ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ መናብርተ ጥበብ ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ረብሓን ንምድንፋዕ ሓያላት መስመራት እየን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምድላይ ሓቂ ብምስፋሕ፡ ምስቶም ዝተገለሉን መንእሰያትን ብቐረባ ህልው ብምዃን፡ ከምኡ’ውን ንኣከባቢ ንምሕላው ብምስራሕ፡ ተቕዋማት ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ሎሚ ንደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ንምግጣም ኣገደስቲ ቦታታት ይኾኑ እንክብሉ ቅዱስነቶም ዕለት 25 ሰነ ንሓለፍቲ ናይ ኢየሱሳውያን ተቕውዋማት ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኣመሓደርትን ወከልትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስተብሂሎም፡ “ትካላትኩም ብዛዕባ እቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዘለዉ ዘጋጥሞም በደል ንተማሃሮኹም ንምምሃር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ረብሓን ዝተሰረተ ሓደስቲ ቅጥዕታት ብምቕራብ ስርዓታዊ ለውጢ ኣብ ምድንፋዕ ሓያላት መስመራት ክኾና” ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝርርቦም እዘን ትካላት እዚኣተን ንኣባላተን ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ጕዳያት ንኽዋጽኡሉ ብኸመይ ክሕግዛ ከም ዝኽእላ ዝገልጽ መርሓ መገዲ ኣቕሪቦም፡ ካብቲ ኣብ 2019 እተመስረተ ንዕዮ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ንምምራሕ ዝዓለመ ኣርባዕተ ኣድማሳዊ ሃዋርያዊ ምርጫታት ግምት ብምሃብ፡ እቲ ምርጫታት ናብ ኣምላኽ ዚወስድ መገዲ ምርኣይ ምስ እተገለሉ ቀረባ ምዃንን ምስ መንእሰያት ምጕዓዝ ከምኡውን ሓባራዊ ቤትና ምክንኻን ዝብሉ እዩ።
ዘመናዊ ለውጢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "መዋእል ለውጢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ እዋናዊ ግዜ" "ሎሚ ንደቂ ሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ብዙሕ ብድሆታት" ብምጕላሕ መደረኦም ኣበጊሶም፡ ሕብረተ - ሰባት ዝያዳ ዓለማውያን እናዀኑ ይኸይድ ከም ዘለዉ ኣጕሊሖም፣ "ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ህዝባዊ ቦታን ካብ ህቡብ ባህልን ወጻኢ ክገብሩ ይጽዕሩ" ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ስርዓታት ነቲ "ኣውያት ድኻታትን ስደተይናታትን እቶም ዓለም ከም እተገለሉ ገይራ እትቘጽሮም" መፍትሒ ኣብ ምድላይ ከም ዝቦኽሩ ብምምልካት፡ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሸ መጻኢ ናይ ምርካብ ተስፋ ከም ዘይብሎምን ሃብቲ መሬት ብቐጻሊ ንውልቃዊ ረብሓታት ከም ዝምዝመዝ ኣጒሊሖም፡ ኣብ ደቂ ሰብ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እውን ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕድላት ምሃብ
ምስዚ ብዝምልከት ናይ ኢየሱሳውያን ኣርባዕተ ኣድማሳዊ ሓዋርያዊ ምርጫታት ነዞም ጉዳያት ንምፍታሕ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቶም። ምስ ድኻታት ምጉዓዝ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ብዝምልከት “ኣብዚ ብዙሓት ኣሓትናን ኣብ ድኽነት ዝነብሩሉ ዘለዉ እዋን” ብኸመይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብሰንኪ ኲናት፣ ሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ ስደት፣ ጥምየት፣ ወይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብዙሓት ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጹ ይግደዱ ምህላዎም ሓቢሮም፡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢየሱሳውያን ንሓባራዊ ረብሓን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ጥራይ ዘይኰነስ “ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ትሑት ማሕበረ - ቁጠባዊ ደረጃ ዘለዎምን ረብሓ ምዕቡል ትምህርቲ ንኽረኽቡ ዕድላት ንምሃብ” ከም ዝተጸውዓ ኣጽኒዖም ብምዝኽካር፡ "በዚ መንገዲ ድማ ምስቲ ዝነብሩሉ ሕብረተሰባት ብዝያዳ ክወሃሃዱ ከምኡ'ውን ብዝተፈላለየ ተመኩሮታቶምን ኣረኣእያታቶምን ነቲ ሰፊሕ ኣካላት ተመሃሮ ከሀብትሙ ክኽእሉ እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣሉታውን ኣወታውን ሳዕቤናት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምርጫ ኢየሱሳውያን ፍሉይ ጉዳይ እኳ እንተዘይኮነ ብዛዕባ ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እውን ኣማእኪሎም፣ ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ነዚ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣሉታውን ኣወታውን ሳዕቤናት ኣብ ምፍታሕ ፍሉይ ተራ ክጻወታ ከምዝኽእላ ኣመልኪቶም።
እዘን ትካላት እዚኣተን ብፍላይ “ንመትከላት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን “ንስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ኣብ ምፍታሕ ኣገዳስን ኣድማዕን ብዝኾነ መንገዲ” ሓድሽ ድርኺት ክህባ ይኽእላ እየን እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኻት።
ኣብ መንእሰያት ተስፋ ምፍጣር
ንመንእሰያት ምስናይ ዝብል ኣርእስቲ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ኣብ ዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ዘቕርቡ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ምዃኖም ኣጽኒዖም ብምሕባር፡ ተማሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣተሓሳስባን ጸዓትን ዝተመልአ ስነ ትምህርታዊ ሞያኦም ከም ዝጅምሩን፡ ብመጽናዕቶምን ብዝምድናኦምን ድማ ንዓለም ናብ ዝሓሸ ኣብ ምቕያር ዝተሓደሰ ናይ ተስፋ ስምዒት ከም ዝረኽቡ ኣመልኪቶም፡ “ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ መወዳእታ ምንጪ ተስፋ ምዃኑን ምስኡ ኩሉ ከም ዝከኣልን ኩሉ ግዜ እናዘከርኩም፡ ኣብ ማሕበረሰባትኩም ዘለዉ ሰባት ነቲ ናይ ተስፋ ስምዒት ብዕድላት ዘተን ኣገልግሎትን ጸሎትን ከተዕብይዎ እዕድመኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ምሕብሓብ ፍጥረት፡ ኣብነት ምዃን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ንፍጥረት ምሕላይ ዝብል ኣርእስቲ ኣቕኒዖም፡ ብኢየሱሳውያን ዝመሓደራ ትካላት “ብኣብነት እምበር ብህልዩ ጥራይ” ክይምህራ ኣተባቢዖም፣ ብፍላይ ድማ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን “ብዋጋ ናይ ሓባር ረብሓ ብውሑዳት ጸጋታት ምዝመዛን” ኣብ ግምት ብምእታው - ቢሎም - "ነዞም ህሉው ሓደጋታት ብዝምልከት ነቶም ኣብ ቀጽሪታትኩም ዘለዉ ንምምሃር ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ክትጸንዑ እላቦ፡ እንተዀነ ግን ማሕበረሰብኩም ኣብነት ስነ ምህዳርን ዘላቕነትን ትሕትናን ምስጋናን ንውህበት ኣምላኽ ክዀኑ አተባብዓኩም።”
እቶም ሓቂ ዝደልዩ ንኣምላኽ ይደልዩ
ነቲ ናብ እግዚኣብሔር ዝወስድ መንገዲ ዝምልከት ኣርእስቲ መሰረት ገይሮም፡ “እቶም ምርምር ዘካይዱን መጽናዕት ዝገብሩን ሓቂ ዝደልዩን ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ ኣብ መወዳእታ ንእግዚኣብሔር ዝደልዩ ምዃኖም ኣመልኪቶም፣ ኣባላቱ "ነቲ ሓቂ ዝዀነ" ክፈልጡን ነቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽምኢ ኣምላኽ ምላሽ ዝህቡሉን ምሁር ማሕበረሰብ ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምዝኽካር፡ በዚ መዳይ እዚ ቅዱስነቶም ነቶም ኢየሱሳውያን ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤታት ሰፊሕ ተሳትፎ ክግበር ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ኣተባቢዖም፣ ከመይሲ ኣብ ኣገዳሲ ውሳነታት መመያ ንኽግበር ኺሕግዝ ስለ ዝኽእል ቢሎም ኣብ መወዳእታ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ብሓገዝ መስራቲኦም ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ነቶም ብሕድሪ እተዋህቦም "ሰብኡትን ኣንስትን ንኻልኦት ዝውፈዩ - ዘገልግሉ" ኪዀኑ "ትውፊት ኢየሱሳውያን ኪቕጽሉ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
