ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ጎይታ ንኣሜሪካ ይባርኽ' ዝብል መዳልያ ሓርነት ተሸሊሞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ጎይታ ንኣሜሪካ ይባርኽ' ዝብል መዳልያ ሓርነት ተሸሊሞም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ጎይታ ንኣሜሪካ ይባርኽ' ዝብል መዳልያ ሓርነት ተሸሊሞም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታውን ናይ ሕልናን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ንምድንፋዕ ናይ ምሉእ ዕድመ ተወፋይነት ምኽንያት ካብ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወሃብ ኽቡር ናይ ሓርነት ሜዳልያ ከም እተሰለሙን፡ ነቶም ኣብ ፊላደልፊያ ዝተኣከቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መበል 250 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እታ ሃገር ዝተመስረተትሉ መሰረታዊ ክብርታት ብፍላይ ድማ ህይወትን ናጽነትን ንምሕዳስ ዓቢ ዕድል ክኸውን ድማ ከም ዝጽልዩ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወርሒሚያዝያ ካብ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ልኡኻት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታውን ናይ ሕልናን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ንምድንፋዕ ዘለዎም ተወፋይነት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ 2026 ናይ ሓርነት ሜዳልያ ከም ዝሸለምዎምን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዋዜማ መበል 250 ዓመት ምምስራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መበል 38 መዳልያ ሓርነት ካብ ማእከል ሃገራዊ ቅዋም ብወግዒ ከም እተቐበልዎን እቶም ኣብ ቀዳማይ ቅዋም ኣመሪካ ንመስረትቲ ኣመሪካ ማእከል ዝኾኑ ክብርታት ምዃኖምን ብዛዕባ መስረትቲ ክብርታት እታ ሃገር ሎሚ ዘለዎ ተራን እዚ ሽልማት እዚ ድማ ንዓኦም እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኣብ ዘስተንተኑሉ መደረ "ከም ወዲ እዛ ዓባይ ሃገር፡ ብሓርነትን ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ዝሓሸ ህይወትን ዝሓልሙ ተባዓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተመስረተት፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋጅ ናጽነት ዝተቐመጠ ልዑል ዕላማ፡ ሃገር ብሓድነትን ፍትሕን ሰላምን ክኹላዕ ምእንቲ፡ ኣብ መጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በረኸት እግዚኣብሔር ክሓትት እጽንበረኩም ኣለኹ!” እንክብሉ ዕለት 3 ሰነ ናይ ሓርነት መዳልያ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ከም ዘጒልሑን፡ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ዓመታዊ ዝህቦ መዳልያ ሓርነት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት በረኸት ሓርነት ንምርግጋጽ ዝጽዕሩ ትብዓትን እምነትን ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘኽብር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዘይምንዛዕ መሰላት

ቅዱስ ኣቦና ምዉቕ ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን "ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና መብዛሕትና ንሕጊ ተፈጥሮን ንተፈጥሮ ኣምላኽን ከም መሰረት ብምግባር ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ማዕረ ከም ዝተፈጠሩን ካብ ፈጣሪ ዘይምንዛዕ መሰላት ከም እተዋህቦምን ብምግላጽ ንውሕሉልነት ናይተን ቃላት (ናይ ሃይማኖትን ሕልናን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት) ነድንቖ ኢና። መሰል ህይወትን ናጽነትን ሓጐስን ዜጠቓልል "እዚ ሓሳብ እዚ ብቛንቋ ሃያሲ ኣእምሮ እተጻሕፈ እኳ እንተ ዀነ ኣብ መወዳእታኡ በቲ ሰብኣይን ሰበይትን ብመለኮታዊ መልክዕ ከም እተፈጥሩ ዚገልጽ ዓብዪ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ራእይ ተደሪኹ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣካል ኣብ ምርዳእ እተመስረተ እዩ። ብሓቂ ኣብዚ ኢና መሰረት ሰብኣዊ ክብረት እንረኽቦ። ቅድሚ ምምስራት ዝዀነ ይኹን ሃገር ዝጸንሐን ዕላማኣ ዝዀነን ክብረት። "ብሓቂ ኣብዚ ኢና መሰረት ሰብኣዊ ክብረት እንረኽቦ። ቅድሚ መሰረት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝቕድም ክብረት ምዕቃቡ ድማ ናይ ሓቂ ዕላማኣ ኢዩ።"

መስረትቲ ሃገር ኣብ ናጽነት ዝጸንዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝሓለፈ 250 ዓመታት እታ ሃገር ንተኸታታሊ ማዕበላት ስደት ማዕጾኣ ብምኽፋት ንሳቶምን ደቆምን ንመጻኢ እታ ሃገር ንምቕራጽ ክሕግዙ ዘኽኣሎም ነቲ መስረትቲ ኣቦታት እታ ሃገር ዝነበሮም ክቡር ራእይ ንምፍጻም ጽኑዕ ድሌት ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ንሓርነት ዝነበሮ ፍቕሪ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ዝነበረ ጸልማት ሰዓታት ማለት ኣብ ክልተ ውግኣት ዓለም "ንገዛእ ርእሳ ሓሊፋ ንሓርነት ካብ ዶባታ ወጻኢ ብዓብዪ መስዋእቲ ክትጣበቐሉ" ከም ዝደረኻ ገሊጾም።

ይኹን እምበር ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ዝፈልጦ ነዚ ልዑል ክብታት ናጽነትን ፍትሕን ንዅሉ ዘንጸባርቕ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝሕግዝ መገዲ ወትሩ ቐሊል ኣይነበረን፡ ብብዙሕ መገድታት ከኣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ብድሆታት ከም ብሓድሽ ክጅመር ዘለዎ" ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ መስራቲ መትከላት ሃገር ዳግማይ ንምስትንታን ዝሕግዝ ዕድል

ቅዱስ ኣቦና ንህልውን ንመጻኢ ብምጥማት እዚ ታሪኻዊ ጽምብል እዚ ብዛዕባ መስረትቲ መትከላት እታ ሃገር እንደገና ንምስትንታን ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣመሪካ ነቲ "መሬት ናጽነትን መንበሪ ተባዓትን" ኣብ ዝብል ዝረኽበቶ መጸውዕ ብተኣማንነት ክትቅጽል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ እቲ ብመስረትቲ እታ ሃገር ዝተቐመጠ ቀዳማይ መሰል ናይ ህይወት መሰል ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ህይወት ዝተነፍጎ ሰብ ሓርነት ከስተማቕር ወይ ሓጐስ ክስዕብ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ "ህይወት ሓንቲ ሃገር ምስቲ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብኣዊ ሰብ ብመሰረት ህላወኡ ዝተዋህበ ክብሪ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ብኹሉ መልክዕን ኩነታትን ንህይወት ወዲ ሰብ እትህቦ ዋጋ ብዕምቆት ዝተኣሳሰር’ዩ" እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህያብ ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ምሕላው

እቲ ባህርያዊ ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ፡ ንወለዶታት ነቲ መስተንክር ግብሪ ፈጣሪ (መዝ 139፡14) ከመስግኑን ኣብ ቅድሚ ክንድዚ ዝኣክል ክቡር ህያብ ብኣኽብሮት ደው ክብሉን ከም ዝመርሖም ድማ ኣመልኪቶም፡ "ልክዕ እዚ ኣኽብሮት'ዚ እዩ ክንቅጽሎ ዘሎና። ልቢ ውልቀሰባት ዝድርኽን ነቲ ህያብ ካብ ዝጽንሰሉ ህሞት ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ኣፍልጦ ዝህብን ዝሕሉን ሕግታት ዘነቓቕሕን እዩ - ቢሎም - ነቶም ዝተኣከቡ ከም ሓለውትን መጋበርያን ናይቶም ንኽከናኸንዎም ዝተዋሀብዎም ሓላፍነቶም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ግብረ ገባዊ ዕብየት ሓደ ህዝቢ ምዕቃን

"ኣብዚ መዳይ'ዚ፡ ግብረ ገባዊ ዕብየት ሓደ ህዝቢ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ንህይወት ኩሎም፡ ብፍላይ ድማ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕትን ክብሮም ኣብ ሕቶ ዝኣቱን ናይ ምድጋፍ፡ ምሕላውን ምኽባርን ዓቕሙ እዩ ዝግለጽ። . . . ናጽነት ወትሩ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዶባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓድሽ ጅማሮ ዝደልዩ ኣዝዮም ኣኽቢሮም ዝርእይዎ መሰረታዊ ስርዓታት ምዃኑ ኣንጸባሪቖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሓስበ ተስፋ ዘመልክት ኢዩ።

"ናይ ሓቅን ናጽነትን ድሌት፡ ከምኡ'ውን ባዕሉ ሓጎስ ምድላይ፡ ንኹሉ ወለዶታት ትርጉም ህይወት፡ ናይ መወዳእታ ዕላማና፡ ብሓቂ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝምልከት መሰረታዊ ሕቶታት ክሓቱ ይድርኾም'ዩ፡ ሕያዎት ልብታት ድማ ነዞም ሕቶታት ብቕንዕና ክምልሱ ክጽዕሩ ግቡእ'ዩ።  እዚ መልስታት እዚ ንኣንፈት ህይወትና ዝቐርጽ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሃይማኖታዊ ናጽነት ምድጋፍ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንነዊሕ እዋን ሰባት ብዘይ ፍርሒ ይኹን ብግዴታ ንውሳነታት ሕልና ክኽተሉ ዘድሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክትጣበቕ ጸኒሓ እያ ብምባል ቅዋም ሕቡራት መግንስታት ኣሜሪካ ኣብ መጀመሪያ ዘንበሮ ሕጊ ኣመልኪቶም። እዚ ናጽነት እዚ፡ ነቲ እምነት ዝፍጠረሉን ሕልና ንውሳነታት ልቢ ወዲ ሰብ ዝመርሓሉን ውሽጣዊ ዓውዲ ይሕሉ። ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም እምነቱ ናይ ኣምልኾን ስንግደትን መሰልን ናይ ውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን ማሕበራትን እምነቶም ብግልጺ ናይ ምንባር መሰል ይሕሉ። እዚ ባህሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ዘተን ምትሕብባርን ኣብ ምድንፋዕ ናይ ሓባር ረብሓን ዘሀብትም ክትዕን ኣብቶም ንታሪኽ ሃገር ዝቐረጹ ዓበይቲ ግብረ ገባውን ስነ - ምግባራውን ጉዳያት ከምዘዕበዩ ኣጽኒዖም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሰላም ተወፋይነት

እዚ ልምዲ እዚ ኣብ ህዝባዊ ዘተን ክትዓትን ሚዛናውነት ንእተፈላለየ ኣረኣእያታት ብምኽባር ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሰላምን ዕርቅን ንምድንፋዕ ሓባራዊ ባይታ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕሪ ፍረ ከፍሪ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም - ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣመሪካ ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ሃይማኖታትን ቋንቋታትን ከም ዝመጹ ብምዝካር፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምስዓብ ሓባራዊ ባይታን ብርታዐን ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። "ንመስረትቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘነቓቕሑ መትከላት፡ ከምቲ ዘለዉዎ ኣብ ሓቂ ሰብኣውነት ሰብ ሱር ዝሰደደ፡ ኣብ ሓደ ዕላማ፡ ናይ ሓባር ሕልሚ ኣጣሚርዎም እዩ። ሓድነት ነቲ ሕልሚ ሓይሊ ኣለቂሑ፡ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወሊዱ። E pluribus unum — ካብ ብዙሓት፡ ሓደ! ሓደ ህዝቢ ንኽዕምብብ ብግዝያዊ ዕላማታት ጥራይ ዘይኮነስ ብነባሪ ዕላማ ክጥርነፍ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ክብሪ፡ ማዕርነትን ኣብ ኣዋጅ ናጽነት ዝተቐመጡ መሰላትን

"እቲ ሎሚ እነስተንትኖ መትከላት - ሓባራዊ ሰብኣዊ ክብረት ማዕርነት ከምኡውን ኣብ ኣዋጅ ናጽነት እተመስረተ መሰላትን - ወትሩ ምንጪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነትን ንህሉውን ንመጻእን ዝመርሕ ኰዀብ ይኹን። ስለዚ ነዚ ሽልማት እዚ ብምቕባል "እዚ መበል 250 ዓመት ምስረታ እዛ ዓባይ ሃገር ነቲ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰላምን ምዕባለን ኣኽቢራ ክትርእዮ ዝገበራ ብለጋስን ሕያውነትን እትፍለጥ ሃገር ንዝገበራ ክብርታት ዘለዋ ተወፋይነት ንምሕዳስ ኣጋጣሚ ክኸውን እጽሊ! - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ህሉውን መጻእን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ "ነቲ ባዕሉ ምንጪ ናይ ሓቂ ናጽነትን ነባሪ ሰላምን ሰላም ንዝስሙ ኣማዕቍይቦም -  "ኣምላኽ ንኣመሪካ ይባርኽ" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 Jul 2026, 16:56