ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ላምፐዱዛ፡ ዓቢ መከራ ኣብ ዝገጥመና፡ ሱር በተኻዊ መልሲ ክንህብ ኣሎና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 4 ሓምለ 2026 ናብታ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ እትርከብ ደሴት ላምፔዱሳ ተጓዒዞም ኣብ ጸገም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘተኰረ ተኸታታሊ ዓሚቝ ምሳልያዊ ምብጻሕ ከም ዝገበሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ድሕሪ ምምራጾም ንመጀመርታ ግዜ ካብ ሮማ ወጻኢ ዝገበርዎ ጕዕዞ ቅዱስነቶም ልክዕ 08፡54 ደቓትቕ ንግሆ ኣብታ ደሴት መዲተራነያን ምስ ዓረፉ ንተቐማጦ እታ ደሴትን ነቶም ብላምፔዱሳ ዝሓለፉ ብዙሓት ስደተይናታትን ነቶም ነቲ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ህይወቶም ዝሰኣኑን ልባዊ ቅርበቶምን ጸሎትም ከም ዘረጋገጹን ኣመላኺቱ፡ ፈለማ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መቓብር በጺሖም፡ እዚ ድማ "ኣስላምን ካቶሊካውያንን፡ መናእሰይንን ንዓበይትን፡ ጸለምን ጻዕዳን፡ ኩሎም ናጽነት ኣብ ምድላይ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዝሞቱ" ዝተቐብሩሉ ስፍራ ዘጠቓልል እዩ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብታ ብባሕሪ ንዝመጹ ተስፋ ዝገልጽ "ኣፍደገ ኤውሮጳ" ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ሓወልቲ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፡ ኣብ ፋቫሮሎ ፒየር ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ብስም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተሰምየ ጽላት ከም ዝባረኹን፡ ቀጺሎም ኣብ ሜዳ ስፖርት ላምፔዱሳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ኣፍሊጡ።
ቅርበትናን ሓልዮትናን ዝጽውዑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ሎሚ ላምፔዱዛን ጎረቤታ ደሴት ሊኖሳን ኣብ ወንጌል ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኣብ ዝወስድ ሓደገይና መንገዲ ከም ዝርከባ ኣስተንቲኖም፡
"ኣብዚ ሓደ ጥራይ ዘይኮነስ ኣሽሓት ደቂ ሰባት ኣብ ኢድ ናይ ገበን ጉጅለታት ወዲቖም፡ ዘለዎም ኩሉ ተምዝሚዞም ብጭካነ ተቐጥቂጦም ኣይ ህልው ኣይ ሙዉት ኮይኖም ዝተሓደጉ ዝረኣኹም ኢኻትኩም።
እቲ ባሕሪ ንህይወት ብዙሓት ካልኦት ሰባት ከም ዝቐተለ ገሊጾም፣ "እቶም ኣብ ትጽቢት ዚገበሩሉ ቦታ ኺበጽሑ ዘይከኣሉ" ህላወኦም "ካብ እቶም ቈላሕታን ሓገዝን ዜድልዮም ሰባት ዚንእስ ኣይኰነን . . . ብርግጽ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ወይ ርእየተ ዓለማዊ እምንቶ ምስቶም ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ሰባት ኵሉ ነገር ዝተመንዝዑ ቀረባኦም ክንክውን ንሕተት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ብቕጽበት ዝፍጸም ነገር የለን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ላምፐዱሳ ስለቲ ዝገበርዎ ምትሕብባር ምስጋናኦም እንከቕርቡ፡ "ኣሕዋትን ኣሓትን ላምፐዱሳ ስለቲ ብዙሓት ካባኻትኩም ዘርኣይዎ ሓድነት ስለቲ 'ተኣምር ርሕራሐ' እንደገና ስለ እተፈጸምዎን ኩሉ ንኸመስግነኩም እየ ኣብዚ ዝመጻእኩ . . . ኣሕዋተይን ኣሓትን አመስግነኩም፣ ከመይሲ ምስ ካልኦት ክትራኸቡ ኸለኹም ኣቕሊልካ ዚርአ ነገር የልቦን። ብኡንብኡ ዚመጽእ ነገር የለን።"
እቶም ናብዚ ናይ ርሕራሐን ምሕረትን ተግባራት ክኣትዉ ዝፈቕዱ ሰባት ብእተፈልየ መገዲ ክነብሩ ከም ዝጅምሩ ብሓድሽ መገዲ ዜጋታት ክዀኑ ከምኡውን ብእተፈልየ መገዲ ክሰርሑ ከም ዝጅምሩ ድማ ገሊጾም። በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ዮሃንስ መበል 23 ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምኡውን ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዝሓስብዎ "ስልጣነ ፍቕሪ" ብሓቂ ኺመጽእ ከም ዚኽእል ኣረጋጊጾም፡
"ምስ ብዙሓት ነብያትን ሰማእታትን ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ሓቢሮም ናብ ሓድሽ ምጅማር መገዲ ብምኽፋት ንመዓሙቝ ልቢ ወድሰብን ንዜስካሕክሕ ውግእን ምላሽ ክህብ ዝኽእል ምሕረት ጥራይ ምዃኑ ተረዲኦም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጭቡጥ ስልጣነ ፍቕሪ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ሕጂ ኣብ መንኵብ እዞም ዓርሞሸሻት ደው ኢልና ንስልጣነ ፍቕሪ መንፈሳውን ባህላውን ሕጋውን ፖለቲካውን ቍጠባውን መግለጺ ኽንህበሉ ዘሎና ሽሕ ዓመት ኢና በጺሕና ዘሎና - ቢሎም - "እቲ እንርእዮ ዘለና ኸቢድ ስቓይ ነቲ ሱር ዝሰደደ ባህርይ እዚ ጻውዒት ንኽንርድኦ ይሕግዘና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
