ር. ሊ. ጳ. ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ምስ በጽሑ ንዝተቐበልዎም ብዙሓት ሰባት ሰላምታ ለጊሶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ሰገነት ሓዋርያዊ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሰንደቕ ዕላማ፣ ነቶም ኣብ ኣደባባይ ካስተል ጋንዶልፎ እተኣኪቦም ዝንበሩ ምእመናን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝመጹ ዘመልክት ኢዩ ዝንበረ። ደድሕሪ እቲ ቀዳም ዕለት 4 ሓምለ ናብ ከተማ ላምፐዱሳን ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ትማሊ ሰንበት እውን ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ጽሎት መልእኣከ እግዚአብሔር፣ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቐትሪ ናብታ ኣብ ዞባ ላዚዮ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ካስትል ጋንዶልፎብ ተጓዕዙ። ኣብኡ ድማ ክሳዕ ሰኑይ ዕለት 27 ሓምለ ክረምታዊ ዕረፍቲ ከካየዱ ምዃኖም እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ሓለቃ ቤተ ጳጳስ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣገዳሲ ናይ ምርኻብ ህሞት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰገነት እቲ ሓዋርያዊ መንበሩ ዀይኖም፣ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ፣ ነቲ ልማዳዊ ናይ ወርሒ ሓምለ ዘዕርፍሉ ክረምታዊ ግዜ ብሃንቀውታ ዝጽበዩ ዝነበሩ ዝተሰምኦም ሓጐስ ንምግላጽ ሒደት ቃላት ወሰዱ። "ብሩኽ ምሸት ካስቴል ጋንዶልፎ!" ብምባል ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መጀመርታ ቃል ሰላምታ ኣካፈልዎም። "ክብረት ይሃበለይ፣ ኣብዚ ኣብ መንጎኹም ብምርካበይ ከምኡውን ነተን ቀጺለን ዘለዋ ሒደት ሰሙናት ቍሩብ ዕረፍቲ ቍሩብ ጸሎት ቍሩብ ንባብ ከካየደለን ከምኡውን ተስፋ እገብር ኣብዚ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ቍሩብ ናይ ስፖርት ግዜ ከሕልፍ ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ! ብሓባር ምእካብ ኵሉ ሳዕ ኣገዳሲ እዋን እዩ፣ ኵላትኩም ኣብዚ ብምህላውኩም ድማ ሕጉስ እየ። ስለ ዝገበርኩምለይ ተቕባል አመስግነኩም፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝዀንኩምኒ ድማ አመስግነኩም" ክብሉ ቃል ምስጋና ኣካፈልዎም።
ናይ ጳጳስ ጸሎት
እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ህዝቢ "እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!" እናበሉ ብጣቒዒትን ዕልታን እንከሰንይዎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምናልባት እውን ኣብ "ካልእ ኣጋጣሚ" እንደገና ኸም ዝረኽብዎም ብምግላጽ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም። "ኵሉ ሳዕ ጸሎተይ ከረጋግጸልኩም እደሊ ኣለኹ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ሰሙናት ... ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ይኹን!" በልዎም።
ዕረፍቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ብዕለት 13 ሓምለ 2025 መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉሉ ቍምስና ቅዱስ ቶማስ ቪላኖቫ እውን ሰላምታ ኣቕሪቦም። ኣብዚ እዋን ዕረፍቲ እዚ ዅሎም ሓፈሻዊ ንጥፈታት ከምኡውን ናይ ብሕቲ ዝኾኑ ፍሉያት ርክባት ቅዱስነቶም ኣቖሪጾም ኣለዉ። ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ረቡዕ ዕለት 5 ነሓሰ ክቕጽል ኢዩ። ኣብ ብምሉኡ እዘን ቀጺለን ዘለዋ ሰናብቲ ወርሒ ሓምለት ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ፒያሳ ዴላ ሊበርታ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ዝርከብ ከካየዱ ኢዮም።
