ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፈረንሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፈረንሳ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፈረንሳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ዘካይድዎ ሓምሻይ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መደብ ወግዓዊ ከም ዝኾነን ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት ፈረንሳ ቅዱስነቶም ዝኣብ ከተማታት ፓሪስ፡ ሴንት ደኒስ፡ ሉርድስን ሜትዝን ክበጽሕ እዮም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 25 - 28 መስከረም ኣብ ፈረንሳ ናይ ዘካይድዎ ዋርያዊ ዑደት መደባት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 7 ነሓሰ ወግዓዊ ከም ዝገበሮን እዚ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ እዚ ከተማታት ፓሪስ ሴንት ደኒስ ሊርድን ሜትዝን ዘጠቓልል ከም ዝኾነ የመላኽት።

25 መስከረም፡ ካብ ሮማ ናብ ፓሪስ

ዕለት 25 መስከረም ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ ፊዩሚቺኖ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 7፡50 ነቒሎም ልክዕ ሰዓት 10፡00 ኣብ ፈረንሳ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፓሪስ ኦርልይ ምስ ኣተዉ ኣብኡ ድማ ንኽብሮም ድሕሪ ዝፍጸም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ምስ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኤሊዘ ክራኸቡ እዮም።

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሰበስልጣንን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ፈረንሳ ናይ ወጻሃ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ መድርኽ መደረ ከስምዑ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ፓሪ ምብጻሕ ካካይዱን ኣብኡ ድማ መደረ ከምስዑ እዮም።

ናይ መወዳእታ ክልተ ፍጻመታት ናይዚ ምሸት ኣብ ካቴድራል ኖትረ - ዳም ምስ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ጳጳሳትን ብሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ክመርሑን ስብከት ከካፍሉን እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ፈረንሳ ዝጸንሑሉ ናይ መጀመርታ መዓልቶም ኣብ ሴንት ደኒስ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ፈረንሳ ምስ መንእሰያት ብዘካይድዎ ርክብን መደብ ጸሎትን ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳንን ክዛዝሙ እዮም ክዓጽውዎ እዮም።

26 መስከረም፡ ፓሪስን ሉርድን

ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ቅዱሰንቶም ኣብ ፈረንሳ፡ ናብቲ ብሊቀ ጳጳሳት ፓሪስ ዝምራሕ ማእከል ማሕበራዊ ደገፍን ውህደትን ማይሶን ባኪታ ብዘካይድዎ ምብጻሕ ይጅምር። ኣብ መስከረም 2021 ዝተመረቐ እዚ ማእከል፡ ንስደተይናታት ዕላማ ዝገበረ፡ መሃዛዊ ናይ ደገፍን ጎስጓስን መደባት የአንግድ ወይ ብቐጥታ የቕርብ።

እዚ ማይሶን ባኪታ ማእከል፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ንነፍሲ ወከፍ ስደተይና "እንግዶት፡ ምክልኻል፡ ምንቕቓሕን ውህደትን" ዘማእከለ ኣገልግሎት፡ እዚ ድማ "ሓላፍነት፡ ፍትሒ፡ ስልጣነን ሓገዝን" ምዃኑ ብምሕባር ዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ብምሃብ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ድሕሪ እዚ መደብ እዚ ድማ ቅዱስነቶም ኣብ ካቶሊካዊ ተቕዋም ደ ፓሪ (ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፓሪስ) ምስ ኣባላት ዞባዊ ሲኖዳዊ ጉባኤ፡ ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን ሓደስቲ ዝተጠመቑን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብነፋሪት ናብ ሉርድስ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ፓሪስ ዝነበሮም መደብ ኣብ ፕላስ ደ ላ ኮንኮርድ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዝሙ እዮም።

27 መስከረም፡ ኣብ ሉርድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሉርድ ንግሆ ምስ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ፈረንሳ ኣብ ጽርሓ ቅድስቲ በርናዴት ኣብ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ክራኸቡን፣ ድሕሪኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡

ኣኩዌል ኖትረ ዳም ኣብ እተሰምየ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ኣብ እዋን ንግደቶም ዝእንገድሉ ፍሉይ መንበሪ ክንክን ጥዕናን ማእከል ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ኣስዒቦም ድማ ምስተን ባሕታውያን ደባግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ንኽራኸቡ ኣብ ገዳም ቀርሜሎሳውያን ዘሉርድ ናይ ብሕቲ ርክብ ከካይዱ እዮም። ምሸት ብባህላዊ ሽግ ብዝምራሕ ዑደት ዝስነይ ጸሎት መቑጸርያ ክመርሑ እዮም።

28 መስከረም፡ ሉርድ፡ ሜትዝ፡ ሮማ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፈረንሳ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ውዕሎኦም ኣብ ማእከል ሮበርት ሹማን ኣብ ዝካየድ ናይ ሓድሕድ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ኣብቲ “ናብ ሱር ኤውሮጳ ንሰላምን ሓድነትን” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉካኤ ንኽሳተፉ ናብ ሜትዝ ክኸዱ እዮም።

ኣብ ካቴድራል ቅዱስ እስጢፋኖስ ብዘኦርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ኣብ ፈረንሳ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ክዛዝሙ እዮም። ብድሕሪኡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሜትዝ - ናንሲ - ሎረይን ሰዓት ሰዓት 19፡00 ብነፋሪት ናብ ሮማ ክምለሱ እዮም።

ምስቶም ካብ ግህሰት ዝደሓኑ ሰባት ምርኻብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከም ዝሓበሮ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘካይድዎ ወግዓዊ ዑደት ምስ ሓያሎ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ካብ ዝወረዶም ዓመጽ ዝደሓኑ ክራኸቡ እዮም።

"እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ባዕሎም ነዚ ኣኼባ ኣብ ምድላው ክሳተፉ እዮም” ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ይኹን እምበር ብዛዕባ ዕለት፡ ቦታ ወይ ብዝሒ ተሳተፍቲ ዝምልከት ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘየለ ድማ ኣፍሊጡ፡ ድሒሩ ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃብ ዝከኣል ምዃኑ የመላኽት።

08 Aug 2026, 17:09