ድለ

Aftermath of earthquakes in La Guaira Aftermath of earthquakes in La Guaira  (Leonardo Fernandez Viloria)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምእንቲ ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቬንዙዌላ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ነታ ዳርጋ 3,000 ሰባት ሞቱላ፣ ኽልተ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዜሕዝን መገዲ ዝወቅዓ ሃገረ ቬንዙዌላ ዘኪቶም። ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብምኽንያት እምነቶም እተቐትሉ ቬትናማዊ ካህን ክቡር ኣባ ፍራንሲስ ኻቪየር ትሩኦንግ ቡ እውን ዘኪሮምዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ጽሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጐም ብቋንቋ እስጳኛ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ነቶም ብዕለት 24 ሰነ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዝሞቱን፣ ብሞት እቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ዝሓዝኑ ዘለዉ ቬንዙዌላውያን ዘለዎም ሓልዮትን ጥቡቕ ቅርበትን ገሊጾም። ድሕሪ እቲ ካብ ርእሲ ኸተማ ካራካስ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ፣ ማእከል ናይቲ እቲ ሓደጋ ዝዀነት ላ ጓይራ ዘዕነወ ኽልተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ከም ዘመልከትዎ፦

"ኣብ ጸሎተይ ነቶም ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድርን ኵሎም ህዝቢ ቬንዝዌላን እዝክር እየ። ኣብዚ ብርቱዕ ግዜ እዚ ጐይታ ይድግፎም" ክብሉ ድማ ኣብ ጸሎቶም ዘከርዎም።

ኣብዚ እዋን እዚ እታ ሃገር በቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘጋጠመ ሓያልን ኣዕናውን ሓደጋታት፣ ብኽልተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዳርጋ 3,000 ሰባት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ። ብዙሓት እተመዛበሉ ሰባት ገና ኣብ ጐደናታት ወይ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ይርከቡ እውን ኣለዉ፣ ኣህጉራውያን ጕጅለታት ድሕንነት ከኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተደፊኖም ዘለዉ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ምድላይ በብቝሩብ ተልእኾኦም የቋርጹ ከም ዘለዉ እውን ይፍለጥ።

 ደገፍ ንሰራሕተኛታት ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ብ1946 ዓ.ም. ብምኽንያት እምነቱ ብጽልኢ እተቐትለ ክቡር ኣባ ፍራንሲስ ዣቪየር ትሩኦንግ ቡ፣ ብዕለት 2 ሓምለ ኣብ ቬትናም ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ታክ ሳይ እተገብረ ዝክረ በዓሉ ዘኪሮም። እቲ ሥነ-ስርዓት ብብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግል ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላእለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እዩ ዝተመርሐ፣ ካርዲናል ታግለ ድማ ድማ ነቶም ካህን "ብሉጽ ሚስዮናዊ" ክብሉ መስኪሮምሎም የከቡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንህዝቢ ናይ ምክንኻን ኣብነት ገይሮም እውን ኣቕሪቦምዎ ይርከቡ።

"ኣብ መንጎ ጭቈናን ዓመጽን፣ ንመሰላት ህዝቢ ተጣበቐ፣ ንምእመናኑ ድማ ኣይሓደጎምን። ኣማልድነቱን ጸሎቱን ነቶም ሎሚ ኣብ ስደት ዘልዎ ከባቢታ ወንጌል ንዝሰብኩ ሰባት የበርትዖም ኢዩ" ክብሉ ድማ መስከሩሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ብቋንቋ ፖርቱጋል እንክዛረቡ ድማ፣ ነቶም ካብ ብራዚል ዝመጹ ነጋድያን መዘምራን መንበረ ጥበብ ሜሪዳ ቬንዙዌላ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም። ንሓያሎ ጕጅለታት ፖላንዳውያን፣ ካብ ቤላጂዮ ኣብ ቀላይ ኮሞን ካብ ሲሲሊን ዝመጹ ጕጅለታት ኢጣልያውያን ምእመናን እውን ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

06 Jul 2026, 16:35