ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ፍልሰታ ለማርያም ዘለኣለማዊ ዕጫና ይገልጽ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ምእመናን ነቲ ናይ መወዳእታ ዕጫኦም ማለት ምልኣት ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣብ እግዚኣብሔር ከስተንትኑ ዓዲሞም፡ ፍልሰታ ለማርያም ንካቶሊካዊ ስነ መለኮትን ንህዝባዊ ውፉይነትን ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ በዓል ምዃኑ ገሊጾም። ብፍላይ ኣብቶም ንፍልሰታ ለማርያም ዝተወፈየ ካቴድራላቶም ወይ ሰበኻዊ ኣብያተ ክርስቲያኖም ማሕበረሰብ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ብዓብይ ክብሪ ከም ዘብዕልዎ ይዝክሩ።
ዕረፍቲ ኣደ ኣምላኽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ስነ ጥበባውያን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ምስጢር ፍልሰታ ለማርያም ዝገልጽሉ ክልተ ቀንዲ መገድታት እንከስተንትኑ፡ እቲ ቀዳማይን ጥንትዎ ትውፊት “ዕረፍቲ” ወይ "ዝደቀሰት" ኣደ ኣምላኽ ዝገልጽ እዩ። ኣብዞም ምስልታት ማርያም ደቂሳ፡ ብሓዋርያት ብጸሎት ተኸቢባ እንኮላን፡ እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ድማ ከም ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ነፍሳ ኣብ ሕቑፉ ሒዙ እንከሎ ዘርእይ እዩ።
እቲ ምስሊ ክርስቶስ ንኣዲኡ ናብ ክብሪ ሰማይ ክወስዳ ክመጽእ እንከሎ ዘርኢ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” እንክብል ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብኣ እውን ይፍጽሞ፡ እዚ ጥንታዊ ስእሊ ንሓደ ማእከላይ ሓቂ እምነት ክርስትና ዘጉልሕ እዩ፡ ንሱ ድማ እቲ ሞይቱ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ፡ ንደቂ ሰባት ናብቲ ዝተፈጥረሉ ዕጫ - ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሖም።
ወለዶታት ኣመንቲ ነዚ ምስጢር ኣብ ስእልታት ዕረፍቲ ኣስተንቲኖምዎ ከምዝነበሩን ብፍላይ ኣብ ሮማ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ዝርከብ ዓቢ ቅንስላዊ ቅብኢ ዕረፍቲ ማርያም ከም ኣብነት የቕርብዎ።
ስጋን ነፍስን ተባሂሉ ዝግመት
ካልኣይ ስነ-ጥበባዊ ትውፊት፡ ድሒሩ ኣብ ምዕራብ ዝማዕበለ ኮይኑ፡ ማርያም ኣብ ሰማይ ደው ኢላ፡ ብብርሃን፡ መላእኽትን ቅዱሳንን ተኸቢባ እንኮላ ዘርኢ እዩ። ኣብ ማእከል እቲ ዝኸበረ ኣካል ድንግል ማርያም ኮይኑ፡ ካብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ "ጸሓይ ዝለበሰት ሰበይቲ፡ ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ፡ ኣብ ርእሳ ድማ ዓሰርተ ክልተ ኮኾብ ዘለዎ ዘውዲ ዘለዋ" ዝብል ራእይ ዘበራብር እዩ።
ገለ ስነ-ጥበባውያን ነዞም ክልተ ልምድታት ኣብ ሓደ ኣምጺኦም፡ ሓዋርያት ንላዕሊ ክጥምቱ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሕብራዊ ዕምባባታት ዝተመልአ ባዶ መቓብር ድው ዝበለት ሰማያዊት ማርያም ዘርእዪ፡
እዚ ካልኣይ ኣገባብ እዚ፡ ማርያም ብስጋን ነፍስን፡ "ብምሉእ ስብእናኣ" ናብ ሰማይ ከም ዝተወሰደት ዘጉልሕ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም። እታ ነቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ስጋን ደምን ሂባ ንኢየሱስ ኣብ መስዋእቲ ፍቕሩ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ዝሰዓበት ኣደ ብእኡ ንዘለኣለም ናብ ክብሪ ተሰሓበት።
መወዳእታ ዘይብሉ ጽምብል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ትንቢት ትንሳኤ እውን ነቲ ንኹሎም ኣመንቲ ዝጽበዮም ዕጫ ዘመልክት ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "እቲ ሎሚ ኣብ ማርያም ብሓጎስ እነድንቖ ምልኣት ህይወት፡ ኣብ መወዳእታ ግዜ'ውን ይጽበየና'ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ነቲ ትሑት ስጋ ደቂ ሰባት ከም ክቡር ስጋኡ ክቕይሮ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ነቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእን ነቲ መዋቲ ድማ ዘይመውትን ክለብሶ እዩ።
ድሕሪኡ፡ ብፍቕሪ ተበጃዊ ዝተለወጠ ስጋ ሰብ፡ ምእመናን ንዘልኣለም "ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጽምብል" ክነብሩ እዮም - ቢሎም - "ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ" "ኣብ ናቱን ኣብ ቅድስቲ ኣዴናን ዓቢ ስራሕ ዝሰርሐ!" እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣክ እግዚኣብሔር ምስ ዛዘሙ ምስቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምመናን ሓቢሮም ጽሎተ መልኣክ እግዚብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ንኹሎም ተስፋን ምጽንናዕን ዘድልዮም ንኣማላድነት ፍልሰታ ለማርያም ኣማዕቍይቦም፡ ብፍላይ ንህዝብታት ቅድስቲ መሬትን፡ ዩክሬንን ሩስያን ከምኡ’ውን ብኣድልዎ ወይ ስደት ዝሳቐዩ ክርስትያናን በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ዝተሃስየ ህዝቢ ኮሎምብያ እውን ጸሎቶም ኣሐዲሶም፣ “ቅድስቲ ማርያም ምእንታና ጸልዪ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
