ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍልዩ ጉባኤ ካርዲናላት ይኸፍቱ፣ ንካርዲናላት ግሉጽነት፣ ተኣማንነት ይሓቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ናጽነትኩምን ቅንዕናኹምን ተኣማንነትኩም የድልየኒ ኣሎ። ልባዊ ምኽሪ ኩሉ ግዜ ናይ ሕብረት ተግባር እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና በቲ ነሕዋቶም ካርዲናላት ብዝገበርዎ ዕድመ ኣቢሎም ነቲ ዝጸውዕዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎሽ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ዘሎ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝኸፈቱን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ እዚ ጉባኤ ካርዲናላት ክሳዕ ዕለት 27 ሰነ ዝጸንሕ ኮይኑ ንካርዲናላት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓባር ኮይኖም መመያ ንኽገብሩ ዕድል ዝህብ እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝገለጽዎ ድሌቶም ኣሐዲሶም፣ እዚ ርክባት እዚ ንካርዲናላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን "ኣብ ኣገልግሎት ቤተ - ክርስትያን ብሓባር ንምዕያይ" ዝሓሸ መገዲ ንኺመሃሩ ከምኡውን "ንተልእኮ ወንጌልን ንምልእታ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ምግልጋል ዚሕግዘኒ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ" ኪቕጽሉ ኺሕግዞም እዩ። ቅዱስ ቍርባን ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዘይመጸ፡ የግዳስ ምትእምማንን ንሓድሕድና ንምስማዕን ፍቓደይና ምዃን ዚሓትት መዓልታዊ ጸሎት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ንካርዲናላት ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብሲኖዶሳዊ መገዲ ሕብረት ክሃንጹ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣዘኻኺሮም፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ድማ ኣብ ተልእኾኣ ከከም ናይ ገዛእ ርእሱ ውህበትን ኣገልግሎትን ይተሓባበር።
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣብዘን ክልተ መዓልትታት ካርዲናላት ዘተኰሩሉ ኣርባዕተ ኣርእስትታት እንከስተንትኑ፡
ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ እታ ቤተክርስትያን ወንጌል ክትሰብኽ እተጸውዓትሉ ዓለም ከነስተንትን ኢና። እዚ ዅነታት እዚ ነቲ ኣብ ጐደናታት ዓለም ዚመላለስን ኣብ ታሪኽ ኣብ ቅድሜና ዚኸይድን ኢየሱስ ከነለልዩ ዝሕግዝ ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ካልኣይ ካርዲናላት ብዛዕባ ሳዕቤን ባህሊ ስልጣንን ስልጣነ ፍቕርን ኪምርምሩ እዮም።
መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ውግእ ካብ ዝካየደለን ሃገራት ዝመጹ ምዃኖም ገሊጾም፣ ይኹን እምበር በቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣብ ዘሎ ሕብረተ - ሰብ ዚርአ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ግጭትን ምክፍፋልን ዘይተተንከፈ ሰብ ከም ዘየለ ኣረጋጊጾም፡ ነቶም ካርዲናላት ነቲ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ - ክርስትያን ንምርዳእ ከም መፍትሕ ገይሮም ክወስድዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሳልሳይ ኣኼባ ቤተ-ክርስትያን ንረብሓ ደቂ ሰብ እንታይ ኣበርክቶ ኽትገብር ከም እትኽእል ኣብ ምምርማር ኬተኵሩ - ቢሎም - ማሕበራዊ ሰረተ - እምነት ቤተ-ክርስትያን ሓባራዊ ረብሓ ብሃንደበት ከም ዘይመጽእ የግዳስ ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዝሓትት የዘኻኽረና። ንቤተ ክርስቲያን እዚ ኣዝዩ ንጹር መልክዕ ይሕዝ: ሲኖዳውነት ቅዲ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾ መንግስቲ ኣምላኽ።”
ኣብ ራብዓይ ኣኼባ ካርዲናላት ብዛዕባ ቀጻሊ ምትግባር ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ከስተንትኑ እዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ነጸብራቕ ናይቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣብ ትሕቲ መነጽር ሲኖዳውነት ከም “ኣተሓሳስባ፡ ክፉትነትን ንምርዳእ ድልውነትን” ዘተኩር ከም ዝኸውን ሓቢሮም።
ኣብ ውሽጣዊ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ ንካርዲናላት ናብ ዓለም ኪጥምቱን፦ "ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና ብዝያዳ ተኣማንነትን ናጽነትን ተሓታትነትን ወንጌል ኪትሰብኽ ብኸመይ ክንሕግዛ ንኽእል? እንክብሉ ገዛእ ርእሶም ክሓትቱ ዓዲሞም፡ ተልእኾ ወንጌል ቤተ-ክርስትያን ሓደ ካብቲ ብዙሕ እተሳልጦ ዕማም ዘይኰነስ ህላወኣ እዩ፡ ስለዚ ካርዲናላት ኪሰምዑን ሓላፍነቶም ኪስከሙን ንተግባራት መንፈስ ቅዱስ ብሓባር ኬስተውዕሉን ይሓትት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘካይድዎ ዘተ ስለቲ ዝገበርዎ ሓገዝ ብምምስጋን፡ ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም ዚብላ ንኸስተውዕል ክትሕግዙኒ እጽበ ኣለኹ። ደገፍኩም የድልየኒ ጽኑዕን ግልጽን ዝኾነ ሓገዝኩም። ከም ኣሕዋት ብኣኻትኩም ዝድገፍ ኮይኑ ክስምዓኒ ኣደልይ!” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
