ድለ

2026.07.02 S.E. il Signor Gustavo Petro Urrego, Presidente della Repubblica di Colombia 2026.07.02 S.E. il Signor Gustavo Petro Urrego, Presidente della Repubblica di Colombia  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኮሎምብያ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኮሎምብያ፣ ጉስታቮ ፔትሮ ኡሬጎ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎምዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ኡሬጎ ተራኺቦም።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ኮሎምቢያ ኣስዒቡ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ልዑል ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ከምኡውን ምስ ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጵሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ተራኺቡ።

ብመሰረት እቶ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ ምነብር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እተገብረ ርክብን "ምሕዝነታውን ሕውነታውን" ኢዩ ዝንበረ፣ በቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኮሎምብያን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ድማ፣ ዕግበቶም ተገሊጹ ይርከብ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ርክብ "ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ሰላምን ዕርቅን ሃገራዊ ሓድነትን ንምድንፋዕ ኣወንታውን ቀጻልን ምትሕብባር" ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ብተወሳኺውን ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ፣ ኣብ ሃገረ ኮሎምብያን እትርከበሉ ዞባን ኣብ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታት ዘተኰረ ምዃኑን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሳዕቤን ግጭታት ኣህጉራውያን እተወደቡ ገበናትን ከምኡውን ለውጢ ኣከባቢያዊ ኩነታ ኣየርን ዘተኰረ ምዃኑ የመላኽት።

03 Jul 2026, 12:39