ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ምጽሓፍ ንኣምላኽ ዝምልከትን ሓቂ ንምድህሳስ ዝሕግዝን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ተድልዩና ኢኹም! ናይ ምሕሳብ ክእለትኩም ናይ ዛንታ ፈጠራኹም ከምኡውን ህያው ኣተሓሳስባኹም የድልየና እዩ። እዚ ዅሉ ድማ መለኮታዊ ጸጋ ነቲ ናይ ምጽንናዕን ሰላምን መብጽዓ ዝገለጸሉ ናጽነትን ሓቅነትን ዘለዎ ቦታ ንምፍጣር የድልየና ኢዩ" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ደረስቲ ዕለት 24 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተባቢዖም፡ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለዩ ቅድታትን ቋንቋታትን ከም መምህራንን ኣርኣያታትን ዘገልግሉሉ መልክዕ ሰብኣውነት መግለጺ ምዃኑ ድማ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽሑፍ ናይ ሓቅን ግልጸትን ተግባር እዩ
ቀዳማይ ምጽሓፍ ናይ ሓቅን ምግላጽን ተግባር እዩ፡ ከመይሲ መን ምዃንና እንታይ ከም እንኣምንን እንታይነት እንጽበዮ ዓለምን ብዛዕባ እቲ እንሓልሞ መጻእን ይገልጽ፡ ኣብዚ ሓቂ ንምርካብን ኣብ ምድላይን እንገብሮ ጻዕሪ ሓቂ ረቂቕ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና፣ ምስ ኣምላኽ ኣብ እንገብሮ ውሽጣዊ ምይይጥን ምስ ብጻይና ብግህዶን ብኣኽብሮትን ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ከም እትግለጽ ንግንዘብ፡ ስለዚ ፈጺምና ጐይተት ሓቂ ከም ዘይኮንና ነስተውዕል - እቲ ሓቂ 'ዝስዕረና' ሓቂ እዩ። ጸሓፍቲ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ንኽሰሓቡ ከተባብዕዎም ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምጽሓፍ ናይ ሰብኣውነት ተግባር እዩ
ካልኣይ ምጽሓፍ ናይ ደቂ ሰብ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ስነ-ጽሑፍ ንብምሉኡ ተመክሮ ደቂ ሰብ ከም ዝሓቁፍን ንሰብነትና ዘስፍሕ ዓሚቝ ኣረኣእያ ከም ዝህልዎን ድማ ገሊጾም፡ "ካልኦት ንክውንነት ብኸመይ ከም ዝርእይዎን ከምዝምከርዎን ምላሽ ከም ዚህቡን ንኸነለልዮ ዜኽእለና ናይ ፈጠራ ሓልዮት ነማዕብል። ብዘይ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሰቋርነት ምትሕብባር ርሕራሐ ወይ ምሕረት ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። ዛንታታት ኪጸሓፉን ገጸ-ባህርያቶም ክምዕብሉን እንከለዉ፡ ኣንበብቲ ኣረኣእያኦምን ስምዒታቶምን ከም ዝርድኡ ኣስተብሂሎም፡ ንባብ ንኣንበብትኹም ዓብዪ ናይ መሰልጠኒ ቦታ ኢዩ። ከመይሲ ብእተወሰነ መዳይ ኣንበብቲ ኣብ ርእሲ ናይ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ ህይወት 'ኢዮም ዝነብሩ' እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ብተወሳኺውን እተፈላለየ ኣረኣእያታት ንኽንረክብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣረኣእያ ኸም ፍጹም ጌርና ንኸይንርእዮ ከምኡውን ከም ቅንስል ወትሩ ኣብቲ ካባና ዚበልጽ ሓቂ ንኽንእክብ ይሕግዘና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኣምላኽ ዝምልከት ጽሑፍ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኣምላኽ ዝምልከት ጽሑፍ ኣብ ዝብል ሳልሳይ ነጥቢ ኣተኵይሮም፡ "ትብዓት ዝመልኦ መግለጺ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ምሁራት ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ስነ - ጥበብ ምጽሓፍን ግልጸት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣምላኽን ዘሎ ስኒት ኣስተንቲኖምን ጽሒፎምን እዮም። ነዚ ንኽንገብር ስልጣን ዚህበና ቅርጺ ግልጸት እዩ - ቢሎም - ነቲ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ "ንክርስትያን ንክርስቶስ ጓና ዝዀነ ይኹን ሰብ የልቦን። ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ መሰረታዊ ሕቶታት ንምምላስ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ – ከመይ ጌርና ከም እንፋቐር ብኸመይ ፍትሓውያን ከም እንኸውን ብኸመይ ናጻ ከም እንኸውን ንመከራን ሞትን ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ – ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ ንኽንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ” ዝበልዎ ሓሳብ የዘኻኽሩ፡
እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ኣዝዩ ሰብኣዊ ዛንታታት ንርእሱ ይገልጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናብ መዓሙቝ ሰብኣውነትና ክንውስጥ እንኮለለና ካብ ኣምላኽ ዘይረሓቑ ንኸውን ምኽንያቱ፡ ኣብኡ ኣብ ማእከል ዓሚቝ ሰብኣዊ ዛንታታት ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ይገልጽ - ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጊልያነት ሓራ ብምውጻእ ኵሉ ተስፋ ዝጠፍአ ኣብ ዝመስለሉ ብውልደት ወዱ ከምኡውን ብምሕረትን ብእሙንን ፍቕሪ፡ ብፍጻመታትን ርክባትን ወጅህታትን ዛንታታትን ይዛረብ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ነቶም ጸሓፍቲ "ኣምላኽ ኣብ ህይወትና በቲ እንገብሮ ነገራት ከምኡውን በቶም እንረኽቦም ብዙሓት ሰባት ኣቢሉ እዩ ዚዓዪ" ብምባል ኣዘኻኸሮም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዅሎም ስነ- ጥበባውያን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ተድልዩና ኢኻትኩም" ዝብለዎም ቃላት ኣቃሊሖም፡ ነቶም ጸሓፍቲ ዘርኢ ዕርቅን ርክብን ዕርክነትን ንምዝራእ ዝገበርዎ ቘራጽነት ብምምስጋን መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
