ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ‘ስፖርት ትንቢት ሰላም' ክኸውን ከምዝኽእል የስተብህሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ‘ስፖርት ትንቢት ሰላም' ክኸውን ከምዝኽእል የስተብህሉ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ‘ስፖርት ትንቢት ሰላም' ክኸውን ከምዝኽእል የስተብህሉ

ጉጅለ ኣትለቲክ ቫቲካን ኣብ ኣብ ስፖርታዊ ውድድር ማእከላይ ባሕሪ ንምስታፍ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዝካየድ ዘሎ መደብ፡ ስፖርት ከም “ትንቢት ሰላምን ሕውነትን” ከሰፍሕ ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ከተማ ታራንቶ ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 3 መስከረም ኣብ ዝካየድ መበል 20 ስፖርታዊ ግጥም ማእከላይ ባሕሪ 4 ኣትሌቲካ ቫቲካን ክሳተፉ ምዃኖም ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዳቪድ ዋትኪንስ ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ካብ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እስያን ኤውሮጳን ዝመጹ ኣስታት 4 ሽሕ ኣትሌታት፣ ኩለን ብማእከላይ ባሕሪ ዝተኣሳሰራ፣ ኣብ 33 ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርት ክጋጠማ ምዃነን ኣመላኺቱ፡ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣባላት ማሕበር ስፖርት ቅድስቲ መንበር፡ ፋብሪዝዮ ፔሎኒ፡ ቲዝያኖ ሉካረሊን ዳኒኤል ፎንታናን፡ ኤሚልያኖ ሞርቢደሊ ከም ዝኾኑን ቅድሚ እቲ መደብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ 2026 ዝካየድ ጸወታታት ማእከላይ ባሕሪ ንዓለም ርኡይ ምልክት ሰላምን ርክብን ከቕርብ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ጸወታታት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ታራንቶ ዝጅመር ኮይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 ነሓሰ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ “እዚ ስፖርታዊ ውድድር ኣብ መንጎ ህዝብታት እዚ ዞባን ናይ መላእ ዓለምን ትንቢት ሰላምን ሕውነትን ክኸውን ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዋትኪንስ ኣስዒቡ፡ ውድድር ኣብ ዝዓሞቐ ትርጉሙ ዝበጽሕ መጋበርያ ርክብ ምስ ዝኸውንን ስፖርተይናታት ከም ኣባላት ሓደ ሰብኣዊ ስድራቤት ምስ ዝፋለጡን እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ብዛዕባ ስፖርት ክዛረቡ እንከለዉ ዘስምርሉ ሓሳብ ደጊሞም ብምዝኽካር፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጸወታታት ማእከላይ ባሕሪ ናይታ እተእንግድ ከተማ ኢጣሊያ ታራንቶ ሊቀ ጳጳሳት ቺሮ ሚኒየሮ ኣብ ካቴድራል እታ ከተማ ብሓባር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ፖል ቲገ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ስፖርተይናታት መስቀል ክቕበሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ናይ ስፖርተይናታት መስቀል ኣብ ምሉእ እቲ ጸወታታት ከም መንፈሳዊ መወከሲ ነጥቢ ኣብ ካቴድራል ክጸንሕ ምዃኑን፡ ከምቲ ድሕሪ 2012 ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን (ናይ ኣካለ ስብኩላን ኦሎምፒክ) ለንደን ኣብ ኣህጉራዊ ስፖርታዊ ውድድራት እቲ መስቀል ንኣትሌታት ከሰንይ እዩ።

ሊቀ ጳጳስ ሚኒየሮ ስፖርት ንህጻናት ሓዊሱ ንሰብ ሞያን ተልሜደንን ሕሉፍ ማሕበራዊ ፍልልያት ንምርኣይን ሕውነት ንምድንፋዕን ጠቓሚ ዕድል ከምዝህብ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስሚሮም፡ "ኣብዛ ብሰንኪ ኲናትን ህጹጽ ኩነታት ኣየርን ትሳቐ ዘላ ዓለም፡ ሰላም ከም ዝከኣልን እቶም ካብ 'ተጻረርቲ ውድባት' ዝመጹ ስፖርተይናታት ኣብ ክንድኡ፡ ኪኖ እቲ ዝተወልዱሉ ቦታ ወይ እምነቶም፡ ብሓቀይና መንፈስ ሕውነት ዝተነቓቕሑ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምዃኖም ከነርኢ ዕድል ኣሎና” እንክብሉ፡ ናይ ስፖርትን ባህልን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፡ “ህላወ ኣትለት ቫቲካን ርኡይ ምልክት ሕውነት ዘቕርብ” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ መስቀል ስፖርተይናታት “ቃል ዘይብሉ መልእኽቲ” ገሊጾም፡ ነፍሲ ወከፍ ህይወት፡ ዋላ ብረሃጽን ስቓይን፡ ፍቕርን ክብርን ይግብኦ” ከም ዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዋትኪንስ ሓቢሩ።

18 Aug 2026, 17:00