ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ብኣኽብሮታዊ ኣምልኾ ካንቶሊካውያን ክሓንጽ ኣለዎ ር.ሊ.ጳ.፡ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ብኣኽብሮታዊ ኣምልኾ ካንቶሊካውያን ክሓንጽ ኣለዎ 

ር.ሊ.ጳ.፡ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ብኣኽብሮታዊ ኣምልኾ ካንቶሊካውያን ክሓንጽ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካህናት ንስርዓተ ኣምልኾ ዝምለት ስርዓታት ሊጡርጊያ ከኽብሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ሊጥርጊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የተባብዑ።

ዜና ቫቲካን

ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣሳቲፉ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገን ካብ ዕለት 14 – 19 ነሓሰ. ጉዳያት ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ኣብ ቤነዲክታውያን ገዳም ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ዕለት 14 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ስርዓተ ሊጡርጊያ ምኽባር ዘለዎ ኣገዳስነት የጒልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንካርዲናል ኦርቱር ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ “ንህዝቢ ኣምላኽ ህንጸት ኣብ ሊጡርጊያ ዘለዎ ኣገዳስትነት” ንምዝታይ ዝዓለመ ተበግሶ ዘለዎም ምሉእ ደገፍ የረጋግጹ።

እዚ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ካቶሊካውያን ዘሳትፍ "ናይ ሓባር፡ ጭቡጥን ግብራውን እማመታት ንምግላጽ" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዕምቆትን መንፈስውነትን ሊጡርጊያ ዘብርህ “ሃሰስኩ ለብዎትክሙ - Desiderio desideravi” ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝተደረኸ ምዃኑ ነዚ ዓውደ ጉባኤ ዘዳለዎ ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ሓቢሩ፡ ኣብ ገዳም ንኽካየድ ዝተወስደ ምርጫ፥ ጸሎት ኣብ ዝመልኦ ኩነታት ንምዝታይን ካብ ፍልጠታዊ ድህሳሰ ንላዕሊ ኣብ መንፈሳዊ መመያ ምትኳር ዘለዎ ኣገዳስነት ዝሕብር ምዃኑ የመልክት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ መልእኽቲ“ሃሰስኩ ለብዎትክሙ - Desiderio desideravi”  ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ኣምልኾ ሕይወት ዳግማይ ህያው ንምግባር ቀጻሊ ሕንጸት ውሉደ ክህነትን ዓለማውያንን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ናታ ናይ ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ተወኪሶም፡ ህንጸት ብዛዕባ ሊጡርጊያ ፍሉይ ጉጅለ ክኢላታት ሊጡርጊያ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝፈጥር “ውሽጣዊ ባህሪ ናይ ኩሎም ሕዝበ እግዚኣብሔር” ክኸውን ኣለዎ - ቢሎም - ናይ ሰንበት ሊጡርጊያ ብተደጋጋምን ብተግባራውን ኣገባብ ንሊጥርጊያዊ ህንጸት ዓብይ ዕድል ከም ዝህብ ኣስተብሂሎም፡ “እዚ በዓላት እዚ ኣብ ዓመታዊ ህርመት ኣብ ናይ ሊጡርጊያ ዓመት ዝተሰረተ ኮይኑ፡ ምስጢር ፋስጋ ኣብ ማእከል ዝገብር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ጽምብላት እውን ብዕምቆት ዝሓንጹን በቲ ቅዳሴ ዘዕርግ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዅሉ እቲ ጉባኤ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓሞቐ ርድኢት ብዛዕባ ars celebrandi - ናይ ምብዓል ጥበብ ክህሉ ዘተባብዕ እዩ።” ብቅዳሴ ሰናብቲ ኣቢሎም ካቶሊካውያን ብሊጡርጊያን ንሊጡርጊያን ይሕነጹ” እንክብሉ ሓቢሮም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጆ ሃመናንዊ ቅዋም ብዛዕባ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛረብ ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ዘለዉ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምዝካር፡ “ክቡር ጽምብል ቅዱሳት ምስጢራት ንምስፋሕ፡ ነቶም ዝጸደቑ ጽሑፋትን መምርሕታትን ተኣማንነት ከምዘድሊ ከነስምረሉ ይግባእ” ኩሎም እቶም ዝጽውዑ ንመለኮታዊ ምስጢራት ጽምብል ከዳልዉን ብፍላይ ካህናት ነቲ ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ዝደንገግዎ ስርዓት ከኽብሩን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡

“እዚ ኣኽብሮት እዚ ካብ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ግሉጽነትን ኣብ ኣምላኽ ምትእምማንን ዝምንጩ፡ ኣብ ቅድሚ ዕብየቱ ትሕትናን ንቤተ ክርስቲያናዊ ሓድነትን ልባዊ ተኣማንነቱን ዝገልጽ ክኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ነቲ ኣብ ኦሪገን ዝካየድ ሊጡርጊያ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ንማርያም መንበረ ጥበብ ኣማዕቍይቦም ብዛዕባ ቅዱስ ሊጡርጊያ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ምስትውዓል ክረኽቡ ጸሎቶም ምዃኑ የረጋግጹ።

15 Aug 2026, 16:20