ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንግዳያት ርእደ መሬት ኢንዶነዥያ ዘለዎም ቅርበት ይገልጹ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ነሓሰ ንግሆ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኑሳ ተንጋራ ኢንዶነዥያ ዘጋጠመ 7.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ዘስዓቦ “ዕንወት” ምስ ተሓበሩ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም፡ እቲ ግዝያዊ ቁጽሪ ዝሞቱ 53 ኮይኑ፡ 135 ሰባት ከም ዝተሃሰዩ፡ 13 ሽሕ ድማ ብዘይ ኣባይቶም ከም ዝተረፉ እንክሕበር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ኤንደ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳትፓውሉስ ቡዲ ክለደን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝኸተምዎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም “እቶም ብቐጻሊ ሳዕቤን እዚ ሓደጋ ዝሳቐዩ ዘለዉ፡ ብፍላይ ድማ ንብዙሓት ተመዛበልትን ዝተጎድኡን” መንፈሳዊ ምትሕብባርን ምቅርራብን ኣረጋጊጾም፡ ብተወሳኺ ንቤተ ክርስቲያናውን በርገሳውን ሰበስልጣን “ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን” ኣተባቢዖም “ስለ እቶም ኣብ ጻዕርታት ሕውየት ዝተዋፈሩ ኣባላት ህጹጽ ኣድሕን ህይወት” ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ንምዉታት “ንፍቕራዊ ምሕረት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኣማዕቍይቦም፡ “መለኮታዊ በረኸት ምጽንናዕን ሓይልን” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰፊሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት
እቲ ናይ መጀመርታ ሓያል 7.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ሰንበት ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ደሴት ፍሎረስ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ድሕሪ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ርእደ መሬት ስዒቡ፡ ድሕሪ ሓያሎ ሰዓታት፡ ኣብ ደሴት ሱማትራ 6.9 ዝዓቐኑ ርእደ መሬት እውን ከም ዘጋጠመን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ዘስዓቦ ከቢድ ሞትን ሓደጋን፡ ኣብ ኣባይትን ትሕተ - ቅርጽን ሰፊሕ ጉድኣት ከም ዘውረደን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ትካል ምሕደራ ሓደጋ ኢንዶነዥያ፡ ልዕሊ 900 ኣባይቲ ክዓኑ እንከለዉ፡ ካልኦት 450 ድማ መጠነይና ዕንወት ከም ዝወረደን፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ክርስትያን ሓዊሱ ብውሑዱ 167 ህዝባዊ ህንጻታት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከም ዝገበረን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ክዕቆቡ ሓቲቶም ከም ዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።
