ላምፐዱሳ፦ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘርእዩ ናይ ተስፋ ምልክታት
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ላምፐዱሳ ናብ ማእከል ዜና ንዘብጽሓና ዝነበረ መራሕ ታክሲ፡ “እወ፡ ባሕሩ ጽቡቕ እዩ፡ እታ ደሴት እውን መልክዕ ኣለዋ፤ እንተኾነ ግን ቦታ ስቓይ ስለ ዝኾነ ንዕረፍቲ ናብዚ ኣይምጻእኩን” ምስ በልክዎ፡ ንሱ ግን “ኣይፋልን! እዚ ናይ ተስፋ ቦታ እዩ። ነቶም ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰባት ሓድሽ ሕይወት ዝጅምሩሉ መበገሲ ቦታ እዩ” ኢሉ መሊሱለይ።
“ኣብ 2014፡ እቲ ናይቲ ደሴት ሕብረተሰብ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ድሕንነትን፡ መጻኢ ሕይወትን ንምድላይ ንዝመጹ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታትን፡ ሓተቲ ዑቝባን ኣብ ምድሓንን ምቕባልን ንዘርኣይዎ ዘደንቕ ርሕራሔን ሰብኣዊ ጻዕርታትን፡ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ተሓጽዮም ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሩኒ” ክትብል ሊንዳ ቦርዳኒ ትገልጽ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣሰር ፍራንቸስኮ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብዚ ንምምጻእ ዝመረጹሉ ምኽንያት እውን፡ ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምስዓብ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ብዕለት 8 ሓምለ 2013 ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መጀመሪያ ወግዓዊ ዑደት ነዛ ንእሽቶ ደሴት ኢጣልያ ብምምራጽ፡ ዓለምለኻዊ ቆላሕታ ከም እትረክብ ገይሮም።
እቲ ሓያል ስጉምቲ፡ ንላምፐዱሳ ካብ ሓንቲ ህድእ ዝበለት ኣብ ወሰን ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ደሴት ናብ ዓለምለኻዊ ምልክት ቅልውላው ስደተኛታት ቀይርዋ እዩ። ከምኡ እውን ዓለምና ነቶም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን “ክቕበልን፡ ከዕቁብን፡ ከተባብዕን ከወሃህድን” ዝጽውዕ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ ነይሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ሕቛፍ ዕምባባ ድሕሪ ምድርባዮምን፡ ነቲ ንደቂ ሰባት ዝወሓጠ “ዓለምለኻዊ ዕሽሽታ” ዝነቀፈ ታሪኻዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምቅዳሶም፡ ካብ ስብርባር ዕንጨይቲ ዝጠሓለት ናይ ስደተኛታት ጃልባ ዝተሰርሐ መስቀል ባሪኾም ነይሮም። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ፡ እቲ መስቀል ከም ምልክት መከራን ጉዕዞን ስደተኛታት ኮይኑ ናብ ብምልእታ ዓለም ይዘውር ኣሎ።
ውርሻ ተስፋ
ነቲ ዘይመውት ታሪኻዊ ውርሻ ብምቕጻል፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ቀዳም ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎም ተኸታታሊ ስነስርዓታትን ርክባትን ክመርሑ እዮም።
እቲ ቀዳማይ ስነስርዓት ኣብቲ ናይቲ ከባቢ መካነ-መቃብር ክካየድ እዩ፤ እዚ መካነ-መቃብር እዚ "እስላምን፡ ካቶሊካውያንን፡ ንናእሽቱን ዓበይትን፡ ንጸለምትን ጸዓዱን፡ ነቶም ሓርነት ክደልዩ ከለዉ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኵሎም" ዝተፈልየ ክፍሊ ዘለዎ እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ኣብቲ "ኣፍ-ደገ ኤውሮጳ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓወልቲ ደው ክብሉ እዮም። እዚ ሓወልቲ እዚ ብዝተፈላለዩ ማዕድናትን ሓጺንን ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ብርሃን ጸሓይ ተቀቢሉ ነቶም ብባሕሪ ዝመጹ ከም ናይ ተስፋ ፋኑስ ኮይኑ ዘገልግል ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ እዩ።
እቲ ሳልሳይ፡ ኣብቲ ንመዘከርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተባሂሉ ብስሞም ዝተቐየረ ፋቫሮሎ ፒየር ዝበሃል ዝነበረ መድረኽ-ጃላቡ ምስ ሓንቲ ስድራቤት ስደተኛታት ክራኸቡ እዮም።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ ናይ ላምፐዱሳ ናይ ስፖርት ሜዳ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ኣብኡ ድማ፡ ካብ ስብርባር ጃላቡ ስደተኛታት ዝተሰርሐ 70 ሴንቲ ሜተር ቁመት ዘለዎ ግምቢ-ብርሃን ክወሃቦም እዩ፤ እዚ ከኣ በቲ ኣብ 2013 "መስቀል ላምፐዱሳ" ዝሰርሐ ጸራቢ ዕንጨይቲ ዝተዳለወ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መወዳእታ ዑደቶም ነቲ ግምቢ-ብርሃን ናብ ቫቲካን ሒዞምዎ ክኸዱ እዮም። እዚ ድማ ምልክት ላምፐዱሳ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምልክት ተስፋን፡ ብርሃንን፡ ሕይወትን ኮይኑ ክቀውም እዩ።
