ድለ

FILES-OMAN-IRAN-US-ISRAEL-WAR FILES-OMAN-IRAN-US-ISRAEL-WAR  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንፋሳት ኲናት ተስፋ ከየቝርጹና፣ናብ ዘረን ምርድዳእን ንመለስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ፒያሳ ዴላ ሊበርታ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጐም ቃል ሰላምታን ምሕጽናታን ኣካብፈሉ፣ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ቅልውላው ምልስ ብምባል ድማ ናብ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ከነተኵር ተማሕሲኖም። ከምኡ ውን ሰንበት ዕለተ ባሕሪ ከም ምዃኑ፣ ምስ ኵሎም ባሕረኛታትን ሰራሕተኛታት ወደብን ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ገሊጾም፣ እዚ ኸኣ ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ወተሃደራዊ ውጥረት ዝያዳ ኣሸጋሪ ዝዀነ ናይ ስራሕ ኵነታት ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቲ ፖላንዳውያን ምእመናን ናብ ጃስና ጎራ ዝገበርዎ ባህላዊ ማርያማዊ ንግደት ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ናይቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝጸንሓሉ ክረምታዊ ዕረፍቲ፣ ኣብ ፒያሳ ዴላ ሊበርታ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጐም፣ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ናብቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝለዓለ ስቓይ ዝወርዱሉ ዘሎ፣ ብዕጥቃዊ ግጭታት እተጐድኡ ሓያሎ ዞባታት ዓለም ኣተኪቶም ተዛረቡ። ቅዱስነቶም ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካይርድ ዘሎ ስምምዓት፣ ተስፋ ከም ዝገርብሩ ድሕሪ ምግላጽ፣ ውጥረት ከም ብሓድሽ እተላዕለሉ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቐጻሊ ቅልውላው ጠቒሶም። ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እውን ከም ዘተሓሳሰቦ ገለጹ፣ እዚ ድማ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብ ካርኪቭ ድኒፕሮ ኪየቭ ከምኡውን ኦዴሳ እተፈጸመ ብርቱዕ መጥቃዕትታት ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ።እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩክረይን ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ካልእ ክፋላት ዓለም፣ ናይ ውግእ ንፋስ ከም ብሓድሽ ይነፍስ ኣሎ፣ ዓመጽን ራዕድን ሞትን ይዘርእ ከም ብሓድሽ ድማ ንብዙሓት ንጹሃት ሰባት ይጸልዎም ኣሎ" በሉ። ናይ ሮማ ጳጳስ ንሰባት ተስፋ ኸይቈርጹ ኣተባብዕዎም፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ነባሪ ዕርቂ ንምምጻእ ዘኽእል እንኮ መገዲ ናብ ዝርርብን ምይይጥን ክምለሱ ድማ ተማሕጸንዎም። "እዚ ንፋሳት እዚ ተነቃፊ ዝመስል እኳ እንተ ኾነ፣ ነቲ ሃልሃልታ ተስፋን ሰላምን ኬጥፍኦ ኣይንፈቅድ። ኣብ መገዲ ዝርርብን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ክንጸንዕ ተስፋ እገብር። ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ክመርሕ ዝኽእል እዚ እንኮ መገዲ እዚ ኢዩ፣ ህዝብታት ብዕርቅን ሓባራዊ ድሕንነትን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ከኽብሩሉ ዝኽእሉሉ ድማ ኢዩ" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ምእንቲ ባሕረኛታት እተጸለየ ጸሎት

ኣብታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንምእመናን ምእንቲ እቶም ኣብ ባሕሪ ዚነብሩን ዚሰርሑን ክጽልዩ እትዕድመሉ መዓልቲ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ውግእ ኣብቲ ባሕረኛታት ዜጋጥሞም ዘሎ ኣጸጋሚ ዅነታት ስራሕ ዘሕድሮ ጽልዋ ኸም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም።
"ሎሚ ሰንበት ባሕሪ" እዩ። ሓሳበይ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሳን ሰራሕተኛታት ወደብን ካብ ፍቑራት ስድራቤትም ተፈልዮም ሓድሓደ እዋን ድማ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ግጭታት ብፍርሂ ዝፍለጥ እኳ እንተዀነ፣ ብትዕግስትን ህዱእን ጻዕሮም ንግድነታት ህይወት፣ ብዙሓት ህዝብታትን ዘቐጸሉ ዘለዉ እዮም። ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ጕዕዞ ባሕሪ ናብ ቸስቶቾዋ እውን ዘኪሮም፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ፖላንድን ኣብ መላእ ኣውሮጳን ኣዝዩ ኣገዳሲ መግለጺ እምነት እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ነጋድያን ነቲ ውሩይ ኣይቆና እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘቸስቶቾዋ ወይ እታ ጸላም እመቤትና ንምስላም፣ ናብ ቤተ መቕደስ ገዳም ጃስና ጎራ ይኸዱ እዮም" ክብሉ መስከሩ። ኣብ መወዳእታ ስለ እኦትም ብዙሓት ፖላንዳውያን ምእመናን ምስ ኣይቆና ዘጃስና ጎራ ኣብ ዝግበር ዓመታዊ ንግደት ተጋቢኦም ከም "ሚስዮናውያን ደቀ መዛሙርቲ" መጠን ሕጉሳት መሰኻኽር ወንጌል ምእንቲ ኪዀኑ እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።

13 Jul 2026, 15:14