውን መንገዲ ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም ብምምልካት፣ ንህዝብታትን ሕብረተሰብን ማሕበረሰባትን ብኸመይ ከም ዝቕይር ድማ ኣፍልጦ ብምሃብ ውጽኢታዊ ናይ ውሁድ መምርሕታት ኣብ መንጎ ሓደስቲ ኣገባባት ምፍልላይ ህጹጽ ከም ዝገብሮ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ ስነ ምህዳራዊ ቅልውላው ብልሽውናን ጸገማት ህይወትን እውን ከም እተመያየጡ የመላኽት።

ቤተ ክርስቲያን ከም ተቐባሊት ኣደ

ነዚ ክውንነታት ኣብ ምግጣም ኵሎም ጕጅለታት ቤተ - ክርስትያን ንገዛእ ርእሳ ከም ኣደ፡ ተቐባሊት ቤትን ብምሕዳስ ናይ ቍምስና ህይወት ከተቕርብ ከም ዘለዋ ኣጕሊሖም። ቤተ-ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሳ ጕድለታት ኣፍልጦ ክትህብን ስቓይ ናይ ዕቤት ኣጋጣሚ ክኸውን ክትሕግዝን ደቂ ሰብ ሓንቲ ስድራቤት ምዃና ንዓለም ከተዘኻኽርን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉን፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተዋህበ ሓላፍነት እውን ሓያል ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ብዙሓት ጕጅለታት ብዙሓት ትካላት ናይ ምትእምማን ቅልውላው የጋጥም ምህላዉ ብምስትውዓል፡ ቤተ - ክርስትያን ንሰብኣዊ ክብረትን ሰላምን ዕርቅን ሓባራዊ ረብሓን ንምጥባቕ ብስልጣን ክትዛረብ ተጸዊዓ ከም ዘላ ኣስተብሂሎም’ ብፍላይ ምስቶም ዚሳቐዩ ሰባት ኣብ እትቀራረበሉ እዋን ቤተ - ክርስትያን ብዙሓት ካልኦት ትካላት ዘጥፍአኦ ምትእምማን ትረክብ እያ።

ተሳተፍቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓቀይና ዝምድናታትን ርክባትን ክኢላ ምዃና፡ ንዓለም ብድንጋጸ ብርህራሀ ምዃናን፡ ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ጽምኢ ወንጌል እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን ብቐረባን ምትሕግጋዝን ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ ክሕግዙ ከምዝኽእሉን ኣመልኪቶም። ሲኖዳውነት ንቤተ ክርስቲያን ይኹን ንደቂ ሰባት መልሲ ናይ ሎሚ ብድሆታት ኣብ ምድላይ ዝሕግዝ መንገዲ ምዃኑ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡ ምግባረ ሰናይን ምትሕግጋዝን ብለጋሳት ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝቐርብ ሓቀይና ምስክርነት ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ስደተይናታት ከኣ ነቶም ዝቕበልዎ ማሕበረሰባት ከም በረኸት ምዃኖም ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እቶም ተሳተፍቲ ከም ዝገለጽዎ ቤተ - ክርስትያን ንሰላምን ንዅላቶም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እምነት ንምእታውን ትዓዪ ከም ዘላ የጒልሑ።

ሓያሎ ጉጅለታት እውን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትነብረሉ ቦታ ናይ ውሑዳት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣካል ምስ እትኸውን፡ ኣብ ብዙሓት ህዝብታት ዓለም "ንእሽቶ መጓሰ" ኮይና እተቕርቦ ሓያል ምስክርነት ኣመልኪቶም። ትምህርቲ ከም ሓደ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዳግማይ ዝህነጸሉ ቦታ ኮይኑ ክድመጽ ብምምልካት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸዋዕታታት፡ ህዝባዊ ተወፋይነትን ሓጎስ ዝመልኦ እምነት ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኩሎም ከም ምልክታት ተስፋ ብምልላይ፡ ተሳተፍቲ ንዓመጽ ምንጻግ፡ ዘተ ምድንፋዕ - ንኩለንተናውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓዊሱ - ከምኡ'ውን ጸሎት ኣብ ቀጻልነት ሰላም መሰረታዊ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ከም ተሰመረሉን፡ በዚ መንጽር’ዚ ገለ ጉጅለታት ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስጳይና ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብምጥቃስ፡ ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዘመን እሙንን ነጻን ድምጺ እንክብሉ ድማ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዛዘሚ ቀዳምይ ውዕሎ ዘስምዕዎ መደረ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ሓፈሻዊ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ክሳዕ እቲ ናይ ጕጅለ ምይይጥ ዝጀመረሉ እዋን ኣብኡ ከም ዝጸንሑን ኣብ መደምደምታ ስለ እቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ኣመስጊኖም፡ ኣገዳስነት ተሳትፎን ምይይጥን ድማ ደጊሞም ብምጒላሕ፡ ብዛዕባ እቲ ካርዲናል ሪሽ ዘቕረብዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣስተንትኖን ምስሊ እቲ ኣይ ምዉት ኣይ ህልው ኮይኑ ኣብ ሕድጋት ዝተደርበየ ሰብ ብምጥቃስ "ዕዉራት እንተ ዘይኴንና ብዙሕ ስቓይ ከም ዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ እዩ፡ ጽምዋን ስቓይን ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ዜምጽኦ ሳዕቤን ምዃኑ ገሊጾም፡ ቤተ - ክርስትያን ነዚ ብድሆ እዚ ንዅሉ ሰብ ናብ ሕብረት ብምዕዳም ቤተ - ክርስትያን ብምኽፋትን ምስጢራት ብምኽባርን ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ምርኻብ ኣጋጣሚታት ብምፍጣር እውን ምላሽ ትህብ እእቲ ናይ ንግሆ ኣኼባ ብጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም እተዛዘመን ካልኣይ ውዕሎ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓኣት 16፡00 ከም እተካየደ ኣፍሊጡ።

27 Jun 2026, 17:27