ር. ሊ. ጳ. ምስ 200 ድኻታት ሮማ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ምሳሕ ክበልዑ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀዳም 11 ሓምለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ኣስታት 200 ድኻታት፣ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ጳጳሳዊ ስፍራ ኣታኽልቲ ካስቴል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
እቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ምስ ጳጳስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተበግሶ፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕግ ክጅምር ኢዩ፣ ቀጺሉ ድማ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መደረታትን መዘናግዕን፡ ኣብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ዝገበር ዑደትን ከምኡውን ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ብምስታፍ ክኻየድ ኢዩ።
እቲ ርክብ እዚ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2025 ዝጀመረ ተበግሶ እተመስረተ ኮይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስቶም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ካብ ሰበኻታት ኣልባኖ ዝመጹ ድኻታት ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ምስ ኣካፈሉ ኢዮም። እዚ መደባት እዚ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፣ በቲ ንምዕባለ ውጥን ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ዘመሓድር ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ዓመታዊ ዝካይረድ ፍጻሜ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንድኻታትን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ከምኡ ውን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ሰባትን፣ ኣብ ጽባቐ ናይ ተፈጥሮ ዝዘናግዑሉ መዓልትን፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽራኸቡ ኣጋጣሚ ዝረክቡሉን ኮይኑ፣ ካብ እተፈላለየ ሰበኻታት ክዕደሙ ኢዮም።
ናይዚ ዓመት እዚ መደባት ከአብ ብማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ኣገልግሎት ግብረ ሠናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ከምኡውን ብሰበኻ ሮማ ብሕብረት እተሰናደወ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መላእ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ንዘለዉ ተነቀፍቲ ኣካላት ሕብረተሰብን ዘሰንይዎም ትካላትን ውድባትን ቤተ-ክርስትያን ዘጠመር መደባት ውን ክኸውን ኢዩ።
ሓደ ተልእኾ
ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ልዑል ካርዲናል ፋቢዮ ባጂዮ ከም ዝገለጽዎ፣ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ "ሓልዮት ፍጥረትን ክንክን ደቅሰባትን ሓደ ተልእኾ ምዃኑ" ንምርግጋጽ እዩ ተፈጢሩ ይብሉ።
ነዚ ተበግሶ እዚ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፣ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ካልእ ስጕምቲ ከም ምዃኑ ገይሮም ይገልጽዎ፣ እዚ መደባት እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ንሰብኣዊ ክብሪ "ንምስማዕን ተስፋ ንምሃብን" ኣብ ዝሓትት ቦታ ንኽትህሉ ዘለዋ ጸዋዕታ ከም ዘረጋግጽ ገለጹ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ኣመሓዳሪ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ከም ዝመልከትዎ፣ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ተበግሶ ሓቀይና ልግሲ "ብምቕራብን ብምርኻብን ብምክፋልን" ከም ዝግለጽ ዘጕልሕ ምዃኑ ይገልጹ።
"ቤተ-ክርስትያን ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ማእከል ከተእትዎም እንከላ፣ ንወንጌል ከም ዝርአ ትገብሮን፣ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ካብ ልቢ ኣምላኽ ኣብ ወጻኢ ከም ዘየለ ድማ ትምስክር" በሉ።
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጠቕላሊ ዓቓቤ መንበር ናይ ሰበኻ ሮማ ልዑል ካርዲናል ባልዳሳረ ሬና፣ እቶም ዕዱማት መዓልታዊ ብቍምስናታትን፡ ብማሕበር ካሪታስን ከምኡውን ኣብ መላእ እታ ኸተማ ብዝርከባ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራውያን ውድባትን ዝስነዩ ሰባት ምዃኖም ገለጹ።
"ምስ ቅዱስ ኣቦና ምርኻብ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕድጋት ምሕበረ ሰብ ዘለዉ ሰባትም፣ ናብ ማእከል ሕብረተሰብ ይመልሶም" ብምባል፣ ብምሉኡ ማሕበረሰብ ክርስትና ናይ ምቕባል ሓላፍነት ክቕበል ጻውዒት ዘቕርብ ከም ምዃኑ እውን ገለጹ።
እቶም ኣዳለውቲ እቲ ተበግሶ ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ መደባት እዚ ንተልእኾ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ዘንጸባርቕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንፍጥረት ሰብኣዊ ምዕባለን ክርስትያናዊ ምስረታን ብጭቡጥ ተመክሮታት ምርኻብን ተሳትፎን እምነትን ብሓባር ዝኣዩሉ ስፍራ ከም ምዃኑ ውን ዘንጸባርቕ ኢዩ።
እዚ ፍጻመ እዚ ብደገፍ ብዙሓት ካቶሊካውያን ሰብ ግብረ ሰናይን፡ ማሕበረሰባት ቁምስናታትን፡ ወለንተኛታት ውድባትን ኣብ መላእ ከተማ ሮማ ንተነቀፍቲ ንዝዀኑ ሰባት ዘገልግል፣ ከምኡውን ምስተን ነቲ ኣጋጣሚ ቍርሲን ምሳሕን ዝወፈያ ናይቲ ከባቢ ትካላት ብምትሕብባር ክካየድ ተኻኢሉ ኣሎ።
