ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ ስፖርት ንኣካልን ንመንፈስን መድኃኒት እዩ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ትማሊ ሓሙስ ምስ ኣባላት ማኅበር ምሕንባስ ኢጣልያን፡ ተሳተፍቲ ኣህጉራዊ ውድድር ምሕንባስን ተራኺቦም። እቲ መበል 62 ዋንጫ ሰተ ኮሊ፡ ካብ ሰነ ዕለት 26 ክሳብ 28 ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ስታድዩም ምሕንባስ ፎሮ ኢታሊኮ ክካየድ እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ዝመጽእ ሻምፒዮና ኤውሮጳን ጸወታታት ማእከላይ ባሕርን ዝግበር ናይ መወዳእታ መጻረዪ ውድድር እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ዓውዲ ስፖርት ብግቡእ እንተተታሒዙ ንኣካልን ንመንፈስን ከም መድኃኒት ከገልግል ከም ዝኽእል ገሊጾም።
“ዓውዲ ስፖርት ነቲ ዝተፈላለየ መዳያት ናይ ሓደ ሰብ ዘወሃህድ ኮይኑ፡ ናብ ከም ተወፋይነት፡ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ እውን ቅንዕና ዝበሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ ክብርታት ይመርሕ” ኢሎም።
ኣብ ውድድራዊ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ሓደ ስፖርተኛ ነቲ ክዕወት ዘለዎ ድሌትን ጽንዓትን ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን፡ ዓይነታዊ ድራኸ ናይ ዓውዲ ስፖርት ከም ዘርኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝሓበርዎ፡ ስፖርት ካብ ኣካላዊ ጥዕና ብተወሳኺ መንፈሳዊ መግቢ ንምርካብ እውን ዕድል ይህብ እዩ፤ ብፍላይ ድማ ምሕንባስ ነዚ ዕድል እዚ ብዝበለጸ ከም ዝፈጥር ኣመልኪቶም።
“ምሕንባስ፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ብዅሉ ዙርያኻ ብማይ ተኸቢብካ ዝጽወት ዓይነት ስፖርት እዩ፤ “እዚ ድማ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ገና ካብ ማሕጸን ኣዴና ጀሚሩ ዝቐረጸና ሓደ መዳይ የዘኻኽረና፦ ምንባር ማለት ምስ ካልኦትን ምስቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ ከባቢን ብስኒት ምንቅስቓስ ምምሃር ማለት እዩ።”
ንክርስትያን፡ ማይ ንጥምቀትን፡ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሓድሽ ሕይወትን ከም ዘመልክት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልኪቶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ተሳተፍቲ ውድድር ዋንጫ ሰተ ኮሊ ካብ ቋንቋ ወይ ባህሊ ንላዕሊ ብዝኾነ፡ ተመሳሳሊ ፍቕርን ክብርታትን ተደሪኾም ካብ መላእ ዓለም ከም ዝመጹ ኣዘኻኺሮም።
“እዚ ንኣህጉራዊ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝምልከት መዳይ፡ ናይ ተስፋ ምልክትን፡ ናይቲ ንምህናጹ እንምነዮ ዓለም ምልክትን እዩ፣” ኢሎም። “እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት፡ ሰላማዊ ርክብን፡ ሕውነትን ንኽሰፍን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር።”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንሞያዊያን ሓምበስቲ፡ ስፖርታዊ ክብርታት ኣብ ምዝርጋሕን፡ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ክቕጽሉሉ ኣተባቢዖም፤ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ቅዱስ ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲ እውን ኣወፈይዎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ናይ ውድድር ዕድመ ክሓልፍ እዩ፣ እቶም ክብርታት ግን ንዘለኣለም ይነብሩ!” ክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።
