ድለ

FILE PHOTO: Displaced women from South Kordofan sit on the ground in El Obeid, North Kordofan State

ር. ሊ. ጳ.፦ ዓመጻ ደው ኣብሉ፣ ንዲፕሎማሲያዊ ዝርርባት ድማ ቦታ ሃቡ፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምድጋሞም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሱዳንን ዩክረይንን ሩስያን ዝቕጽል ዘሎ ዓመጻ ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም። "እቶም ዓመጽ ዝዘርኡ" ክቕየሩ ከምኡውን "ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግዳያት ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት" ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 09 ነሓሰ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጐም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ህጻናት ከም ዘተሓሳሰቦም፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኤል-ኦበይድ ጠቒሶም።

"ምስ ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ዘለኒ መንፈሳዊ ቅርበት ክገልጽ ከለኹ፣ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ንሰላማዊ ህዝቢ መተሓላለፊ ውሕስነት ክህቡ ጻውዒት ኣቕርብ ኣለኹ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ "ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕርታት ክድግፉ" ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ጐይታ ንመከራ ዘበለ ዅሉ ኺድግፎን፣ "ንልቢ እቶም ዓመጻ ዝዘርኡ ዘለዉ ሰባት ክልውጦን፣ ነቲ ንነዊሕ እዋን እተጸበናዮ ሰላም ከኣ ከንግስ" ክጽልዩ ተማሕጺኖም።

ካልእ ሰብኣዊ ዕንወት ንምክልኻል

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣብ ከተማ ኣል-ኦበይድ ሱዳን ዝቕጽል ሰብኣዊ ዕንወት ክኸውን ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ። ሰባት ንኣዋርሕ ዚኣክል ኣብ ከበባ ድሕሪ ምግባሮም ምግብን ማይን ሕክምናዊ ንዋትን ከም ዘይብሎም ኢዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ከተማ ኤል-ኦበይድ ኣብ  ማእከላይ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ስትራተጅያዊ መተሓላለፍን፣ ናብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዝወስድ መገድን ስለ እትርከብ፣ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርዶፋን ኲናት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ መላእ ሱዳን ድማ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ፣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ድሕሪ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ።

'ውግእ ዝያዳ ውግእ ጥራይ እዩ ዜምጽእ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ጻውዒቶም ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዩክረይንን ሩስያን ዝሞቱ ዘለዉ ብዙሓት ንጹሃት ሰባትን ዝቘሰሉን ሰባት ዘለዎም ኣቓልቦ ኣካፊሎም። "ዘሕዝን ፍጻመታት" ኢዩ ብምባል፣ ብኸመይ ይቕጽል ከም ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን፣ እዚ ድማ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግዳያት ዝኾኑ ሰላማውያን ሰብ ከም ዘስዕብ ዘሎ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ምስ ስድራቤታት እቶም ግዳያትን ዝቘሰሉን ከምኡውን ኵሎም እቶም ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ ጐኖም ደው ኢለ ኣሎኹ" በሉ።

ኣብ ማእከል እዚ ቐጻሊ ኲናት፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር፣ ከምኡውን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ከም ዒላማ ገይሮም ዝጥቀሙሉ መጥቃዕትታት ደው ከብሉ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ውግእ ዝያዳ ኲናት ጥራይ እዩ ዜምጽእ፣ ንብዙሕ ስቓይ ድማ ኢዩ ምኽንያት ዝኸውን" በሉ። "ነቲ ዓመጻ ደው ንምባልን ንዲፕሎማሲያዊ ዘተን ምይይጥን ቦታ እንኸፍተሉ እዋን ሕጂ እዩ፣ እዚ ድማ ንሰላም መገዲ ዝጸርግ ኢዩ" በሉ።

መንእሰያት፣ ኣብ ኣብነት ቅዱሳን ሰዓቡ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቶም ካብ መላእ ኢጣልያ ዝመጹ ጕጅለታት መንእሰያት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም፣ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዙሓት ጕጅለታት መንእሰያት ከም ዘለዉ ኣጕልሑ። "ንገለ ኻብቲ ናይ ዕረፍቶም መዓልትታት ከም ምልክት ተስፋ ንውልቃዊ ዕቤትን ዕርክነትን ኣብ ዜተባብዕ ንጥፈታት ኬሕልፍዎ" ኸም ዝመረጹ እውን ገለጹ። ብፍላይ ኣብቲ ብዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ኣሲዚ እተገብረ ጉባኤ ፍራንሲስካውያን ምስ መንእሰያት ዝገበርዎ ርክብ እውን ዘኪሮም።

10 Aug 2026, 16:23