ድለ

ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ 'ምእንቲ ክብሪ ህይወት ደቂ ሰብ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ናይ ወርሒ ሓምለ ሓሳብ መግለጺ ኣውጺኦም፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ምእንቲ 'ክብሪ ህይወት ደዊ ሰብ' ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኩሎም ምእመናን 'ነቲ ፍሉይን ዘይድገምን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድ ሰብ ኣፍልጦ ንኽህቡን ከዕቍቡን' ድማ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን፣ ኣብዚ ወርሒ ሓምለ እዚ ንህይወት ደቂ ሰብ ኣኽብሮት ክህንቡን ክጽልዩን ተማሕጺኖም።

ትማሊ ሓሙስ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት፣ "ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸልዩ" ዘርእስታ ቪድዮ ተዘርጊሓ ኣላ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ናይዚ ወርሒ ሓሳብ ጸሎቶም፣ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ብፍቕሪ ኸም ዝፈጠረናን፣ ብምልኣት ክንነብር ከም ዝጸውዓናን ድማ ኣፍልጦ ይህቡ።

"ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ካብ መጀመርታ ህላወኡ ኣትሒዙ፣ ኽሳዕ እቲ ኣብ ምድሪ ዚገብሮ ጕዕዞ ናይ መወዳእታ እስትንፋሱ፣ ገጽ እግዚአብሔር ዜንጸባርቕ ቅዱስ ውህበት እዩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ሎሚ ነቲ ፍሉይን ዘይድገምን ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ንምሃብን ንምዕቃቡን ጸጋ ንሓትት ኣሎ" እውን በሉ።

ንህይወት ብዘይ ቅድመ ዅነት ምቕባል

'ንህይወት ብዘይ ቅድመ ዅነት ክንቅበሎ፣ ንተነቃፊነትና ብለውሃት ክንከናኸኖ፣ ከምኡ ውን ንነፍሲ ወከፍ መድረኽ ህይወት ብኣኽብሮት ክንከናኸኖን' ኣብ ርእሲኡ ውን፣ 'ነቶም ድምጺ ንዘይብሎም ብትብዓት ክንጣበቐሎም' ከም ዘደሊ ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦ ኣብ መልእኽቶም፣ ኣብ ዘይምግዳስ ወይ ኣብ ባህሊ ምህላኽ ምስ እንወድቕ፣ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ብፍቕሪ ክቡር ዝኾነ ፍጡር ክንርኢ ዘይንኽእል እንተ ዄንና ይቕረ ኺብለልና ናብ ጐይታ ተማህለሉ።

"ንህይወት ንምምራጽ ወትሩ ድሉው ዝዀነ ሓድሽ ልብን፣ ብጭቡጥ ስጕምቲ ንህይወት ዘዕቍቡ ለጋሳት ኣእዳውን ሃበና" ክብሉ እውን ጸለዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ጐይታ ንቤተ-ክርስትያኑ ህያው ምስክር ናይ ህይወት ወንጌል ክትከውን ኪሕግዛ እውን ጸልዮም፣ "ነፍሲ ወከፍ ህይወት ዝኽበረላ ዋላ ሓደ ሰብ ከም እተገለለ ዀይኑ ዘይስምዓሉን፣ ክብሪ ወድሰብ ከኣ ወትሩ ዚኽበረሉን ዚዕቈባን ክፉት ቤት" ንኹን ክብሉ ተላበዉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ብለውሃትን ብተኣማንነትን ገዛእ ርእስና ብምውፋይን፣ ንህይወት ደቂ ሰባት ከነፍቅር ክሕግዘና" ጸሎቶም ኣዕረጉ።

"ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ንምሉእ ውህበት ገዛእ ርእስና ዋጋ ኸም ዘለዎ ብቓልን ብግብርን ንዓውጅ" ክብሉ እውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እቲ ብ1844 ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጸሎት ተባሂሉ እተመስረተ  ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበር ኢየሱሳውያን ብሕድሪ እተዋህበ ጳጳሳዊ ተልእኾ እዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ጳጳሳዊ ተልእኾ፣ ከም ሓደ ናይ ሃገረ ቫቲካን ተቅዋም ገይሮም መስረትዎ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ድማ ናይ መወዳእታ ሕግታቱ ኣጽደቑ።

ኣብ ልዕሊ 92 ሃገራት ዘከብርን፣ ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ድማ መዓልታዊ ነዚ ተልእኾ እዚ ክፍጽሙ ዝደልዩ ዝሳተፍዎ መንፈሳዊ ማሕበረሰብ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ኣብዚ ተልእኾ እዚ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳባት የቕርቡ፣ ኣባላቱ  ድማ ኣብቲ ንደቂ ሰብን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዜጋጥሞም ህጹጽ ብድሆታት ኣተኲሮም ክጽልዮ ይዕድምዎም።

03 Jul 2026, 12:40