ድለ

'ልዮን ኣብ ሮማ'፡ ሰነዳዊ ፊልም ዜና ቫቲካን ዕለት 1 ሓምለ ክዝርጋሕ እዩ 'ልዮን ኣብ ሮማ'፡ ሰነዳዊ ፊልም ዜና ቫቲካን ዕለት 1 ሓምለ ክዝርጋሕ እዩ 

'ልዮን ኣብ ሮማ'፡ ሰነዳዊ ፊልም ዜና ቫቲካን ዕለት 1 ሓምለ ክዝርጋሕ እዩ

"ልዮን ኣብ ሮማ" ዘርእስታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን እተዳለወት ሓዳስ ሰነዳዊት ፊልም ዕለት 1 ሓምለ ኣብ መድረኻት ዜና ቫቲካን ክትዝርጋሕ ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝተዳለዋናይ ፐሩ ልዮንን ልዮን በዓል ቺካጎን ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መድርኻት ዜና ቫቲካን ምቕራቡ ዝዝከር ኮይኑ እነሆ ድማ ሕጂ “ልዮን ኣብ ሮማ ” ዘርእስታ ሓዳስ ሰነዳዊት ፊልም ካብ ዕለት 1 ሓምለ ጀሚራ ክትዝርጋሕ ምዃና ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ማለት ኣብ 1981 ካብ ኣመሪካ ናብ ኢጣልያ ዝገበርዎ ጉዕዞ ትስዕብ፡ ድሕሪኡ ንኽልተ እብረ ከም ጠቕላሊ  ሓለቓ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ዝመርሕሉ ዓመታትን ከምኡ እውን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ተሸይሞም ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ ጉባኤ ካርዲናላት እተጸምበሩሉን እዋን እትሽፍን ምዃና ብምምልካት፡ ዕርክነትን፡ መጽናዕቲ፡ መገሻታት፡ ዑደታትን፡ ርክባት፡ ኣኼባታት፡ ንግደታትን ዕዮን ዝድህስስ ቅድሚ ሕጂ ዘይተዘርጉሑ ስልታትን ናይ ምስማዐ ርእየት ምስልታትን ከምኡ’ውን ምስክርነት ብጾቶም ኣጎስጢኖሳውያን፡ መማህርቲ ነበር፡ ናይ ቀደም ኣዕሩኽን ኣባላት ማህበር ኣጎስቲኖሳውያን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዘጠቓልል ምዃኑ የጒልሕ።

ልዮን ኣብ ሮማ ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ዜና ቫቲካን ንህይወትን ባህርያትን ቅዱስነቶም ንምድህሳስ ዝገበሮ ጕዕዞ ይዛዝም፣ እዚ ጕዕዞ እዚ በቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2025 ዝወጸት ናይ ፐሩ ልዮን ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም ዝጀመረ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነበረሉ ናይ ልኡካነ ወንጌል ዓመታት ዘተኰረ ከምኡውን ምስቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ ልዮን በዓል ቺካጎ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ዝቐጸለ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተዘርገሐ ብዛዕባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት ኣመሪካዊ መበቈል ብዕምቆት እትምርምር ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እዛ ናይ መወዳእታ ሰነዳዊት ፊልም ዕለት 1 ሓምለ ሰዓት 18፡00 ድሕሪ ቐትሪ (በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ) ኣብ ዩቱብ ቫቲካን ኒውስ ብሰለስተ ቛንቋታት ማለት ብእንግሊዘይናን ጣልያን ከምኡውን ስጳንይናን ክትዝርጋሕ እያ፣ ምስ ዝሕተት ድማ ናብ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ክትዝርጋሕ እያ።

27 Jun 2026, 17:21