ድለ

2026.06.17 Udienza Generale 2026.06.17 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ “ብምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ክንልወጥ ንፍቀደሉ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስትስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጆ ዶግማዊ ቅዋም ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝዛረብ ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ኣተምሂሮም፣ እዚ ቅዱስ ምስጢር 'ንመገዲ ጐይታ ንኽንቅበል' ከም ዘኽእለና ድማ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ካብዚ ምንጪ መለኮታዊ ህይወት ብእምነት ንቀበል፣ በቲ እንሠርዖ ምስጢር ከኣ፣ ንገዛእ ርእስና ኽንልወጥ ንፈተደሉ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ነዚ ኣስተንትኖ እዚ፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካርየድዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካንን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብ1963 ዝተኣወጀ ዶግማዊ ቅዋም ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘስተምህር ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” ንዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሉ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ኢዩ ዝንበረ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤያዊ ቅዋም ዝቐረበ፣ ትምህርትታት ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዱስ ቍርባን ብምስትንታን፣ እዚ "ቅዱስ ምስጢር" እዚ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ሰነድ፣ "ቅዱስ ቍርባን ምልክት ሓድነት ማእሰር ልግሲ ኮይኑ፣ 'ንክርስቶስ እንቕበለሉ፣ ነፍስና ብጸጋ እትመልኣሉ፣ ፋሲካዊ ጽንብል ኢዩ፣ ከምኡውን ናይ መጻኢ ኽብሪ ብተስፋ እንጸባበየሉ እዩ" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ካብዚ ብምቕጻል፣ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም፣ ሠናይ ምክትታል።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጉባኤያዊ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤን” (SC) ብዛዕባ ሥርዓተ ሊጡርጊና እንገብሮ ዘሎና ትምህርትና ንቐጽል።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ነቶም ሓደስቲ እተጠመቑ ብዛእባ ምስጢረ ሥጋ ክርስቶስ ኪገልጸሎም ምስ ደለየ፣ ነቲ ኣብዚ ጉባኤና ዝሰማዕናዮ፣ ቅዱስ ጳውሎስ "ሕጂ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስን ኣካላት ክርስቶስን ኢኹም" (1ቆሮ 12 27) ዝበሎ ጥቕሲ ወሰደ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "እቲ እትቕበልዎ ናይ ገዛእ ርእስኹም ምስጢር ውን እዩ ። ነቲ ዝኾንካዮ ድማ፣ ኣሜን ክትብል ትምልሰሉ፣ እዚ መልስኻ ድማ ከም ክታምካ እዩ። "ሰብነት ክርስቶስ" ኢኻ ተባሂሉኻ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ከኣ "ኣሜን" ትብሉ ኣለኹም። እምበኣርከስ ኣሜንኩም ሓቂ ምእንቲ ክኸውንሲ፣ ኣካላት ክርስቶስ ኩኑ። [...] ከምቲ እትርእይዎ ኹኑ፣ ነቲ ነቲ ዝኾንኩምዎ ከኣ ተቐበልዎ" (ስብከት 272 መዝ 38 1247) ።

ነቲ ናይ መወዳእታ ድራር ጐይታ ድሕሪ ምዝካር፣ እቲ ጉባእያዊ ቅዋም ብቐጥታ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ብኸምዚ ዓይነት ቃላት ኣጐስጢኖስ ይዛረብ። ንክርስትያን ምእመናን ኣብ መኣዲ ጐይታ ምስታፍ ኪበሃል ከሎ "ብቓል ኣምላኽ ምምሃርን ... ምምጋብን ... ንኣምላኽ ድማ ምስጋና ምቕራብ" (48) ኢዩ። ብቓሉን ብቅዱስ ቍርባንን ንዓኡ ብምቕባል ኢና፣ ነቲ እንቕበሎ እንኸውን። ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ ዘሎ፣ ናይቲ ርእሲ ዝኾነ ናይ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣካል ንኸውን (ቆላ 1፡18)፣ ንሱ ኣብ ሰማይ ቦታ የዳልወልና ኣሎ (ዮሓ 14፡3) ። ስለዚ ቅዱስ ቍርባን ምስጢር ናይታ እትመጽእ መንግስቲ ኢዩ። ክሳዕ እታ "ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ብኵሉ ዚዀነላ" (1ቆሮ 15፡28) ቅድስቲ ዕለት፣ ናብ ሰማያዊት ሃገርና ዝመርሓና ናይ ጕዕዞና ስንቂ ኮይኑ ።

ሊጡጊያዊ ጉባኤ ምእመናን ነቲ መስዋእቲ "ብኢድ ካህን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስኡ ብምዃን እውን የቕርብ" (SC 48)። በዚ ኣረኣእያ እዚ ቅዱስ ቍርባን ሥርዓት መንፈሳዊ መስዋእቲ ናይ ክርስትያን ምእመናን እዩ (ዕብ 13፡16፣ ሮሜ 12፡1) - ምስ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕድናን ናብ ሓድነት ዝመርሕ መንገዲ ኢዩ ። ኣብኡ ብምስታፍን፣ "ገዛእ ርእሶም ምቕራብን፣ ብክርስቶስ እቲ ማእከላይ ኣቢሎም፣ ዕለት ዕለት ምስ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕዶምን ናብ ዝያዳ ፍጹም ሓድነት ኪስሕቡ ኣለዎም" (ibid)። ስለዚ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ክርስቶስ ብምጽምባር፣ ነቲ ብናጻ ውህበት ርእሱ ዘወፊ ኣገባብ ኣነባብራ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ይምህረና። እዚ ውህበት እዚ፣ ንዓለምናን ንማሕበረሰብናን ንስድራ ቤትናን፣ ንልብና ዜዳኽሙ ሓይልታት ምክፍፋልን፣ ሓያል ፈውሲ ብምሃብ ናብ ሓድነት ይስሕበና (ቅዱስ ጉባኤ 47) ።

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክንሳተፍ ከሎና፣ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕን ካብ መኣዲ ጐይታ ክንምገብን ተዓዲምና ኣሎና፣ ኣብኡ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ናብ ኣቦ የቕርብ። እዘን ክልተ ኽፋላት ቅዳሴ ማለት ሊጡርጊያዊ ክፍሊ ቃል ኣምላኽን ኣኮቴተ ቍርባንን፣ "ንሓድሕዱ ኣጸቢቝ ስለ እተኣሳሰር ሓደ ናይ ኣምልኾ ተግባር ጥራይ ኢዩ ዘቅውም" (ቅዱስ ጉባኤ 56)።

ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ብዝምልከት፣ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣእምሮኣዊ ፍልጠት ምጥራይ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ኣምላኽ ንዅላትናን ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብን ብሓንሳእ ዝዛረበሉ "ህያውን ንጡፍን" ቃል ምቕባል (ዕብ 4፡12) ከም ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ቃል እዚ፣ ምስ ቅዱስ ቍርባን ይምግበናን ይድግፈናን፣ ካብ ውድቀት ሓጢኣት፣ ናብ ሓድሽ ህይወት ክርስቶስ ይመርሓና። "ቅዱስ ቍርባን ንቕዱሳት ጽሑፋት ንኽንርዳእ ኣእምሮና ይኸፍተልና፣ ልክዕ ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብግዲኡ ንምስጢር ቅዱስ ቍርባን ከም ዘብርህዎን ዝገልጽዎን ድማ እዩ።" (ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 Verbum Domini, 55)።

ካልኣይ ጉብኤ ቫቲካን፣ ካብ መኣዲ ቃል ኣምላኽ ዝያዳ ሃብታም ምግቢ ምእንቲ ክወሃበና፣ መዝገብ ቅዱስ መጽሓፍ ብብዝሒ ክንበብ ድማ ጻውዒት ኣቕረበ (ቅዱስ ጉባኤ 51)። እቲ ናይ ሥርዓተ ሊቱርጊያ ተሓድሶ፣ ነዚ ልመና እዚ ናብ መዝገብ፣ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓታት ዝኸውን፣ ቅዱስ መጽሓፋዊ ንባብ ዘቕርብ መዝገብ እውን ኣቕሪቡልና ይከብ። እዚ ሃብቲ እዚ ካብቲ ንተኣማንነት ትውፊትን፣ ንሕጋዊ ምዕባለን ክፉት ምዃንን ዜጣምር ካብ ጽሩይ ምንጪ ህያው ትውፊት ቤትክርስቲያን ዝርከብ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ ምዕራፍ 2፣ ናይቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝዛረብ ጉባኤያዊ ቅዋም፣ ነቲ ካብ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ናባና ዝውሕዝ ዓብዪ ወሕዚ ናይ ቅዱስ ትውፊት ብምጥቃስ እተኣልመ እዩ። "ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር፣ በታ ዝተታሕዘላ ለይቲ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ መሥዋእቲ ቅዱስ ቍርባን፣ ምሥጢረ ስጋኡን ደሙን ሰርዐ። ነዚ ዝገበረ ድማ ንመስዋእቲ መስቀል ክሳዕ ዳግም ዝምለስ፣ ንዘመናት ንምቕጻል ከምኡ ድማ ነታ ፍቅርቲ መርዓቱ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን፣ መዘከርታ ሞቱን ትንሳኤኡን ብሕድሪ ምእንቲ ኺህባ እዩ፣ ቅዱስ ቁርባን ምልክት ሓድነትን ማእሰር ልግሲ ክርስቶስን ዝጽምበለሉ በዓለ ፋሲካ ኢዩ፣ ንኣእምሮና ድማ ብጸጋ ዝመልእ እዩ፣ ንናይ መጻኢ ኽብሪ ድማ ብተስፋ ክንጸባበዮ ዝተዋህበና ምልክት ኢዩ።" (ቅዱስ ጉባኤ 47)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ካብዚ ምንጪ መለኮታዊ ህይወት ብእምነት ንምቕባል፣ በቲ እንሰርዖ ዘለና ምሥጢር ከኣ ክንልወጥ ንፈቕደሉ።

24 Jun 2026, 12:19