ድለ

ብሴንትሮ ኣስታሊ ዝሕገዙ መንእሰያት ብሴንትሮ ኣስታሊ ዝሕገዙ መንእሰያት  (Centro Astalli )

ስደተኛታት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምሳሕ ክበልዑ እዮም

ኣብ ሮማ ብናይ ኢየሱሳውያ ኣገልግሎት ስደተኛታት "ሴንትሮ ኣስታሊ" ዝድገፉ 13 ስደተኛታት፡ ንኣቀባብላን፡ ሕውነትን ሰብኣዊ ክብረትን ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ናይ ምሳሕ መደብ ክግበረሎም እዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ንዝርከብ ማእከል ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳውያን "ሴንትሮ ኣስታሊ" ንዝድገፉ 13 ስደተኛታት፡ ቀዳም ዕለት 11 ሓምለ ፍሉይ መዓልቲ ክኾነሎም እዩ።

ምስ ካልኦት ኣስታት 200 ኣጋይሽ ብሓባር ኮይኖም፡ ነቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ዝርከብ ናይ ጳጳሳዊ መንበሪ ቤት ኣታኽልቲ ክበጽሑን፡ ንቦርጎ ስቡሕ አንተ ክርእዩን፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምሳሕ ክበልዑን እዮም። ሓላፊት ርክባት ሴንትሮ ኣስታሊ ፍራንቸስካ ኩዎሞ ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ተመኩሮ እዚ "ክብረቶም ኣብ ዘረጋግጽ ቦታ ከም ዝተቐበሉዎም ንክስምዖም" ክሕግዞም እዩ።

ኣብ ሕሉፍ ሕይወት ነፍሲ ወከፎም ናይ ዓመጽን ስደትን ዛንታታት ኣሎ። ንውሕስነትን፡ ሓድሽ መጻኢ ንምህናጽን ተባሂሉ፡ ኣብ መንጎ ዘይርጉጽነት ኮይኖም ዓዶም ራሕሪሖም ወጺኦም እዮም። እዚ ጉዕዞ እዚ በይንኻ ዝግበር ዘይኮነስ፡ ኣብ ግቡእ እዋን ሓገዝ ክህቡ ፍቓደኛታት ብዝኾኑ ሰባት ደገፍ ዘድልዮ እዩ።

ገለ ካብቶም ኣጋይሽ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካብ ናይ ኣቀባብላ ፕሮጀክትታት ‘ሴንትሮ ኣስታሊ’ እዮም ዘለዉ።

"እዚኦም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ናብ ሴንትሮ ኣስታሊ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፡ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባት ማዕጾኦም ንስደተኛታት ክኸፍቱ ንዘቕረብዎ መጸዋዕታ ብምቕባል፡ ብሃይማኖታውያን ማሕበራት ዝተዳለዉ ናይ መዕቆቢ ቦታታት እዮም" ክትብል ኩዎሞ ትገልጽ።

እቲ ጉጅለ ሰለስተ ስድራቤታትን ክልተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ካብ ላቲን ኣመሪካ፡ ሓንቲ ካብ ኤል ሳልቫዶር እታ ሓንቲ ድማ ካብ ፔሩ የጠቓልል። ኵሎም ኣብ ኢጣልያ ከም ስደተኛታት ወይ ብመሰረት ተወሳኺ ዕቝባ፡ ኣህጉራዊ ሓለዋ ተዋሂብዎም ዘሎ እዮም።


ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንቕሓት ምፍጣር

እተን ክልተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ቀደም ኣብ ሓደ ካብቶም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኣቀባብላ ማእከላት ሴንትሮ ኣስታሊ ይነብራ ነይረን። ሕጂ ድማ ኣብቲ "መስኮት፦ ዛንታታት ስደተኛታት" ዝተሰምየ ናይ ትምህርቲ መደብ ናይቲ ትካል ብምስታፍ፡ ተመኩሮአን ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ የካፍላ ኣለዋ።

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓዶም ዘጋጠሞም ስደትን ዓመጽን ንመንእሰያት ይነግራኦም እየን" ትብል ኩዎሞ። "ስለምንታይ ክሃድሙ ከም ዝተገደዱ፡ እቲ ናብ ኢጣልያ ዘብጽሖም ጉዕዞ፡ ከምኡ እውን ሕይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ ከለዉ ዘጋጠሞም ብድሆታትን ዕድላትን የረድኣ።"

መደባት ትምህርቲ ሴንትሮ ኣስታሊ
መደባት ትምህርቲ ሴንትሮ ኣስታሊ   (Centro Astalli)

ውህደት እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማ

መደባት ‘ሴንትሮ ኣስታሊ’ ንስደተኛታት ናብ ምሉእ ውህደት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ። እዚ ድማ መዕቆቢ ቦታ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስራሕን፡ ርእስኻ ምኽኣልን ንክረኽቡ እውን ይሕግዝ።

"ብዙሓት ካብቶም ስድራቤታትን መንእሰያትን ድሮ ስራሕ ጀሚሮም እዮም" ትብል ኩዎሞ። "ገሊኦም ናብ ናጻ ናብራ ኣብ ዝሰጋገሩሉ እዋን ገና ደገፍ ይረኽቡ ኣለዉ፤ ገሊኦም ግን ድሮ ብሞያ ይኹን፡ ብብሕቲ ርእሶም ክኢሎም እዮም። ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ዕላማና ወትሩ ንሰባት ናብ ውህደት ምብጻሕ እዩ።"

እቲ መስርሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ናብ ትምህርቲ ወይ ዓውዲ ስራሕ ምእታው፡ ከምኡ እውን 'ገዛይ' ኢልካ እትጽውዖ ቦታ ምርካብ፡ ኵሎም ድሕሪ እቲ ግዱድ ዝኾነ ስደት፡ ሕይወትካ ንምምራሕ ኣገደስቲ ስጉምትታት እዮም።

"ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጉዕዞ እተፈላለየ እዩ" ትብል ኩዎሞ ብምውሳኽ። "ገሊኦም መገድታት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ ግናኸ እቲ ዕላማ ወትሩ ሓደ እዩ፦ ሰባት ኣብ ካልእ ሃገር ብናጽነት ሓድሽ ሕይወት ክጅምሩ ምኽኣል እዩ።"

ሰብኣዊ ክብረት ምሕላውን ሕውነት ምኹስኳስን

እቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዝካየድ መዓልታዊ መደብ ንምስታፍ ዝቐረበ ዕድመ፡ ብቅድስቲ መንበር ቤት-ጽሕፈት ግብረ ሠናይ ኣቢሉ ዝመጸ ኮይኑ፡ እዚ ቤት-ጽሕፈት እዚ ቀደም እውን ብሴንትሮ ኣስታሊ ንዝድገፉ ስደተኛታት ኣብ ካልኦት ንጥፈታት ኣሳቲፍዎም እዩ።

ንብዙሓት ካብቶም ኣጋይሽ፡ ነቲ ናይ ጳጳሳዊ መንበሪ ቤት ንምብጻሕን፡ ‘ንቦርጎ ስቡሕ አንተ’ ንምርኣይን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብሓባር ምሳሕ ንምብላዕን ዝረኸብዎ ዕድል፡ ፍሉይ ተመኩሮ እዩ።

"ደገፍ ዝረኽቡ ተጠቀምትና ነቲ ዕድመ ብዓብዪ ሓጎስ እዮም ተቐቢሎሞ" ትብል ኩዎሞ። "ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ንዓታቶም ሳሕቲ እዩ ዝርከብ። እዚ ድማ ከም ተራ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክብረቶም ዝተፈልጠሉን ዝተኸብረሉን ሰባት ኮይኖም ከም ዝተቐበልዎም ንክስምዖም ይገብር፤ እዚ ድማ ሕውነትን፡ ተኻፊልካ ምንባርን፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንክን ምግባርን፡ ንምኹስኳስ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።"

ማእከል ሴንትሮ ኣስታሊ ንስደተኛታት ምሉእ ውህደት ክረኽቡ ይሕግዝ
ማእከል ሴንትሮ ኣስታሊ ንስደተኛታት ምሉእ ውህደት ክረኽቡ ይሕግዝ   (Centro Astalli)
11 Jul 2026, 11:22