ድለ

ር. ሊ. ጳ.፣ ጰጥሮስን ጳሎስን ንሓድነት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝሓውነት የንጸባርቑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፣ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ እዞም ቅዱሳን ሓዋርያት ብባህርያትን ኣተዓባብያን ኣዝዮም እተፈላለዩ እኳ እንተ ነበሩ፣ መንፈስ ቅዱስ ግን ንረብሓ ቤተ-ክርስትያን ናብ ሓድነት ከም ዝመርሖም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ነጋድያንን መንፈሳውይን በጻሕን ብምኽንያት በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕሪጐም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣብቲ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብዛ ብሃሩ እትቝሎ ዘላ ከተማ ሮማ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንምእመናን፣ ነቲ ንቤተ-ክርስትያን ናይ ሮማ ምስ ኵለን ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም "ብእምነትን ፍቐርን" ዘጣመረ ምትእስሳር ከም ዘዘኻኽሮም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ሰማእትነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ከትማ ሮሜ ከም ማሕተም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኰይኑ ይዓዪ ዝምስከር ዘሎ፣ እዚ ድማ ዕምቈት ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝገልጸልና።

"ወንጌል ክርስቶስ ብምሳልያዊ ኣገላልጻ፣ ኣብ ከተማ ሮሜ ሱር ክሰድድ ዝኸኣለ ብቓሎምን ሰማእትነቶምን እዩ፣ ኣብዚ ኣብ ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሓድሽ ፍልጠት ኣምላኽን ደረት ብዘይብሉ ኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብን ሓድሽ ምርዳእን ሓያል ተሓድሶን ዘለዎ ሓይሊ ከም ግዝኣት ዘይኰነስ፣ ንህይወት ደቂ ሰባት ከም ምግልጋል እዩ ዝነበረ" በሉ።

እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዕኡ ንምስዓብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ክሳዕ ሕጂ ካብ ርእሰ ኸተማታት ክሳዕ ርሑቕ ቦታታት፣ በቶም ንጸዋዕታኡ ምላሽ ክህቡ ዝመረጹ ሰባት ይስማዕ ከም ዘሎ፣ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ንጴጥሮስን ጳውሎስን ብምኽባር፣ ኣብ ተልእኾ ኢየሱስ እጃምና ከነበርክት ንጽዋዕ ኣለና፣ ከመይሲ ዘይፍጹማት ግን ከኣ ምሕረት ከም እተገብረሎም ሓጥኣን ኴንና ኽንነብር ከሎና፣ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና የንጸባርቕ ኢዩ ድማ በሉ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዘሎ ፍልልይ ኣስተንትነሉ።

"ቅድሚ ጸዋዕታ ምቕባሎም ጥራይ ዘይኰነስ፣ ድሕሪ ጸዋዕታኦም እውን እውን ከይተረፈ፣ ብድሕረ ባይታዊ ታሪኽን፡ ኣተዓባብያን፡ ባህርያቶምን፡ ይፈላለዩ ኢዪም ነይሮም፣ ከመይሲ እቲ ሓደ ጐይታ ሓደ ዓይነት ሰባት ኣይገበሮምን" በሉ።

ጴጥሮስን ጳውሎስን ብዝነብሮም ፍልልያት ንወንጌል ብፍሉይ ዝኾነ ቃሎም መስከርዎ፣ እዚ ድማ ወንጌል ኣገዳሲ ኽፍሊ እቲ ብስራት ምዃኑ ኢዩ ዘጕልሕ።

"ኣብ ጉባኤ ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ተጻረርቲ ኣይነበሩን" ድማ በሉ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብእተወሰነ መዳይ ምልክት ናይቲቲ ሓደ ዝኾነ መንፈስ ብምዃን፣ ንብዙሕ ካልእ ፍልልያት ኣብ ሓደ ምሉእ ሕብረት ዝመርሑ ኮኑ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ እዞም ክልተ ጠበቓታት ሮማ ዝኾኑ ቅዱሳን፣ ናይ ሕብረትን ሓድነትን ብድሆታት ከም ዘሕለፉን፣ ሕጂ እውን እዚ ሓድነት እዚ ከም "ምስጢር መለኮታዊ ህይወት" ኮይኑ ከም ዝገልግል ኣወጁ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ "ምስክርነቶም ክርስትያናዊ ህላወ ኣብ ታሪኽ፣ ናብ ግዝኣት ዘምርሕ ዘይኰነስ፣ ናብ ኣገልግሎትን ሓድነትን ዕርቅን ዘተኰረ ምዃኑ ንምርግጋጽ፣ ወሳኒ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ" ድማ በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣማልድነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንቤተ-ክርስትያን "ካቶሊካዊ" ባህሪ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ንኽትህብ ክሕግዝዋ ጸልዮም።

ኣብ መደምደምታ ድማ ቤተ-ክርስትያን፣ "ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ህዝብታትን ሕውነታዊ ርክብ ኣብ ምምዕባል፣ ንሕብረት ዘዳኽም ወይ ዝጐድእ ዝዀነ ይኹን ነገር ንምርሓቕ፣ ከምኡውን ኣብ ኢቁመናዊ መገዲ ጸኒዓ ምስ ኵሉ ሰብ ብጥንቃቐን ብቕንዕናን ክትዘራረብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ትህብ" በሉ።

30 Jun 2026, 16:22