ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ክንክን ጥዕና ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ርህራሄ ኣምላኽ ክገልጽ ኣለዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ካብ 23 - 25 ሰነ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ “ኩለንተናዊ ኣቀራርባ ጥዕና ኣብ ኮንፈደረሽን ትካላት ረድኤት ካሪታስ” ንዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተወፈየ ኮይኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንዅሎም ተጋባእያን ምዉቕ ሰላምታን መንፈሳዊ ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፡ እቲ ጉባኤ “ንሓድሽ ድርኺት ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣበርክቶ ዝግበር ክኸውን እጽልይ፣ ተሳተፍቲ ድማ ኣብ ክብርታት ወንጌል ዝተመርኮሰ ክንክን ጥዕና ንሕሙማት ንምምሕያሽ” ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣተባቢዖም፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንኢየሱስ ከም መለኮታዊ ሓኪም ከም ዘቕርቦ ዘኪሮም፡ ክርስቶስ ንመከራን ውርደትን ተነጽሎን ዘስዕቡ ኣእምሮኣዊን ስጋውን መንፈሳውን ጸበባታት ብምፍዋስ ንሕሙማት ጥዕና ከም ዘምጸኣሎ ኣስተብሂሎም። ግሩም ሰብኣውነት Magnifica humanitas ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ተወኪሶም፡ “ነፍሲ ወክፍ ሰብ ዘለዎ ክብሪ ብሰንኪ ህላወኡን ብእግዚኣብሔር ዝተደለየን ዝተፈጥረን ዝተፈቕረን ብምዃኑ እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾ፡ እቲ ክብሪ እቲ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንውልቃዊ ዅነታት ዚሰግር እዩ - ቢሎም - ኢየሱስ ጥዕና ብምምላስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ባህርያዊ ክብሪ ይገልጽን ንደቂ ሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ብኣምላኽ የመልክት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶኦም ክቕጽሉ ኣተባቢዖም፣ ንሳ ኣብ መንጎ ሕሙማት ብዘለዋ ህላወ መንግስቲ ኣምላኽ ትእውጅ። ድሕነት ረቂቕ ሓሳብ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ በቶም ዝሳቐዩ ቁስሊ ናይ ምፍዋስ ጭቡጥ ተግባር እዩ ዝጅምር - ቢሎም - ዕዮ ካሪታስን ምሻርኽቱን “ንኣዝዮም ዝጽገሙ ርህራሄን ሰናይን እግዚኣብሔር ንምምጻእ” ዝዓለመ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
