ክቡር የነታ ሩዊዝ ብዛዕባ ግብረ-ሠናይ ናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንክቡር የነታ ሉቺዮ ሩዊዝ፡ ክሳዕ ሕጂ ዋና ጸሓፊ ብዛዕባ ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ፡ ናይቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ግብረ-ሠናይ ንጥፈታትን፡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ገይሮም ሸይሞምዎም ኣለዉ።
እቲ ብዕለት 30 ሰነ ዝተዋህበ መዝነት፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኩርያ ሮማና ይካየዱ ካብ ዘለዉ ተኸታታሊ ለውጥታት ሓደ እዩ። ብዛዕባ ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ብዛዕባ ግብረ ሠናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደስቲ መሪሕነት ረኺቦም ኣለዉ። ሞንትሰራት ኣልቫራዶ ብዕለት 2 ሰነ ናይ ብዛዕባ ማኅበራ መራኸቢታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ስሕፈት ህየንተ ኰይና ተሸይማ፡ ኣብ ወርሒ ኅዳር ከኣ ስርሓ ክትጅምር እያ። ካብ ማኅበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝኾኑ እስጳኛዊ ጳጳስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ማሪን ዲ ሳን ማርቲን ከኣ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሮም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ግብረ-ሠናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
ኣብ ላቲን ኣመሪካን ሮማን ዘለዎም ተመክሮ
ካብ ዕለት 1 መስከረም ጀሚሮም፡ ክቡር የነታ ሩዊዝ ምስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ብሓባር ከገልግሉ እዮም። ንሶም ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ማኅበራዊ መራኸቢታት፡ ገና ተራ ቤት ጽሕፈት ማኅበራዊ መራኸቢታት እንከሎ ጀሚሮም ክሳተፉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብዕለት 27 ሰነ 2015 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ከም ዋና ጸሓፊ ተሸይሞም። እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓውዲ ማኅበራዊ መራኸቢታትን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘጥረይዎ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ እዩ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣማኻሪ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ቤተ-ክርስትያን ላቲን ኣመሪካን፡ ኣቦ መንበር ማእከል ስልጠናን ዕብየትን ናይ "እኖና ቅድስቲ ማርያም ዘጓዳሉፐ" ኮይኖም ኣገልጊሎም።
ኣብ ሮማ ድማ፡ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ኣብ ክፍሊ ማኅበራዊ መራኸቢታት ይምህሩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎሪያና ከም ተዓዳሚ መምህር ኰይኖም ይምህሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኣብ ወሒ ጥሪ 2025 ዝተኻየደ ኢዮቤል ማኅበራዊ መራኸቢታት ዓለምን፡ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ኢዮቤል ዲጂታላዊ ልኡካነ ወንጌልን፡ ካቶሊካውያን ጸለውቲ ኣብ ማኅበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ምድላው ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።
ሓድሽ ተልእኮ
ኣባ ሩዊዝ እቲ ሓዲሽ መዝነቶም ብወግዒ ምስ ተገልጸ፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝሰርሑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ "ጐይታ ናብ ዝጸውዓና ቦታ ኩሉ ንምስዓብ ሕጉስ እየ" ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓባር ንዝሰርሕዎ ኵሉ ብምስጋና ዘኪሮም፣ ኣብቲ ናይ ምስረታ እዋን ብዘጋጠሙ ጸገማት ድማ ይቕሬታ ሓቲቶም።
ሓድሽ ምክትል ዋና ጸሓፊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ብዛዕባ ግብረ-ሠናይ ናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓላፊ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ማሲሞ ራሊ፡ ናይቲ ቤት-ጽሕፈት ምክትል ዋና ጸሓፊ ገይሮም ሸይሞምዎ ኣለዉ። ንሱ እውን ሓድሽ ስርሑ ብዕለት 1 መስከረም ክጅምር እዩ።
