ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዑደት ኣካይዶም ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዑደት ኣካይዶም 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዑደት ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 250 ዓመት ምምስራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 4 ሓምለ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ህንጻ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ልኡከ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብራያን ቡርች ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት መበል 250 ምምስራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14  ንህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ደሴት ላምፔዱዛ ብዘካይድዎ ጉስነታዊ ዑደት ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘለዎም ቅርበት ከም ዘረጋገጹን፡ "ቅዱስ ኣቦና ንዕድመ ልኡከ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብራያን ቡርች ብምቕባል፡ ቀዳም ምሸት ዕለት 4 ሓምለ ብምኽንያት ሃገራዊ ጽምብል ምምስራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሮማ ናብ ዝርከብ ሕንጻ ልኡከ መግንስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ዓርቢ ዕለት 3 ሓምለ ምሸት ኣብ ዋዜማ እቲ ዝኽሪ ቅዱስነቶም ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታውን ናይ ሕልናን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ንምድንፋዕ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ካብ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሓርነት መዳልያ ከም ዝሸለሞምን ኣዘካኺሩ፡ ኣብ ቺካጎ ዝተወልዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቫቲካን ነቶም ኣብ ፊላደልፊያ ማእከል ቅዋም ሃገር ንዝተኣከቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ንመበል 250 ዓመት ምምስራት  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ነቲ ህዝቢ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ መትከል ብፍላይ ድማ ንህይወትን ናጽነትን ዳግማይ ተወፋይነት ዝግበረሉ ኣጋጣሚ ክኸውን እጽልይ ቢሎም፡ "ኣምላኽ ንኣሜሪካ ይባርኽ" ብዝብል ቃል ነቲ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከም ዝዛዘሙን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ "ከም ወዲ እዛ ዓባይ ሃገር፡ ብናጽነትን ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ዝሓሸ ህይወት ክረኽቡ ዝደልዩ ተባዓት ሰብኡትን ኣንስትን እተመስረተት ከም ምዃና መጠን፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ኣዋጅ ናጽነት ዝተቐመጠ ልዑል መትከል ነታ ሃገር ብሓድነትን ፍትሕን ሰላምን ምእንቲ ክዕምብባ ኣምላኽ ንመጻኢ ኣመሪካ በረኸት ክህብ እጽሊ” ከም ዝበሉ እውን የመላኽት።

06 Jul 2026, 15:29