ር. ሊ. ጳ. ነቶም ብጴሮሳዊ ምጽዋት ኣቢሎም ንኣገልግሎት ቅዱስነቶም ንዝድግፉ ኣመስጊኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰኑይ ዕለት 29 ሰነ፣ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ጠበቐታት ሮማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተቐማጦ እዛ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ቃል ሰላምታ ለጊሶም፣ ነቶም ኣብ ጥርናፈ ጴጥሮሳዊ ምጽዋት እተሳተፉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ድማ ኣመስጊኖም።
"ሎሚ ናይ ጴጥሮሳዊ ምጽዋት ምእካብ ንዝክር ኣሎና፣ ንዅሎም እቶም ብልግሶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንዝገብሮ ኣገልግሎታትን ንምድጋፍ ዝተግሁ ሰባት ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ እደሊ እየ። ብእምነትን ብሓድነትን ብሓባር ንመላለስ" ክብሉ ድማ፣ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቃለ ምስጋና ኣካፊሎም።
እዚ ምጽዋር እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝእከብ፣ ንዕዮ ግብረ ሰናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክምወል ንባህርያዊ ሓደጋታት ረድኤት ንምሃብ ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ተኣፈፍቲ ማሕበረሰባት ንኺድፉፉ ዘክእሎም ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ዕለተ ክብረ በዓል ጠበቃታት እዛ ኸተማ ዝኾኑ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ክነግዱ ንዝመጹ ቃለ ሰላምታን ምሕጽንታን እንከከፍሉ፣ ሎሚ ዘዕርግዎ ጸሎቶም፣ ብፍላይ ምእንቲ "ንሕሙማትን ተነጽሎ ዝስምኦም ዘለዉ ሰባትን ከምኡውን ምእንቲ እሱራት" ከም ምዃኑ ገሊጾም።
"ነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ዜገልግሉ ዘለዉ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣውዳትን ኣዋልድን እውን ኣመስግኖም ኣለኹ፣ ከመይሲ ብህላወኦምን መዓልታዊ ኣገልግሎቶምን ነቲ ዓብዪ ክርስትያናዊ ልቦም ህያው ይገብሩ ዘለዉ ኢዮም" ክብሉ መስከሩ።
ነቶም ኣብ ጐደናታት ሓለዋን ድሕንነትን ዘውሕሱ ሰባት እውን ምስጋና ይብጻሕኩም በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ነቶም ሎሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዉ፣ ግዳም ሓደር ሰባት ነቲ መመላእታ ናይ ግበረ ሰናይ ኣአገልግሎታት ንምዝርጋሕ ዝጽዕሩ ዘለዉ ሰባት እውን ሰላምታ ኣቕሪቦም።ኣብዚ ወርሓዊ እዚ ሕታማት ጋዜጣ ቫቲካን ታሪኽን ሓሳባትን ርእይቶታትን ናይቶም ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዮም እተገለሉን ተኣፈፍትን ሰባት የካፍል ኣሎ ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
"ብሓቂ የመስግነኩም ኣሎኹ! ንዅሎም እቶም ነዚ ጋዜጣታት እዚ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለው ድማ ሰናይ ትምኒት እገልጽ" በሉ።
ከትማ ሮማ ንቅዱሳን ጠበቓታታ ትጽምብል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ነቶም ኣብ ከተማ ኣብ ዝፍጸም ዘሎ እተፈላለየ ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው በዓለ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ብክብ ዝበለ ድምቐት ዝጽምብሉ ዘለዉ ሓሳባቶም ኣካፊሎም።
ንኣብነት ነቶም ኣብ መላእ ኢጣልያ ንዚርከባ ኸተማታትን ዓድታትን ዝድግፋ ፕሮ-ሎኮ ዚበሃል ማሕበር ወለንተኛታት፣ ነቲ ናብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወስድ ነዊሕ ጐደና ቪያ ዴላ ኮንቺላሲዮነ ብውቁብ ምንጻፍ ዕምባባታት ዝሰለሙ ወለንተኛታት እውን ኣመስገንዎም።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 29 ሰነ ወለንተኛታት ፕሮ ሎኮ ምንጻፍ ዕምባባታት ተጠቒሞም ውቁብ ንድፍን ስእልታትን ይፈጥሩ ኢዮም። እዚ መበል 13 ዓመት ናይዚ 'ኢንፊዮራታ' (ብጣልያንኛ "ብዕምባባታት እተሰላለመ" ማለት እዩ) ፈጠራዊ ስራሕ እዩ ዝንበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ንቅዱስ ፍራንሲስን ንዘደንቕ ፍጥረታትን እተወፈየ ዓመታዊ ምርኢት "ጊራንዶላ ዲ ካስቴል ሳንት ኣንጀሎ" ዘዳልዉ ሰባት ኣመስጊኖም።
