ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ እምንቶ ኣየቋርጽን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ዝርከብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ዝገብሩሉ ጳጳሳትዊ ህንጻ፣ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚባሔር፣ ብዛዕባ ምሳሌ ዘራኢ ኣስተንቲኖም፣ ንክርስትያን ምእመናን ቃል ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ናይ ምቕያር ሓይሊ ከም ዘለዎ እውን ኣዘኻኺሮም፣ ምእመናን ከኣ ብወገኖም ኣብዚ ሓጋይ እዚ ጽሞናን ጸሎትን ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምስትንታንን ግዜን ቦታን ክህልዎም ኣተባቢዖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ብዛዕባ ምሳሌ ዘራኢ ዚገልጽ ክፍሊ ወንጌል ጥቒሶም እንከስተንትኑ፣ ኣምላኽ "ሓይሊ ፍቕሩ ኻብ ድኻምና ኸም ዚብርትዕ ስለ ዚፈልጥ፣ ዘርኢ ቓሉ ኣብ ልቢ ሰብ ካብ ምዝራእ ፈጺሙ ኣይስልክን ኢዩ" በሉ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ሰንበት ናይ ዘመነክ ክረምት ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንዝተረኽቡ ነጋድያን ኣብ ዝለገሱሎም ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ ቅዱስ ማቴዎስ ብዛዕባ ምሳሌ ዘራኢ ዝጸሓፎ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ፣ "ኣምላኽ ቃሉ ኣብ ልብና ክዘርእ እንከሎ፣ ልግስን ምትእምማንን ሓይሉን እውን ኣባና ከም ዝዘርእ" ወሲኾም ገለጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ኣዚ ክትረኽቦ ይከአል

ማእከል ናይዚ ምሥጢር እዚ ክርስቶስ ባዕሉ ምዃኑ ውን ወሲኾም ኣመልከቱ።

"እቲ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ስጋና ዝለበሰ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እግዚአብሔር ኣቦ ባዕሉ ብሞቱ ብዙሕ ፍረ ምእንቲ ኺፈሪ፣ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝዘርኦ ዘርኢ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ቃል ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብል ልቢ ኸም ዘይረክብ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ሓድሓደ እዋን "ተሪርን ምላሽ ዘይህብን ሓመድ" ወይ ከም "እተረግጸ መገዲ ከውሒ ዝመልኦ መሬት ወይ እሳዅ ዘይተቆጥቆጠ" ዝመስል ኣቓልቦኡ ዚሰርቕ ልቢ የጋጥሞ ከም ዘሎ ገለጹ። ይኹን እምበር "ንዅሉ ነገር ክልውጥ ዝኽእል ተኣምራት ፍቕሪ፣ ዝንቀሳቐሱሉን ተቐባልነት ዘለዎን ፍርያምን መሬት" ዝገብረሉ እዋናት እውን ኣሎ።

ኣስዕብ ኣቢሉውን ቅዱስ ኣቦና "እግዚአብሔር ኣቦ ኻብ ድኻምና ዝብርትዕ ሓይሊ ፍቕሩ ኸም ከም ምዃኑ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ቃሉ ካብ ምዝራእ ኣየቋርጽን እዩ" በሉ።

ኣምላኽ ነቲ ኣባና ዘሎ ጽቡቕ ነገር ይርኢ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ካብ ጽሑፋት ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብምጥቃስ፣ ዘርኢ ክበቍለሉ ኣብ ዘይመስል ቦታ ምዝራእ ዜጋጥም ነገራት ኣስተንተኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ኣብ ሕርሻ ብዙሕ ትርጕም ዘይብሉ እኳ እንተ ዀነ፣ ኣምላኽ ግን ኣብቲ "ኣኻውሕ ዝመልኦ መሬት እውን እንተ ዀነ፣ ናብ ፍርያም መሬት ክቕየር ስለ ዝኽእል" ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዝዓዪ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣምላኽ ኣብ ደቂሰባት ዘለዎ ምትእምማን፣ ኣብቲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት እተመስረተ ስለ ዝዀነ ድማ እዩ። "እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘርኣዮ ልግሲ ብገርሂ ዘይኰነስ ጥበባዊ እዩ ተግባር" በሉ። እግዚአብሔር "ሓድሓደ እዋን ንሕና ባዕልና ኽንፈልጦ ዘይንኽእል ጽቡቕ ነገር ኣብ ውሽጥና ይርኢ እዩ" ክብሉ ድማ ኣዘኻኸሩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣስዕብ ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና፣ "እቲ ንመሬት ልብና ካባና ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ጐይታ ብተኣማንነት ገዛእ ርእስና እንተ ሃብናዮ፣ መዓልቲ መጸ ንሱ ብመንነትናን መን ክንከውን ከም እንኽእልን ካብ ምእማን ኣየቋርጽን እዩ" በሉ።

ፍረ መንፈስ ምፍራይ

ቃል ኣምላኽ ብትሕትናን ብግልጽነትን ተቐባልነት ምስ ረኸበ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘፈሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም። ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብምዝካር፣ "ፍቕሪ ሓጐስ ሰላም ትዕግስቲ ለውሃት ሕያውነት ተኣማንነት ልግሲ ርእሰኻ ምግታእ" ክብሉ ድማ ዘርዚሮም።

"ዓለምና ነዚ ፍረታት እዚ ኽትመልኦን ብእኡ ኽትልወጥን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘድልያ ዘላ!" ድማ በሉ።

ናይ ክረምታዊ ዕድመ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ዘመን ክረምት ብምጥቃስ፣ ንክርስትያን መእመናን መንፈሳዊ ህይወቶም ብምምዕባል ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣተባብዕዎም ።

"ስለዚ ብፍላይ ኣብዘን ናይ ክምቲ መዓልታት ዕረፍቲ፣ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕን ንምንባብን ንምስትንታንን፣ ቦታ ንምሃብ ቈራጽነት ንግበር" ብምባል "ትርጕም ዘለዎ እዋን ጽሞናን ጸሎትን" እውን ከነተባብዕ ኣሎና ክብሉ ተላበዉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ንኣካላትን ንመንፈስን ከም ዜሐድሶምን፣ ንክርስትያን ምእመናን "ወንጌል ንምስባኽ ድሉዋትን ኣብ ምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበርክቶ ክገብሩ ከም ዘኽእሎምን" ናብ መዓልታዊ ህይወቶም ንኺምለሱ ኸም ዜዳልዎምን ድማ ገለጹ።

13 Jul 2026, 15:13