ድለ

ር. ሊ. ጳ. መኣዲ ኣምላኽ ንዅልና እተዳለወ ኢዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እምነት እታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ብምስትንታን፣ ቤተ-ክርስትያን ጸጋ ኣምላኽ ካብቲ ምዱብ ዶባት ወጻኢ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ኣፍልጦ ክትህብን፣ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝጥሕስ ኣድልዎን ዕንቅፋታትን ክትሰግር ከም ዘለዋ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንዝተረኽቡ ምእመናን ኣብ ዘካፈልዎም ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እታ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጓላ ሓገዝ ዝሓተተት ጓና፣ ዝገልጽ ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እተወስደ ጥቕሲ ብምውሳድ ኣስተንተምሃሩ።

ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ዝነበራ ዘይብተኽ ማእሰር፣ ማለት ሞት እውን ከይተረፈ ኼቋርጾ ዘይክእል ሓድነት ስጋን ነፍስን ኣብ እተስተንትነሉ ዘላ እዋን፣ ነቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኸብረ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ብምዝካር ኣስተንትኖኦም ጀመሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ ዕለተ ሰንበት ንክርስትያን ምእመናን ነቶም ንኢየሱስ ዚስዕቡን ተመሳሳሊ ፍጻመ ኸም እተመባጽዓሎም የዘኻኽሮም ኢዮም። ትንሳኤ ክርስቶስ "ናባኡ ኣቢሉ ዝስሕበና ሓድሽ ህይወት ደኣ እምበር ዝሓለፈ ፍጻመ ኣይኰነን" ድማ በሉ።

ሱር ዝሰደደ እምነት

እታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይኰነትን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትነብርን እኳ እንተ ነበረት ብቐጻሊ ምስኡ ኽትራኸብ ትጽዕር ነበረት።

ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ምስኡ ርክብ ዘለዋ ወደ መዝሙር ገይራ ድማ ሰዓበቶ። ዋላ እኳ ተራኺቦም ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፣ እምነታ ግን ብምስጢራዊ መገዲ ኣብ ውሽጣ ሱር ዝሰደደ ነበረ።

እታ ሰበይቲ ንገዛእ ርእሳ ዋላ ሓንቲ ኣይሓተተትን። ኣብ ክንዳኡስ ነታ እትሳቐ ዝነበረት ጓላ ሰላም ደለየት፣ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ተወከለት፣ ንሱ ድማ መሲሕን ካብ ዘርኢ ዳዊትን ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበትሉ።

ወንጌል ነቲ ዘጋጠማ ዕንቅፋታት ኣይሓብኦን እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ሓደ ዜጨንቓ ኣጋጣሚ ገይሮም ኪርእይዎ ኸለዉ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ባዕሉ ኣብ ፈለማ ንልመናኣ ተቓወሞ።

ይኹን እምበር ሓደ ዘይትጽበዮ ነገር ኣጋጠመ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንተልእኾኡ ብተኣዛዝነት በቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ንርእሱ ኺድረኽ ከም ዝፈቐደ እውን ገለጸላ።

ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ "ኣንቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓባይ እያ ። ከም ዝደለኻዮ ይኹነልኪ" በላ።

ብዕዮ ኣምላኽ ምድናቕ

እዚ ርክብ እዚ ሎሚ ውን ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ትምህርቲ ከም ዝዀነ ቅዱስነቶም ይገልጹ።

ቤተ-ክርስትያን ብዕዮ ኣምላኽ ክትግረምን፣ ሰላም ክርስቶስ ካብ ድሩት ዶባት ወጻኢ ኽትዝርግሕን ከም ዘለዋ ኣመልከቱ።

መለኮታዊ ጸጋ መብዛሕትኡ ግዜ፣ ቀቅድሚ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን እዩ ዝኸይድ፣ ኣብ ውሽጢ ሕልና ደቂ ሰባት ድማ ይዓዪ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ምርኻብ እንተላይ ነቲ ዘሎ መደባት ዝዓናቕፍ ብምዃኑ፣ ክርስትያን ምእመናን ተጠንቂቖም ኪሰምዑን፣ ነቲ ኣምላኽ ኬመሓላልፎ ዝደሊ ነገራት ኣዒንቶምን ልቦምን ክኸፍቱሉን ይሓትት።

ዋላ ሓደ ሰብ እካ ምስ ርፍራፍ ኣይተርፍን ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም ክርስትያን ምእመናን፣ ካብታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ትሕትናን ቈራጽነትን ይመሃሩ እዮም ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

እምነታ ድማ "መኣዲ ኣምላኽ ንዅሉ ከም ተዳለውን" ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ኣቦ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ ቦታ ስለ ዘለዎ፣ ሓደ እኳ ርፍራፍ ጥራይ ሒዙ ኪተርፍ ከም ዘይብሉ እያ እትምህረና ክብሉ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ እምነት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽብሪ ውሉድ ኣምላኽ ዝረግጽ ዘይማዕርነትን ኣድልዎን ዕንቅፋታትን ኣምላኽ ክጻወሮ ዘይክእል ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ሓሳባቶም ንቤተ-ክርስትያን ከም ማሕበር ኢየሱስ ክርስቶስ ብምግላጽ፣ "ሰላም ኣብ እትደሊ ሽግር ዝመልኣ ዓለም" እትርከብ ኢያ ክብሉ ገሊጾምዋ ይርከቡ።

ነቶም ኣባኡ እተርኽቡ ምእመናን ድማ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ምእንታኦም ከተማልድ  ኺልምንዋ ዓደምዎም፣ እቲ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ ዝብል ጸሎት "ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተገልጸ እቲ ዝሓየለን መሃዝትን መዝሙር" ምዃኑ ድማ ተዘክሮኦም ኣካፈሉ።

እዚ መዝሙር እዚ ንሓቂ ብዓይኒ ኣምላኽ ዝርእን ተስፋ ዘይቈርጽን ብጸጋ ዝዓዪን ሰብ ዝዝምሮ መዝሙር  እዩ ክብሉ ድማ መስከሩ።

17 Aug 2026, 12:25