ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ቸክ፡ 'ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ስድራኹምን ሕብረተሰብኩምን መስክሩ'
ዜና ቫቲካን
“ኣብ ስድራ ቤትኩም፡ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለየ ምድላዋት ህይወትን፡ ስራሕን መጽናዕትን ፍቕሩ ምእንቲ ክትምስክሩ፡ ህያው ህላዌ ክርስቶስን ብርሃን ቃሉን ብትግሃት ተቐበልዎ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ካብ 14 – 26 ዓመት ዝዕድመኦም ዝርከብዎ ተሳተፍቲ ናይቲ ዕለት 11 ነሓሰ ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ ከተማ ኦስትራቫ ዝጀመረን ክሳብ ሰንበት ዕለት 16 ነሓሰ ዝቕጽልን ሃገራዊ ኣኼባ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይላበዉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቸክ ረፓብሊክ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጆሰፍ ኑዚክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መንእሰያት “ብተኣማንነት ናብቲ ንዓለም ዝሰዓረ ጐይታ ኢየሱስ ኪምለሱ ተላብዮም፡ “መድሓኒና ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጉዕዞኦም ክመርሖም ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ልቦም ድማ ተስፋን ሓጐስን ሰላምን ይህቦም ኣሎ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ነቶም መንእሰያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ሕይወትን ሕብረተሰብን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክምስክሩ ኣተባቢዖም። ንኹሎም ተሳተፍቲ “ኣባታዊ ጸሎትም” ኣረጋጊጾም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምቕራቦም “እቲ ፍጻመ ብዓወት ክዛዘም፣ ሓድሽን ሓቀይናን ዕርክነት ብጐይታ ንኽውለድ ኣጋጣሚ ክኸውን” ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
