ድለ

2026.08.12 Udienza Generale 2026.08.12 Udienza Generale   (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሊጡርጊያዊ ዘመን ንዕዮ ድሕነት ክርስቶስ ዳግም የሐድሶ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ሊጡርጊያዊ ዘመን ኣስተንቲኖም፣ ንዕለተ ሰንበት ከም "መሰረታን ሕመረት" ገይሮም ብምግላጽ ድማ፣ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዱስ ቍርባን ብንጥፈት ክሳተፉ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ ናይ ጉባኤያዊ ቅዋም ዝኾነ ሰነድ ቅዱስ ጉባኤ ዘተኰረ ኣስተንትኖ ብምክፋል፣ ነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣስተምሂሮም

ቅዱስነቶም ዑደት ናይ ክርስትያናዊ በዓላት ከም 'ሊጡርጊያዊ ዘምን' ምጥቃስ፣ ሳላ ዕዮ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣበ ምኔት ፕሮስፐር ገራንገር (1805-1875) ኣብ ቛንቋ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ሸፈነ ከም ዝረኸበ ብምግላጽ ኣስተምህሮኦም ጀመሩ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቡና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣

ሓምሻይ ምዕራፍ ናይ ናይቲ ጉባኤያዊ ቅዋም ዝኾነ ሰነድ ቅዱስ ጉባኤ (Conciliar Constitution Sacrosanctum Concilium) ንሊቱርጊያዊ ዘመን እተወፈየ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ፣ ፍረ ነገር ናይዚ ሎሚ ክንርእዮ ዘሎና ክፍሊ ድማ፣ ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዘለዎ ዋጋ ንምግላጽ ክኸውን ኢዩ።

ብቐዳምነት እዚ ዑደት ክርስትያናዊ ክብረ በዓላት ከም 'ሊጡርጊያዊ ዘመን' ጌርካ ዝግለጸሉ መገዲ ኣብ ቋንቋ ቤተክርስቲያን ኣስፋሕጊሑ ዘሎ፣ ሳላ ዕዮ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣበምኔት ፕሮስፐር ገራንገር (1805-1875) ኢዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ኣብታ “ማእከላዊ እግዚአብሔር” (Mediator Dei) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከም ዝጸሓፍዎ፣ "ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ፍጻመታት ዝሑልን ህይወት ዘይብሉን መግለጺ ወይ ከኣ ብዛዕባ ናይ ቀደም መዋእል ቀሊልን ተራን ዝኾነ ጸብጻብ ኣይኰነን። ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ዝነብር ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ኣብዚ ድማ ነቲ ኣብ መዋቲ ህይወቱ ብፍቕሪ ዝጀመሮ ዓብዪ ምሕረት ዝመልኦ ጕዕዞ ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ፣... ንሰባት ምስጢራቱ ኸም ዚፈልጡን ብእኡ ኸም ዝነብሩን ንምፍጻም ዝደልዮ ንድፊ እዩ ዚገብር ዘሎ። እዚ ምስጢራት እዚ ወትሩ ህሉውን ንጡፍን እዩ" (165) ክብሉ ይገልጹ። ስለዚ ሊጡርጊያዊ ዘመን ነቲ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ዝፈጸሞ ናይ ምድሓን ዕዮ፣ ብቐጻሊ ከም ምሕዳስ ጌርካ ክውሰድ ኣለዎ። በዚ ዘመናት እተኸፋፈለ ዑደት ክትጐዓዝ ከላ ቤተክርስትያን፣ ኵሎም ምእመናን ብጸጋኡ ምእንቲ ክምልኡ ምስ ናይ ጐይታ ናይ ምድሓን ተግባር ትራኸብ (ቅዱስ ጉባኤ 102 ርአ) ።

እቲ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ምርኻብ፣ እቲ ቤተ-ክርስትያን ወትሩ እትስዕቦ ዕላማ እዩ፣ እዚ ድማ ንጽምብል ፋሲካዊ ምስጢር ኣብ ማእከል ነፍሲ ወከፍ ህሞት የቐምጦ።

ስለዚ ኣበው እዚ ጉባኤ፣ "መሰረትን ሕመረትን ናይ ምሉእ ሊጡርጊያዊ ዘምን" ሰንበት ኮይና፣ "ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናይ ሊጡርጊያዊ ጽንብላት" ከም ምዃና ድማ ይርድኡ ነበሩ (ቅዱስ ጉባኤ 106)። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናዊ ቛንቋታት ድማ ስማ "dies Domini " ማለት "መዓልቲ ጐይታ" ምዃና ይሕበር። ኣብዛ "መዓልቲ ጸሓይ" ዕለተ ሰንበት (Sunday, Sonntag) ተጠቒሱ ዘሎ ትርጉም እውን ከይተረፈ እቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ምትእስሳር ከረድኣና ይከኣል እዩ፦ ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ኣማናዊ "ጸሓይ ጽድቂ" እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ “ዕለተ እግዚእ” (Dies Domini) ዘርእስታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም (31 ግንቦት 1998)፣ ሰንበት መዓልቲ ጐይታ፡ መዓልቲ ቤተክርስትያን፡ መዓልቲ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ "ዕለተ ዕለተ" ምዃና ይምሕብሩ። ዕለተ ሰንበት ሰሙናዊት በዓለ ትንሳኤ ስለ ዝዀነት፣ ነታ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ዝተንስኣላ መዓልቲ ንምዝካርን፣ ንህሉው ግዜ እትገልጽን መዓልቲ እያ። … ካብ ትንሳኤ ዝመንጨወትን ከም ካብ ሰብኣዊ ግዜያት እትቖርጸት ፍላጻ ንግዜን ንኣዋርሕን ንዓመታትን ንዘመናትን እትመርሕን ናብ ዕላማኦም ማለት ናብ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ እተመልከት ቀስቲ ኢያ። ሰንበት ጽላሎት ናይታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ማለት  መዓልቲ ምጽኣት እያ" (75)፣ ንሳ ድማ እታ ኵላትና ካብ ሞት እንትንስኣላ ዕለት እያ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መብል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መብል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ንዕለት ሰንበት ንምቕዳስ መሥዋዕተ ቅዱስ ቍርባን ምዕራግ ኣገዳሲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ምስማዕን፣ ካብ ቅዱስ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምቕባልን፣ ብመሰረት እዞም ኣበው እዚ ጉባኤ ዝገለጽዎ ድማ፣ ብሓድነት ምእካብ የጠቓልል  (ቅዱስ ጉባኤ 106 ርአ)፣ እዚ ማለት ከአ ናይ ምእመናን ሓጐስ ዝመልኦ ምትእኽኻብ ማለት እዩ። ኣብዚ ጉባኤ ምእመናን እዚ፣ ማሕበረሰብ ክርስትን ነቲ ምስ ጐይታ ዘለዎም ሕብረት ብንጹር ይገልጹ፣ ናይ ክርስቶስ ምዃኖምን፣ ንቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ተኣማንነትን ድማ ይምስክሩ። እዚ ኣኼባ እዚ ሓቀይና ህላወ ከም ምዃኑ፣ ብምናባዊ ዝኾነ ህላዌ (virtual presence) ጥራይ ክትካእ ኣይክእልን እዩ፣ ወይ ከኣ ናብ ዘይንቱፍ ርክብ ክንኪ ውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጉባኤ ምእመናን ብንጡፍ ተሳትፎ ኣሕዋትን ኣሓትን እዩ ዝፍጸም፣ ንሳቶም ከኣ "ነቲ 'ብትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ናብ ህያው ተስፋ ከም ብሓድሽ ዝወለዶም' ንኣምላኽ ምእንቲ ኬመስግኑ ኢዩ" (1 ጴጥ 1 3) ።

በዚ መዳይ እዚ እቶም ኣብ ዕለተ ሰንበት ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ክወስዱ ዘይክእሉ ሰባት እውን ከይተረፉ፣ ኣብ ቅዱስ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ኽሳተፉ ኵሉ ሰብ ነቲ ዝበለጸ ዅነታት ከናዲ እምሕጸነኩም ኣሎኹ።

ፍቑራት ኣሕዋተይ፣ እቲ ብዕለተ ሰንበት ዝተኣልመ ሊጡርጊያዊ ዘመን፣ እምነትን መንፈሳውነትን ቤተ-ክርስትያን እተኣሳሰረሉ ባህ ዘብል ታሪኽ ኣለዎ። እወ ካብ ካልኣይ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣትሒዙ ሰሙናዊ በዓለ ትንሳኤ፣ ምስቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ትንሳኤ፣ "ኣዝዩ ኽቡር ዝኾነ ክብረ በዓል" (SC, 102) ኮይኑ ይኸብር ነበረ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣዝዩ ዜሐጕስ ዘመነ ጰራቅሊጢስ ንሓምሳ መዓልታ ዝዝርጋሕ ዝዛዘም፣ ብዘመነ ጾም ከኣ ብንስሓ እንዳለወሉ ዘመን እዩ (ቅዱስ ጉባኤ 109)። እቲ ጸኒሑ እተመስረተን ኣብ ዘመነ ፋሲካ መሰረት ዝገበረን ዘመነ በዓለ ልደት ምምዕባል፣ ንምስጢረ ሥጋዌ ቃል ኣምላኽን ልደቱን ንዓለም ንምግላጽን ዳግም ንምዝካሩን ኣኽኢሉ እዩ። ብድሕርዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ እተፈላለየ እዋናት ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም "ምስ ዕዮ ምድሓን ወዳ ብዘይምቍራጽ ብምትእስሳር" (ቅዱስ ጉባኤ 103)፣ ከምኡውን "ዝኽሪ ሰማእታትን ካልኦት ቅዱሳን ብምውሳኽ፣ ነቶም ኣብ ሰማይ ብፍጹም ውዳሰ ንኣምላኽ ዚዝምሩን ምእንታና ዚጽልዩን ብምጽንባር" (ቅዱስ ጉባኤ 104) ተገብረ።

ስለዚ እዚ ሊጡርጊያዊ ዘምን ብምስጢራዊ መልክዕ፣ ንትምህርቲ ታሪኽ ድሕነትና ዳግም ዝገልጸልናን፣  ንምእመናን ካብ ትጽቢት እቲ መሲሕ፣ ናብ ምልኣት ምሥጢረ ፋሲካን፣ ናብ ተስፋ ናይ መጻኢ ክብርን ይመርሖም። ኣብኡ ድማ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ምስጢረ ክርስቶስ፣ ማለት ነቲ ንድሕነት ዘለዎ ኣገዳስነትን ይጽምብሉ፣ እዚ ድማ ምእመናን ኣብኡ ብዝያዳ ንኺሳተፉ የኽእሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሊጡርጊያዊ ዘመን ኣገዳሲ ዝኾነ መምርሕን፡ ሥርዓትን፡ መሰረትን ናይ ኵሉ ጕስነታዊ ስጕምትታት እዩ።

12 Aug 2026, 11:55