ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ 'ኣውያት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህጻናት ናብ እግዚኣብሔር ይድይብ!'
ዜና ቫቲካን
ኣብቲ ዕለት 14 ነሓሰ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ዝገበሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 27 መስከረም እተብዕሎ መበል 112 ዓለማዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ "ኣውያት ተመዛበልቲ ህጻናት ሎሚ ናብ እግዚኣብሔር ይድይብ" ኣሎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘጒልሑን
ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን "ካብዞም ህጻናት ንሕደ’ኳ" ዝብል ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወደ ቃል ቅዉም ሓሳብ ዝገበረ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም "ካብዞም ህጻናት ንሕደ’ኳ" ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣቓልቦና ናብቶም ብቐጥታ ብተመኩሮ ስደትን ምምዝባልን ዝተተንከፉ ትሕቲ ዕድመ፡ ናብቲ ንዕኦም ዝግበኦም ሓልዮት፡ ከምኡ’ውን ናብቲ ጐይታ “ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ውላድ ብስመይ ዝቕበል ንዓይ ይቕበለኒ” (ማር 9፡37) ዝብል መብጽዓ ዝስሕብ ምዃኑ ብምንጽጻር የብርሁ።
ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝያዳ ተቓላዕቲ ጉጅለ እዮም
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ ምንቅስቓሳት ስደት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝያዳ ተቓላዕቲ ጉጅለ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ስቓይ ስደተይናታት ህጻናት ምስ ምግዓዝ ከምዘይውዳእ ተዓዚቦም። ኣዝዮም ንኣሽቱ ቆልዑ ወለዶም፣ ኣሕዋት፣ ኣሓትን ፈተውቶምን ዝሰኣኑን፣ ዘይንገር ተግባራት ዓመጽ ዝረኣዩን፤ ካልኦት ንነዊሕ እዋን ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ዝጸንሑ፤ ከምኡ’ውን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ዋላ’ውን ምስ ወለዶም ብሓባር ነቲ ጉዕዞ እንተገበሩ፡ ንጽንኩርን ዘሕዝንን ኩነታት ዝተቓልዑን ዘኪሮም፡ "ኣብ መወዳእታ፡ ብሰንኪ ምምላስ ካብ ወለዶም ዝተፈልዩ ሰባት ዘሕዝን ኩነታት ክንርስዖ ኣይንኽእልን ኢና" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ኣብ መስመራት ስደት ዘጋጠመ ብዙሕ ሞት፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ዕጥቃዊ ግጭታት ምምልማል፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ግዱድ መርዓ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጠሞም ወይ ዝረኣይዎ ግፍዒ ምኽንያት ጓሂኦም ይገልጹ።
ክብሪ ተረጊጹ
"ክብረቶም ብማእለያ ዘይብሉ መንገዲ ይረገጽ ኣሎ - እንተኾነ ግን ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ጸልማት፡ ብኻልእ ወገን ከይሓልፉ ዘይመረጹ" ኣብ ክንድኡ ድማ ምትሕግጋዝ ዘቕርቡ ብዙሓት ውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን በርገሳዊ ትካላትን ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባትን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ቅድሚ እዚ ዘሕዝን ክውንነት እዚ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባቶም ናብቲ ንሕልናና ብዕምቆት ዝፈታተን ቃላት ኢየሱስ ኣቕኒዖም “ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ቆልዓ ብስመይ ዝቕበል ንዓይ ይቕበለኒ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ናይ ቁጽርን ኣሃዛዊ ጽብጻብን ሕቶ ከምዘይኮነ ድማ ኣነጺሮም፡ "ወንጌል ንኸይነሳሕብ ይዕድመና: ዋላ ሓደ! ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ፡ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ፡ ደረት ኣልቦ ክብሪ ይውንን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ሰብኣውነትን እምነትን ተግባር
"ኣብ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ቆልዓ፡ ንጐይታ ክንቅበሎን ክንረኽቦን ስለ እንኽእል፡ ሰብኣውነትን እምነትን ዝመልኦ ተግባር ክንገብር ተጸዊዕና ኣሎና" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ እቲ ዘሕዝን ግን ስደተይናታት ህጻናት ብቐሊሉ ሸለል ይበሃሉ፡ ምኽንያቱ ክከላኸሉሎምን ክሕልውዎም ዝኽእሉ ዓበይቲ ስለዘይብሎም”. እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ በዚ ምኽንያት ድማ "ንኽሃድሙ ዘገድዶም ጠንቅታት ንምእላይ ኣብ መበቆል ሃገራቶም ጣልቃ ምእታው የድሊ፡ ብተመሳሳሊ ድማ ኣብተን መተሓላለፍን መዕለብን ሃገራት ሓለዋን ኣቀባብላን ምሃብ የድሊ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ይገልጹ።
"ኣውያት ተመዛበልቲ ህጻናት ሎሚ ናብ ኣምላኽ ይድይብ ኣሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ዘጸኣት ዝተሰምዐ ኣውያት - ቢሎም - ዘይግደሱ ኮይንና ክንጸንሕ ኣይንኽእልን ኢና፡ ከምዚ ዓይነት ስቓይ እውን ክንለማመዶ ኣይንኽእልን ኢና . . . ኣብ ውልቃዊ ህይወትና፡ "ነቲ ንሰብኣውነት ሰብ ብቐጥታ ዘይምልከት ንሰብ ናብ ቁጽሪ ዘውርድ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ሰጊርና፡ ንታሪኹን ፍርሓቱን ሕልምታቱን ብዕምቆት ንምስማዕ ኣዒንትናን ልብናን ክንከፍት ኣሎና። ቅድሚ 'ስደተይና' ናይ ምዃን ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው እውን እንተኾነ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ህጻን ኣፍልጦ ምሃብን መሰረታዊ መሰላቱ ምሕላውን፡ ማለት መሰል ህይወት፡ ትምህርትን ምሉእ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ መንፈሳዊ፡ ግብረ ገባውን ማሕበራውን ምዕባለ ክኡል ዝገብር ደረጃ መነባብሮን ምሕላው ዕድመ'ዩ" እንክብሉ የተሓሳስቡ።
ጻውዒት ኣብ ቅድሚ እዚ ተርእዮ
ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን "ምቕባል ካብ ረቂቕ ኣምር" ናብ "ርጉእ ጉስነት ክንቅይሮ" ተጸዊዕና ኣለና፡ ነዚ ዕማም እዚ ንፍሉይ ውህበት ዝተዓደላ ተቕዋማት ወይ ማሕበራት ጥራይ ክንውክል ኣይንኽእልን ኢና።
ቅድሚ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝገጥመና ጭቡጥ ወጅህታት፡ ምሉእ ማሕበረሰብ ክርስትያን ነዞም ህጻናት ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ውላድ ክቖጽሮምን ምስ ጭቡጥ ታሪኽ ነፍሲ ወከፎም ክዋፈርን ተጸዊዑ ኣሎ።"
ማሕበረሰባት ክርስትያን ንውህደት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምድንፋዕን ከም ምሉኣት ኣባላት ዓቕለሲያዊ ስድራቤት ዋጋ ክህቡን ክተባብዑ ይግባእ - ቢሎም - ካብዞም ህጻናት ሓደ ጥራይ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ኣድማስ ናይተን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ተቓላዕነት መንእሰያት ሃይማኖታዊ ዶብ ከምዘይፈልጥን ኣብ ሓባራዊ ሰብኣውን መንፈሳውን ሓላፍነት ከምዘወሃህደናን የዘኻኽረና" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ንኣመንቲ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ደረት ሰገራውነት ስምዒት ወጺኦም መርበባት ሓለዋ ኣብ ምሽፋን ዝተሓባበሩሉ ጭቡጥ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ልሙዕ መሬት ከም ዝኸውን ኣስሚሮም፡
"ማሕበረሰባት እምነት፡ ነፍሲ ወከፍ ወድን ነፍሲ ወከፍ ጓልን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህላዊ መንነቱ ዝኽበረሉን ዋጋ ዝወሃበሉን ቦታታት ክፈጥሩ ይጽውዑ፡ በዚ ድማ ካብ ኣኽረርትን ጸንፈይናነታትን ከስዕብዎ ካብ ዝክእሉ ሓደጋ ንከላኸለሎም” እንክብሉ የጒልሑ።
ህጹጽ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ የድሊ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ "ካብዞም ህጻናት ሓደ ጥራይ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ትሕዝቶ በርገሳዊ ትካላት፡ ነቲ መትከል ዝበለጸ ረብሓ ናይቲ ህጻን ዳግማይ ከነረጋግጽ ይጽውዓና። ንነፍሲ ወከፍ ንጽል ህጻንን መንእሰይን ሓለዋን ክብርን ቀዳምነት ክህባ ግድነት ዘለወን መንግስታውን ውልቃውን ትካላት - እናሓሰቡ - "እዚ ድማ ውጽኢታዊ ሕጋዊ መሳርሒታት ሓለዋ ምቕባል፡ ምድንፋዕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ምፍልላይ ዝመጽእ ስንባደ ምክልኻል የድሊ - ቢሎም - ህጹጽ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ የድሊ - ትኹረት ናይቲ ክትዕ ካብ ተራ ምሕደራ ስደት ናብ ምሉእን ቅልጡፍን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ክሰጋገር ኣለዎ፡ ንዝስደዱ ሰባት ሓለዋ፡ ተቐባልነትን ሓቀይና ዕድላት ውህደትን ከረጋግጽ ዝኽእል ዝተዋደደ፡ ደጋፍን ኣድማዕን ምላሽ" ክቕበል ኣለዎ። ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህጻናት ናብ ናይ ኣዴታት ሓለዋ ናይታ ምስ ቅዱስ ዮሴፍን ህጻን ኢየሱስን ብምዃን ጭካነ ናይ ሄሮድስ ዓመጽን ናይ ስደት መዓት ኣብ ምስሪ ዘጋጠማ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማዕቍይቦም፡ ንሳ ድማ ስጉምትታቶም ኣሰንያ ማሕበረሰባትና ህያዋንን ተኣማንነት ዘለዎምን ምልክታት ወንጌል ክኾኑ ትሓግዞም” እንክብሉ መልእኽቶም ይዛዝሙ።
